ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/94 ገጽ 1
  • ነሕዋትካ ጽቡቕ ጌርካ ፍለጦም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነሕዋትካ ጽቡቕ ጌርካ ፍለጦም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቅሪ ትሀሉኹም”
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • ፍቕሪ ሕውነትና ነዕቢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ነሕዋትካ ፍለጦም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ንክርስትያን ኣንስቲ ደግፈን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 8/94 ገጽ 1

ነሕዋትካ ጽቡቕ ጌርካ ፍለጦም

1 ምስ ኣመንቲ ብጾትና ዘሎና ርክብ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ምስኦም ኣኼባታት ካብ ምክፋል ንላዕሊ ኢዩ ዝሓተና ። ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻምና ምስ የሱስ መንፈሳዊ ዝምድና የጥርየልና ። (ማር. 3 : 34, 35) እዚ ኸኣ ብግዲኡ ምስቶም ከነፍቅሮም እተኣዘዝና ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናይ መንፈሳዊ ስድራቤት ርክብ የምጽኣልና ። (ዮሃ. 13 : 35) ስለዚ እቶም ምስ ‘ስድራቤት ኣምላኽ’ ሕብረት ዘለዎም ንሓድሕዶም ኣጸቢቖም ክፋለጡ ጻዕሪ ክገብሩ ኣለዎም ። — ኤፌ. 2 : 19

2 ነሕዋትካ ብስሞም ፍለጦም : ነስማት ናይ ኩሎም እቶም ኣብ ጉባኤ መጽሓፍ ትምህርቲ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትንሲ ትፈልጦምዶ ኢኻ ? እታ ጉጅለ ንእሽቶ ስለ ዝኾነት ነስማት ናይ ኵሎም : እንተዘይኮነ ኸኣ ናይ ዝበዝሑ ካብቶም ዝካፈሉ ክትፈልጦስ ቀሊል ኢዩ ። ኣስማቶም ዘይትፈልጦ እንተኾይንካስ ጽቡቕ ገይረ እፈልጦም እየ ክትብል ትኽእልዶ ኢኻ ?

3 ነቶም ካልኦት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣኼባታት ዝካፈሉ : ቆልዑውን ከይተረፈ : ንምንታይ ክትፈልጦም ዘይትፍትን ? ምናልባት ምስ ውሑዳት ኣዕሩኽ ጥራሕ ክንሓብር ንደሊ ንኸውን ። ብቐጻሊ ምስ ፍሉያት ዕርክነት ብምግባር ክትሕጎስ ጌጋ እኳ እንተዘይኮነ ምዉቕ ሰላምታናን ሃናጺ ዝርርብናን ኣብ ውሱናት ሰባት ጥራሕ ክኸውን ኣይንደልዮን ኢና ። ንኹሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንፈልጦም ጻዕሪ ብምግባር ‘ከነግፍሕ’ ይግብኣና ። (2 ቈ⁠ረ . 6 : 11, 13) እዚ ኸኣ በብስሞም ምፍላጦምውን ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ ።

4 እቶም ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዝመርሑ ኣሕዋት ነስማት ናይ ኩሎም እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝካፈሉ ክፈልጥዎም ክፍትኑ ኣለዎም ። ኣብቲ መድረኽ ኴንካ ስሞም ክትጽውዖም እንኮለኻ እቲ ዝህብዎ መልሲ ተቐባልነት ከምዘለዎ ኮይኑ ይስምዖም : ብተወሳኺውን ካልኦት ኣስማቶም ክፈልጥዎ ይሕግዞም ። ልክዕ’ዩ ኵሉ ግዜ ሓደስቲ ወይ ድማ በጻሕቲ ስለ ዘለዉ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስም ክትፈልጥ ከቢድ ይገብሮ ኢዩ ። ይኹን እምበር : ከየባተኽና ልባዊ ጻዕሪ ምስ እንገብር ንኻልኦት ዘተባብዕን መርኣያ ናይ ቅንዕና ዘለዎ ብሕታዊ ተገዳስነትን ኢዩ ዝኸውን ። — ሮሜ 1 : 11, 12

5 ጽቡቕ ጌርኩም ክትላለዩ ተበግሶ ውሰዱ : ዘወርቲ ተዓዘብቲ ዝበዝሕ ግዜ ምስ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ጽቡቕ ጌሮም ይላላዩ ኢዮም ። ግን ነዚ ከመይ ገይሮም ኢዮም ዝገብርዎ ? ብሰለስተ ቀንዲ መገድታት ገይሮም ኢዮም ዝገብርዎ : (1) ስርዓታውያን ኮይኖም ምስኦም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ይዓዩ (2) ኵነታቶም ከም ዘፍቕዶ ኣብ ገዝኦም ክበጽሕዎም ዕድመ ይቕበሉ (3) ኣብ ኣኼባታት ንዓበይትን ቆልዑትን ሰላም ክብልዎም ተበግሶ ይወስዱ ።

6 ሕብረትካ ኣስፊሕካ ኣሕዋትካ ጽቡቕ ጌርካ ክትፈልጦምሲ ገለ መገዲዶ ሃሰው ክትብል ምኸኣልካ ? ካልኦት አብ ግራት ኣገልግሎት ከሰንዩና ክንዕድሞም ንኽእል ኢና ። ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ : ተመላሊሰካ ምብጻሕ ምግባር : ናብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምኻድን ወይ ድማ ብመጽሔታት ጌርካ ናይ መገዲ ምስክርነት ምግባርን ኵሎም እቶም ዝበለጹ ጽቡቕ ሌላ እትገብረሎም መገድታት ኢዮም ። ሓደ ሓደ ግዜ ምሳኻ ክምስሑ ወይ ክድረሩ ወይ ድማ ናይ ሻሂ ዕድመ ብምግባር ናብ ገዛኻ ክትዕድሞም ጽቡቕ ኢዩ ። ነቶም ሓደስቲ ወይ ድማ ነቶም ሓፋራት ክትቀርቦም ኢልካ ተበግሶ ምውሳድ ብመንፈስ ይሃንጾም ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙሕ በረኸታትውን የምጽእ ኢዩ ። — ግብ. 20 : 35 ፣ 1 ተ⁠ሰ . 5 : 11

7 ጳውሎስ ነሕዋቱ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦም ነበረ ። ኣብ ደብዳቤታቱ ስሞም ብምጥቃስ ይጽሕፈሎም ምንባሩስ ኣብኦም ዝነበሮ ናይ ስስዐ ዘይብሉ ተገዳስነትን ናይ ሓቂ ፍቕርን መረጋገጺ ኢዩ ነይሩ ። (1 ተ⁠ሰ . 2 : 17 ፣ 2 ጢ⁠ሞ . 4 : 19, 20) ነሕዋትና ጽቡቕ ጌርና ክንፈልጦም ኢልና እንገብሮ ጻዕሪ ንኹልና በረኸት ከምጽኣልና ኢዩ ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ