ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/95 ገጽ 3
  • ንግዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንግዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንግዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽምዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ምቹእ ግዜ ብኸመይ ከም ዝዕደግ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣስለጥቲ ኩኑ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 6/95 ገጽ 3

ንግዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ

1 የሆዋ ብግዜ ይግደስ ኢዩ። ንዓናውን ብግዜ እንግደስ ክንከውን ኢዩ ዝደልየና። ብማሕበሩ ገይሩ ብግዜ እንግደስ ክንከውን ይሕግዘና ኢዩ። ኵሉ ግዜ “ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት” እንዀነሉ ክህልወና ተተባቢዕና ኢና። (1 ቈረ. 15:58) በዚ መገዲ እዚ: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ኣስለጥቲ ክንከውን ንኽእል ኢና።

2 ነፍሲ ወከፍና: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ማዕረ ግዜ​—⁠168 ሰዓታት​—⁠ኢዩ ዘሎና። ንግዜና ክሳዕ ክንደይ ኢና ብጽቡቕ እንጥቀመሉ? ብኣረኣእያ የሆዋ ገይርካ ክርአ ኸሎ ኣበየናይ እዋን ከም ዘሎና ንፈልጥ ምዃናስ ነርኢ ዲና? ኣድለይቲ ብዘይኰኑ ንጥፈታት ንዝንብልዶ ኣሎና ኢና?

3 ብጽቡቕ እተመሓደርና ክንከውን ኣድላዪ ኢዩ። ብዙሓት ናይቶም ብቐዳምነት ክስርዑ ዘለዎም ዝርዝር ክህልዎም ይፍትኑ ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ ነገር ብመጠን እቲ ኣገዳስነቱ ኢዩ ኣብቲ ዝርዝር ዝኣቱ። እዚ ብኸመይ ክውሰን ይኽእል? መጽሓፍ ቅዱስ ሰብ ‘ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ ክርኢ’ ኣለዎ ኢዩ ዝብል። (መክ. 3:13) ገለ ዕዮታት ካብቶም ካልኦት ዝሓሸ ውጽኢት የፍርዩ። ነቲ ነፍሲ ወከፍ ዝህበካ ውጽኢት ሕሰበሉ። ነቲ ዕዮ ምውድኡስ ኣድላዪ ጥቕሚ የፍሪዶ ኢዩ? በቲ ጻዕርኻ ‘ጽቡቕ ክትርኢ’ ዲኻ? እንተደኣ ዘይኰይኑ: ቀዳምነት ዝወሃቦ ዕዮ ከይከውን ይኽእል ኢዩ።

4 ኣብ ኣገልግሎትና:- ካልኦት ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኣብ ሰዓቶም ክመጹ ከለዉ: ነቲ መምርሒታት ብጥንቃቐ ክሰምዕዎ ከለዉ: ከምኡውን ቀልጢፎም ናብቲ ዞባ ክኸዱ ከለዉ ነማስወሉ ኢና። ኣብ ክንዲ እንጽበ ኣብ ኣገልግሎት ትሑዛት ክንከውን ኢና እንደሊ። ጳውሎስ “ኵሉ ደኣ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ብዛዕባ ኣድላይነት ናይ ጽቡቕ ስርዓት ኣጸቢቑ ተገንዚብዎ ነይሩ ኢዩ።​—⁠1 ቈረ. 14:⁠40

5 ኣብ ግራት ኣገልግሎት እንከሎና: ንኸነዕርፍ ክቡር ግዜ ከነጥፍእ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: እቲ ኵነታት ኣየር ሕማቕ ምስ ዝኸውን: ዕረፍቲ ከሐድሰናን ክንቅጽል ክሕግዘናን ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ግና: ንሰባት ክምስክሩ ትሑዛት ብምዃን ኣብቲ ንኣገልግሎት እተመደበ ግዜ ንዕረፍቲ ምስ ኣሕዋት ከይሓብሩ ኢዮም ዝመርጹ። ሚዛን ኣድላዪ ኢዩ።

6 መጽሓፍ ቅዱስ: “ራዛ” ቦታ ዝልውጠሉ “ወርሓቱ ይፈልጥ” ኢዩ: ከምኡውን ጻጸ ንኽረምቲ ምእንቲ ክዳሎ “ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ” ይብል። (ኤር. 8:7፣ ምሳ. 6:⁠6-8) ግዜኻ ጽቡቕ ጌርካ ናይ ምጥቃም ምስጢር ኣብዚ ኢዩ ዘሎ። ንሕናውን ነቲ ‘ዝመደብናዮ ግዜ ክንፈልጦ’ ኣሎና። ኣዚና ደረቓት ከይኰንና ብግዜ ክንግደስ ይግብኣና። እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ጥራይ ዘይኰነስ መዓስ ክግበር ከም ዘድልዮውን ክንፈልጥ የድልየና። ከጋጥም ንዝኽእል ምድንጓያት ኣብ ግምት ብምእታው: ኣቐዲምካ ናይ ምምዳብ ልምዲ ክህልወና ኣለዎ። ከምኡውን ንኣኼባታትና እንዳለወሉ: ንግራት ኣገልግሎትን ካልእ ቲኦክራቲካዊ ንጥፈታትን ዝኣመሰሉ ዝያዳ ኣገደስቲ ነገራት ግዜ ምእንቲ ክንረክብ ገለ ካልእ ንጥፈታት ክንገድፍ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና።

7 ከምቲ “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ” ኢሉ ዝምህረና ሰማያዊ ኣቦና: የሆዋ ኣምላኽ: ክንከውን ኢና እንደሊ። (መክ. 3:⁠1) ንግዜና ጽቡቕ ጌርና ብምጥቃም: ‘ኣገልግሎትና ክንምልእ’ ክንክእል ኢና።​—⁠2 ጢሞ. 4:⁠5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ