ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/95 ገጽ 1
  • “ንቕሑ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንቕሑ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስለምንታይ ኢና ‘ኽንነቅሕ’ ዘሎና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • “ቀልብኹም ሓልዉ፡ ንቕሑ!”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • እታ ዚፈርደላ ግዜ በጺሓ እያ እሞ: “ንቕሑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ነቲ የሱስ ንቑሕ ብምዃን ዝሓደጎ ኣብነት ስዓቦ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 7/95 ገጽ 1

“ንቕሑ”

1 የሱስ ነተን ኣብ ማቴዎስ 26:​38-41 ዘለዋ ቃላት ክዛረበን ከሎ: ናብቲ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን ናይ ሰብኣዊ ህይወቱ ገጹ ይቐርብ ነበረ። ካብ ኵሉ ናይ ሰብኣዊ ታሪኽ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዋን ምንባሩ ከረጋግጽ ነበሮ። ናይ ኵሉ ወድሰብ ድሕነት ኣብ ክርክር ወዲቑ ነበረ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ‘ክነቕሑ’ ኣድለዮም።

2 ሎሚ ንሕና ኣብ ድርኩዂት ናይቲ የሱስ ከም መድሓንን ፈጻም ፍርድን ብምዃን ድርብ ግደ ሒዙ ዝመጸሉ እዋን ኢና ቌምና ዘሎና። ከም ጥንቁቓት ክርስትያናት መጠን ንህጹጽነት ናይቲ ግዜ ብምግንዛብ: ኢድና ኣጣሚርና ድሕነት ኣይንጽበን ኢና። ኵሉ ግዜ ድሉዋት ክንከውን ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና። ኣብቲ ንየሆዋ እንህቦ ኣገልግሎት ‘ክንዓይን ክንጽዕርን’ የድልየና ኢዩ። (1 ጢሞ. 4:10) ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍና በብውልቂኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ነቒሕናዶ ኣሎና፧

3 ገዛእ ርእስና ምምርማር:- የሱስ “ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” ኢሉውን ኣጠንቂቑ ኣሎ። (ሉቃ. 21:​34, 35) “ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን” ምዃንና ብምርግጋጽ ንገዛእ ርእስና ትጉሃት ክንከውን ይግብኣና። (ፊል. 2:15) ንየሱስ ብምምሳልን ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተዘርዚሩ ዘሎ ስርዓታት ተሰማሚዕና ብምምልላስን ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከም ክርስትያናትዶ ንነብር ኣሎና፧ ነቲ ናይዛ ‘በቲ እኩይ ተታሒዛ ዘላ’ ዓለም መለለዪ ዝዀነ ዘይክርስትያናዊ ጠባይ ከነወግዶ ኣሎና። (1 ዮሃ. 5:19፣ ሮሜ 13:​11-14) ብብርሃን ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ገይርና ንገዛእ ርእስና ክንምርምራ ከሎና: ከምቲ የሱስ ዝማሃሮ ብሓቂ ነቒሕናዶ ኣሎና፧

4 ሽማግለታት: ነተን መጓሰ ብኸመይ ከም ዝኣልይወን ጸብጻብ ከቕርቡ ከም ዝዀኑ ብምግንዛብ: ነቲ ናይ ጉባኤ ሓላፍነቶም ብትግሃት ምእንቲ ክፍጽሙ ትኩራት ክዀኑ ኣለዎም። (እብ. 13:17) ናይ ስድራቤት ርእስታት ንስድራቤቶም ብናይ የሆዋ መገድታት ክመርሕዎም ፍሉይ ግዴታ ኣለዎም። (ዘፍ. 18:19፣ እያ. 24:15፣ ምስ 1 ጢሞቴዎስ 3:​4, 5 ኣነጻጽሮ።) ከምኡውን ነቲ ኣብ ነንሓድሕድና ክንፋቐር ዘሎና ጽሑፋዊ ትእዛዝ ክንፍጽም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኢዩ! ምልክት ናይ ሓቀኛ ክርስትና ኢዩ።​—⁠ዮሃ. 13:⁠35

5 ንኻልኦት ከተጠንቅቕ ትኩር ኵን:- ንቑሕ ምዃን ኣብ ገዛእ ርእስና ካብ ምስትብሃል ንላዕሊ ኢዩ ዝሓተና። ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ክንገብር ተኣዚዝና ኢና። (ማቴ. 28:​19, 20) ናይ ብጻይ ፍቕሪ: ካልኦት ካብቲ ነዛ ዓለም እዚኣ ከጋጥማ ዘለዎ ጥፍኣት ምእንቲ ክድሕኑ ንምጥንቃቖም ከለዓዕለና ኣለዎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ክርስትያናት ዘሎ ሓላፍነት ኢዩ። ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ ኣምልኾና ኸኣ ኢዩ። (ሮሜ 10:​9, 10፣ 1 ቈረ. 9:16) ዝበዝሕ ግዜ: ነዚ ህይወት ኣድሕን ዕዮ እዚ ዘይተገዳስነትን ግሁድ ተቓውሞን የጋጥመና ኢዩ። እቶም ዝበዝሑ እኳ ነቲ መጠንቀቕታና እንተ ዘየቕለብሉ: ክንቅጽል ሓላፍነት ኣሎና። (ህዝ. 33:​8, 9) ኣብ ኣምላኽን ኣብ ብጻይን ዘሎና ቅኑዕ ፍቕሪ ክንጸንዕ ከለዓዕለና ኢዩ።

6 እዚ ግዜ እዚ እንቐስነሉ እዋን ኣይኰነን። እቲ መፈንጠራ ኰይኑ ዘሎ መዓልታዊ ናይ ናብራ ጭንቀት ከዘንብለና ክንፈቕደሉ የብልናን ከምኡውን ኣብቲ ደስታታት ናይዚ ኣገባብ እዚ ክንጽመድ የብልናን። (ሉቃ. 21:​34, 35) ሕጂ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ህጹጽ ምዃን ኣድልዩ ኣሎ። እቲ የሱስ ክርስቶስ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ፍርዲ ዝፍጽመሉ ግዜ ብናህሪ እናቐረበ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቶም ንቑሓት: ትኩራት: ከምኡውን ጥንቁቓት ዝዀኑ ጥራይ ክድሕኑ ኢዮም። ነቲ ናይ የሱስ መምርሒታት እንተድኣ ተኣዚዝናዮን ‘ኻብዚ ኵሉ ነገር ንምምላቝ ሓይሊ ረኺብናን’ ኣየ ክሳዕ ክንደይ መመስገንቲ ክንከውን ኢና!​—⁠ሉቃ. 21:⁠36

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ