ብርሃንና ብቐጻሊ ክበርህ ምሕዳጉ
1 ብርሃን እንታይ ኢዩ፧ መዝገበ ቃላት “ምርኣይ ዘከኣል ዝገብር ነገር” ኢሉ ይትርጕሞ። ብሓቂ ግን: ብቴክኖሎጂ እኳ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ እንተበጽሐ: ወድሰብ ነቲ ኣብ እዮብ 38:24 ተመዝጊቡ ዘሎ የሆዋ ዝሓተቶ ሕቶ መልሱ ምሉእ ብምሉእ ኣይፈልጦን ኢዩ። ብዘይ ብርሃን ክንመላለስ ንኽእልዶ፧ ብዘይ ብርሃን ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ብርሃን ንኣካላዊ ምርኣይ ኣድላዪ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብመንፈሳዊ መገዲ “እግዚኣብሄር ብርሃን” ኢዩ ኢሉ ይነግረና። (1 ዮሃ. 1:5) ንሕና ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ “ብርሃን ዝህበና” እተመርኰስና ኢና።—መዝ. 118:27
2 እዚ ብስጋዊ መገዲ ክርአ ኸሎ ሓቂ ኢዩ: ይኹን እምበር ብመንፈሳዊ መገዲ ዝያዳ ሓቂ ኢዩ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነቶም ሓፋሽ ህዝቢ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ደርብዩ ‘ከም ዕዉራት ንመንደቕ ሃሰስ ክብልዎ’ ብምሕዳግ: ብጌጋ መሪሕዎም ኢዩ። (ኢሳ. 59:9, 10) በቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ፍቕሩን ድንጋጹን ተለዓዒሉ: የሆዋ ‘ብርሃኑን ሓቁን ልኣኸ።’ (መዝ. 43:3) ቃል ብቓሉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መማሰውቲ ሰባት “ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ” ብምውጻእ መሊሶምሉ ኢዮም።—1 ጴጥ. 2:9
3 የሱስ ክርስቶስ ነዚ ብርሃን እዚ ናብ ዓለም ኣብ ምምጻእ ዓቢ ግደ ኣበርኪቱ ኢዩ። ንሱ ከምዚ በለ:- “እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር: ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ አሎኹ።” (ዮሃ. 12:46) ግዜኡን ሓይሉን ዓቕምታቱን ብምሉኡ ነቲ ብርሃን ሓቂ ከም ዝፍለጥ ኣብ ምግባር ዘቃንዐ ኢዩ ነይሩ። ናብ ነፍሲ ወከፍ ከተማን ዓድን እናሰበኸን እናማሃረን: ነታ እተወልደላ ዓዱ ብምልእታ ዘይርዋ ኢዩ። ነቲ ብዅሉ ወገናት ዝመጽእ ዝነበረ ምሕረት ዘይብሉ ስደት ተጸሚምዎ ኢዩ: ይኹን እምበር ኣብቲ ብርሃን ሓቂ ናይ ምስፋሕ ተልእኾኡ ጸኒዑ ተረኽበ።
4 የሱስ ሓደ ውሱን ሸቶ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ: ደቀ-መዛሙርቲ ኣብ ምምራጽን ምልምማድን ምቛምን ኣተኰረ። ነቲ ዝሃቦም መምርሒኡ ኣብ ማቴዎስ 5:14-16 ከምዚ ዝስዕብ ነንብቦ:- “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። . . . ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” ልክዕ ከም የሱስ: ነቲ ብርሃን ሓቂ ብሰፊሑን ብገፊሑን ብምዝርጋሕ ከም “ብርሃናት ኣብ ዓለም” ክዀኑ ነበሮም። (ፊል. 2:15) ከም ቀንዲ ዕላማ ናይ ህይወት ብምርኣይ: ነቲ ሓላፍነት እቲ ብሓጐስ ተቐበልዎ። ብድሕሪኡ ቍሩብ ጸኒሑ: ጳውሎስ እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ” ክብል ክኢሉ ኢዩ። (ቈሎ. 1:23) እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምልእታ ነቲ ዓቢ ዕዮ እቲ ኣብ ምፍጻም ሓቢራ ነበረት።
5 ሎሚ ንሕና ካብ መንጎ እቶም ‘ግብሪ ጸልማት ዝደርበዩ’ ክንከውን ስለ ዝኸኣልና መመስገንቲ ክንከውን ይግብኣና። (ሮሜ 13:12, 13) ነቲ ብየሱስን እቶም እሙናት ክርስትያናትን እተራእየ ኣብነት ብምንጽብራቕ መማስውቲ ምዃንና ከነርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ካልኦት ነቲ ሓቂ ክሰምዕዎ ከም ሎሚ ገይሩ ዝያዳ ህጹጽን ኣድላይን ኰይኑ ኣይፈልጥን። ብህጹጽነቱን በቲ ዘምጽኦ ጥቕምን ምስ እዚ ዕዮ እዚ ክመዓራረ ዝኽእል ካልእ ዕዮ የልቦን።
6 ከም ብርሃናት ብኸመይ ከነብርህ ምኸኣልና፧ እቲ ብርሃንና እነብርሃሉ ቀዳማይ መገዲ ኣብ ዕዮ ስብከት ናይታ መንግስቲ ብምክፋል ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኣብቲ እተመደበላ ዞባ ንኽትሰብኽ ስርዓታውን እተመሓደረን መደብ ኣለዋ። ኣዝዮም ብዙሓት እተፈላለዩ ጽሑፋት ብብዙሕ ቋንቋታት ተቐሪቦም ኣለዉ። ብኣኼባታት ጽዑቕ ዝዀነ ትምህርቲ ተዋሂቡ ኢዩ: ከምኡውን ንኻልኦት ብብሕቲ ንምድጋፍ በቶም ተሞኵሮ ዘለዎም ሓገዝ ተዋሂቡ ኢዩ። ሰብኡት: ኣንስቲ: ዓበይቲ አረ ቘልዑውን ከይተረፈ ንኽሳተፉ ዘለዎም ኣጋጣሚ ክፉት ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ በቲ ዘለዎ ዓቕምን በቲ ኵነታቱ ዘፍቅደሉን ክሳተፍ ይዕደም ኣሎ። ኵሉ ዕዮታት ናይታ ጉባኤ: ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብገለ መገዲ ንኽካፈል ብምሕጋዝ: ኣብ ስብከት ዘተኰረ ኢዩ። ምስታ ጉባኤ ስርዓታውን ጥብቅን ዝዀነ ርክብ ምግባር ብርሃንና ብቐጻሊ ንኽበርህ ከረጋግጸልና ዝኽእል ዝበለጸ መገዲ ኢዩ።
7 ኣፍኣዊ ምስክርነት ብዘይብሉ መገዲ ጌርና ከነብርህ ንኽእል ኢና። ብጠባይና ጥራይ ናይ ካልኦት ኣቓልቦ ክንስሕብ ንኽእል ኢና። ጴጥሮስ “ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም . . . ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ” ኢሉ ክምዕድ ከሎ እዚ ኣብ ኣእምሮኡ ነይሩ ኢዩ። (1 ጴጥ. 2:12) ብዙሓት ንሓደ ዕዮ ወይ ማሕበር ዝፈርድዎ በቲ ጠባይ ናይቶም ዝሓብርዎ ሰባት ኢዩ። ተዓዘብቲ ብሰነ-ምግባር ንጹሃት: ቅኑዓት: ሰላማውያን: ከምኡውን ሕጊ ዘኽብሩ ሰባት ክርእዩ ከለዉ: ከምዚኣቶም ዝዓይነቶም ሰባት እተፈልዩ ከምኡውን ካብቲ ብዙሓት ዝኽተልዎ ብኣዝዩ ዝለዓለ ስርዓታት ከም ዝነብሩ ኢዮም ዝድምድሙ። ስለዚ ሰብኣይ ንሰበይቱ ምስ ዘኽብራን ብፍቕራዊ መገዲ ገይሩ ምስ ዝንከባኸባን ብርሃኑ ከም ዝበርህ ይገብር፣ ሰበይቲውን ነቲ ርእስነት ናይ ሰብኣያ ኣኽብሮት ብምርኣይ ተመሳሳሊ ትገብር። ቈልዑ ንወለዶም ክእዘዙ ከለዉ ከምኡውን ንጾታዊ ብዕልግናን ሓሽሽ ምጥቃምን ምስ ዘወግድዎ ፍሉያት ይዀኑ። ሓደ ሰራሕተኛ ብዛዕባ ስርሑ ዝምልከት ሕልና ዘለዎ: ቅኑዕ ከምኡውን ንኻልኦት ዝሓሊ ምስ ዝኸውን ብኻልኦት ኣዝዩ ኢዩ ዝኸብር። ነዞም ክርስትያናዊ ባህርያት እዚኣቶም ብምንጽብራቕና: ናብራ ህይወትና ንኻልኦት ከም ዝኽተልዎ ብምግባር: ብርሃንና ከም ዝበርህ ንገብሮ ኣሎና።
8 ስብከት ብዛዕባ እቲ ካብ ቃል ኣምላኽ እተማሃርናዮ ንኻልኦት ምዝራብ ማለት ኢዩ። እዚ ኣብ መድረኽ ዝርርብ ብምሃብ ወይ ኣብ ማዕጾ ኴንካ ብምዝራብ ኢዩ ዝግበር: ይኹን እምበር ኣብ ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣጋጣሚታት ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። መዓልታዊ ንጥፈታትና ምስ ብዙሓት ሰባት የራኽበና ኢዩ። ነቲ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ጐረቤትካ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ሳዕ ትዛረቦ፧ ሓደ ሰብ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዩ ንማዕጾኻ ዝዅሕኵሕ፧ ኣስቤዛ ክትገብር ከሎኻ: ብኣውቶቡስ ክትጓዓዝ ከሎኻ: ወይ ኣብ ዓለማዊ ስራሕካ ምስ ክንደይ ዝኣኽሉ እተፈላለዩ ሰባት ኢኻ እትራኸብ፧ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሎኻ መንእሰይ እንተድኣ ዄንካ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ምስ ክንደይ ዝኣኽሉ ውልቀ-ሰባት ከም እትዘራረብ ክትቈጽሮ ምኸኣልካዶ፧ እቲ ምስ ካልኦት ሰባት ክትዛረብ ዘሎካ ኣጋጣሚታት ቍጽሪ የብሉን። እቲ ክትገብሮ ዘድልየካ ነገር ቍሩብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኻ ምሓዝ: መጽሓፍ ቅዱስን ገለ ትራክትታትን ኣብ ቀረባኻ ምግባር: ከምኡውን እቲ ኣጋጣሚ ክትረክብ ከሎኻ ከይተሰከፍካ ንምዝራብ ተበግሶ ምውሳድ ኢዩ።
9 ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ቀሊል እኳ እንተዀነ: ገሊኦም ንኽፍትንዎ ይጠራጠሩ ኢዮም። ንዘይፈልጥዎም ሰባት ቀሪቦም ከዘራርብዎም ኣዚና ሓፋራት ወይ ስኩፋት ኢና ብምባል: ካብ ምዝራብ ይቝጠቡ ይዀኑ። ኣብ ገዛእ ርእሶም ኣቓልቦ ከይስሕቡ ወይ ሕማቕ መልሲ ከይሰምዑ ይሻቐሉ ይዀኑ። እቶም ብናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ተሞኵሮ ዘለዎም: ዘጨንቕ ነገር ክልዓል ዝኽእል ዳርጋ ከም ዘይብሉ ክነግሩኻ ይኽእሉ ኢዮም። ብመሰረቱ እቶም ካልኦት ሰባት ልክዕ ከማና ኢዮም፣ ምስ ናትና ዝመሳሰል ድላይ ኣለዎም: ንዓና ዘገድሰና ኵነታት የገድሶም ኢዩ: ንገዛእ ርእሶምን ንስድራቤቶም ከምቲ ንሕና እንደልዮ ነገራት ኢዮም ዝደልዩ። ዝበዝሑ ሰባት ንፍሽሕው ፍሽኽታ ወይ ዕርክነታዊ ሰላምታ ብሕያውነታዊ መገዲ ኢዮም ዝምልስሉ። ንኽትጅምር ‘ተባዕ’ ክትከውን የድልየካ ኢዩ። (1 ተሰ. 2:2) ሓንሳእ ምስ ጀመርካዮ ግና: በቲ ውጽኢት ትድነቕን ትሕጐስን ትኸውን።
10 ብርሃንና ምስ እነብርሆ ክንባረኽ ኢና:- ካብ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት እተረኽቡ ኣብነታት ናይ ዘሐድሱ ተሞኵሮታት እነዉ:- ሓንቲ 55 ዝዕድምኤን ሰበይቲ ጽርግያ የቋርጻ ነበራ። ማኪና ክትሃርመን ክትብል ከላ: ሓንቲ ሓፍቲ ብኢደን ሒዛ “በጃኽን ኣስተብህላ። ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና!” እናበለት ሲሒባ ኣድሓነተን። ብድሕሪኡ እዚ ግዜ እዚ ስለምንታይ ሓደገኛ ከም ዝዀነ ገለጸትለን። እተን ሰበይቲ “ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዲኺ፧” ብምባል ሓተታኣ። ካብ ዓባይ ሓብተን ሓንቲ ካብ መጻሕፍትና ተቐቢለን ስለ ዝነበራ ምስ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክራኸባ ይደልያ ነበራ: እዚ ኵነታት እዚ ድማ ነቲ ኣጋጣሚ ከፈተለን።
11 ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ናይ ሓኪም ቤት ጽሕፈት ኣብቲ መጸበዪ ክፍሊ ኰይና ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ዝርርብ ጀመረት። እታ ሰበይቲ ጽን ኢላ ድሕሪ ምስማዕ ከምዚ በለት:- “ንገለ ግዜ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክራኸብ ጸኒሐ ኢየ፣ ይኹን እምበር ኣብ መጻኢ ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተድኣ ዀይነ: ብምኽንያት እዚ ንስኺ ዝነገርክኒ ኢዩ። ንዓኺ ምስማዕ ማለት ኣብ ጸልማት ቦታ ኴንካ ብርሃን ከም ምርኣይ ኢዩ።”
12 ሕያውነት ምግባር ካልኦት ሓቂ ንኽማሃሩ መሰረት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካብ ግራት ኣገልግሎት ናብ ገዝአን እናተመልሳ ከለዋ: ክልተ ኣሓት ናብ ሓንቲ ካብ ኣውቶቡስ ዝወርዳ ዝነበራ ዝሓመማ ዝመስላ ዓባይ ሰበይቲ ኣስተብሃላ። ነተን ሰበይቲ ሓገዝ ዘድልየን እንተድኣ ዀይኑ ሓተተአን። ክልተ ፈጺመን ዘይፈልጥአን ሰባት መጺአን ኣብኤን ተገዳስነት ብምርኣየን ተገሪመን ነዚ ከምዚ ዝበለ ሕያውነታዊ ሰላምታ እንታይ ከም ዘለዓዓሎ ክፈልጣ ደለያ። እዚ ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚ ከፈተ። እተን ሰበይቲ ቀልጢፈን ኣድራሽአን ሃብአን ከምኡውን ክበጽሐአን ምውቕ ዕድመ ገበራለን። ጽንዓት ተጀመረ። እተን ሰበይቲ ብኡብኡ ኣኼባታት ክሳተፋ ጀመራ: ሕጂ ኸኣ ነቲ ሓቂ ንኻልኦት የካፍልኦ ኣለዋ።
13 ሓንቲ ዓባይ ሓብቲ ኣብቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ገምገም ባሕሪ ነቲ ናይ ንግሆ ምስክርነት ኢያ እትጥቀም። ምስ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት: ቈልዑ ዘጻውታ: ናይ ባንክ ሰራሕተኛታት: ከምኡውን ካልኦት ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዘሎ መገዲ ዝዛወሩ ሰባት ትራኸብ። ኣብቲ ኮፍ መበሊ ኰይና ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ። ብዙሓት ሰባት ሓቂ ካብኣ ተማሂሮም ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኣለዉ።
14 ሓንቲ ሓብቲ ኣብቲ ዓለማዊ ስርሓ: መሳርሕታ ብዛዕባ ሓንቲ ናይ ዓለም ሽግራት ክትፈትሕ ትኽእል ኢያ ኢላ ዘኣመነትላ ናይ ፓለቲካ ፓርቲ ክትዛረብ ሰምዓታ። እታ ሓብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ ዝገልጽ መብጽዓታት ብምጥቃስ ተቢዓ ተዛረበት። እዚ ኣብ ስራሕ እተገብረ ምይይጥ ናብ ኣብ ቤት ዝግበር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣምርሐ: ኣብ መወዳእታ ድማ እታ ሰበይትን ሰብኣያን መሰኻኽር ኰኑ።
15 ምስክር ምዃንካ ፈጺምካ ኣይትረሰዕ! የሱስ ንደቀ-መዛሙርቱ ከም “ብርሃን ዓለም” ገይሩ ክገልጾም ከሎ: ካልኦት ካብቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ መንፈሳዊ ብርሃን ክጥቀሙ ክሕግዝዎም ኣለዎም ኢዩ ዝብል ነይሩ። ናይ የሱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒልናዮ: ንኣገልገሎትና ብኸመይ ክንርእዮ ኢና፧
16 ገለ ሰባት ስራሕ ክደልዩ ከለዉ ናይ ክፍለ-ግዜ ዕዮ ኢዮም ዝመርጹ። ኣብቲ ስርሖም ዘጥፍእዎ ግዜን ጉልበትን ገደብ ይገብርሉ: ምኽንያቱ ዝበዝሐ ግዜኦም ኣብቲ ዝያዳ ዘርብሖም ከሕልፍዎ ስለ ዝመርጹ ኢዮም። ነቲ ኣገልገሎትና ብኸምዚ ጌርና ንርእዮዶ ኢና፧ ሽሕ’ኳ ንኣገልግሎት ዝኸውን ገለ ግዜ ክንምድብ ንግደድ: አረ ፍቓደኛታትውን እንተዀንና: እቲ ቀንዲ ሓልዮትና ኣብ ካልእ ድዩ ክኸውን ዘለዎ፧
17 ናይ ክፍለ-ግዜ ክርስትያን ዝበሃል ከም ዘየለ ፈሊጥና: ‘ህይወትና ቀቢጽና’ ከምኡውን ንየሱስ ‘ከየቋረጽና ’ ክንስዕቦ ኢልና ኢና ህይወትና ዝወፈና። (ማቴ. 16:24 ትሓዓ ) ድሌትና ናይቲ እንረኽቦ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ እናተጠቐምና ንሰባት ኣብቲ ዘለዉዎ ክበጽሖም: ብርሃንና ክበርህ ብምሕዳግ ‘ብምሉእ ነፍስና’ ምቕጻል ኢዩ። (ቈሎ. 3:23, 24 ትሓዓ ) ዓለማዊ ኣረኣእያታት ክንነጽግ: ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ቅንእና ክንዕቅብ: ከምኡውን ብርሃና ከየቋረጸ ደሚቑ ከም ዘብርህ ከነረጋግጽ ይግብኣና። ገሊኦም ቅንኦም ክዝሕል ከምኡውን ብርሃኖም ቍሩብ ርሕቕ ኢልካ ንኽትርእዮ ዘሸግር ሃሳስ ክኸውን ኣፍቂዶምሉ ይዀኑ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ነቲ ንኣገልግሎት ዝነበሮም ቅንኢ ክመልሱዎ የድልዮም ይኸውን።
18 ገሊኦም እቲ መልእኽትና ንብዙሓት ፍሉጥ ስለ ዘይኰነ ከድሓርሕሩ ይዘዝዉ ይዀኑ። ጳውሎስ: ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝምልከት መልእኽትና “ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ” በለ። (1 ቈረ. 1:18) ይኹን እምበር: ካልኦት እንታይ ከም ዝብልዎ ብዘየገድስ: ንሱ ኣበርቲዑ “ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ” በለ። (ሮሜ 1:16) ሓደ ዝሓፈረ ሰብ ትሑቲ ኵሉ ወይ ዋጋ ዘይብሉ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖ። ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ናይ ኣድማስ ልዑል ከምኡውን እቲ ንዘለኣለማዊ ሓጐስና ገይርዎ ዘሎ ዘደንቕ ምድላዋት ክንዛረብ ከሎናስ ከመይ ገይሩ ኢዩ ሕፍረት ክስምዓና ዝኽእል፧ ነዞም ሓቅታት እዚኣቶም ንኻልኦት ክንነግሮም ከሎና ካብ ኵሎም ትሑታት ወይ ዋጋ ዘይብልና ኰይኑ ክስምዓና ዘይሕሰብ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: ‘እንሓፍረሉ ዘይብልና ’ ምዃንና ከም እንኣምን ከነርኢ እቲ ዝከኣለና ክንገብር ክንግደድ ይግብኣና።—2 ጢሞ. 2:15
19 እቲ ሕጂ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንዘለዋ ኵለን ሃገራት ዝበርህ ዘሎ ብርሃን ሓቂ: ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝዀነት ገነት ናይ ምንባር ምዉቕ ዕድመ ይዝርግሕ ኣሎ። ነቲ ብርሃንና ብቐጻሊ ክበርህ ክንሓድጎ እተዋህበና ምዕዶ ካብ ልቢ ከም እተገንዘብናዮ ነርኢ! ከምኡ እንተድኣ ገይርና ልክዕ ከምቶም መዓልቲ መዓልቲ ‘ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ዘየብኰሩ ’ ደቀ-መዛሙርቲ እንሕጐሰሉ ምኽንያት ክህልወና ኢዩ።—ግብ. 5:42