ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/11 ገጽ 1
  • ‘ብርሃንኩም ይብራህ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ብርሃንኩም ይብራህ’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ብርሃንኩም ይብራህ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ብርሃንና ብቐጻሊ ክበርህ ምሕዳጉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ንየሆዋ ምእንቲ ኸተሞግስዎ ‘ብርሃንኩም ይብራህ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • መለኮታዊ ብርሃን ንጸልማት ይቕንጥጦ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 5/11 ገጽ 1

‘ብርሃንኩም ይብራህ’

1. እንታይ ከነመሓላልፎ ዚግባእ ክቡር ውህበት እዩ ተዋሂቡና፧

1 ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ዕራርቦ ዝርአ ውቁብ ብርሃን፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ውዳሰ እዩ ዜምጽኣሉ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺረኽብዎ ዜተባብዖም ብርሃን ግን ካልእ ዓይነት ብርሃን እዩ፣ ንሱ ኸኣ “ብርሃን ህይወት” እዩ። (ዮሃ. 8:12) እዚ መንፈሳዊ ብርሃን እዚ፡ ክቡር ውህበት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ከቢድ ሓላፍነት ዜሰክም እዩ። የሱስ ንኻልኦት ምእንቲ ኽንጠቅም ኢሉ፡ “ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ዚብል ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። (ማቴ. 5:16) ኣብዚ እዋን እዚ ድቕድቕ መንፈሳዊ ጸልማት ስለ ዘሎ፡ ብርሃንና ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኺበርህ ኣለዎ። እሞኸ፡ ንክርስቶስ ብምምሳል ብርሃንና ኸነብርህ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

2. የሱስ፡ መንፈሳዊ ብርሃን ከም ዚበርህ ምግባር ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

2 ብስብከት፦ የሱስ ግዜኡን ጕልበቱን ጥሪቱን ተጠቒሙ፡ ኣብ ኣባይትን ኣብ ኣደባባያትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ ካልእ ቦታታትን እናኸደ፡ ሰባት ብርሃን ሓቂ ኸም ዚረኽቡ ይገብር ነበረ። መንፈሳዊ ብርሃን ሓቂ፡ ነባሪ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ተገንዚቡ ነበረ። (ዮሃ. 12:46) እዚ ብርሃን እዚ ኣብ ብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኺበጽሕ፡ ንደቀ መዛሙርቱ “ብርሃን ዓለም” ኪዀኑ ኣዳለዎም። (ማቴ. 5:14) ብርሃኖም ዜብርሁሉ መገዲ ኸኣ፡ ሰናይ ተግባራት ብምግባርን መንፈሳዊ ሓቅታት ብምንጋርን እዩ ነይሩ።

3. ንብርሃን ሓቂ ኣርዚንና ኸም እንምልከቶ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

3 ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ “ኸም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ” ዚብል ሓላፍነት ኣርዚኖም ስለ ዚርእይዎ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ሰባት ዚርከቡሉ ቦታታት እናኸዱ ይሰብኩ እዮም። (ኤፌ. 5:8) ካብ ስራሕ ወይ ካብ ቤት ትምህርቲ ዕረፍቲ ምስ ወጻእና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ካልእ ካብ ጽሑፋትና ምንባብ ጥራይ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ንምግባር መገዲ ኪኸፍት ይኽእል እዩ። ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ፡ በዚ መገዲ እዚ ተጠቒማ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ጀመረት፡ ን12 ደቂ ኽፍላ ኸኣ መጻሕፍቲ ዓደለት።

4. ‘ብርሃንና ንምብራህ’ ሰናይ ኣካይዳና እውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ብሰናይ ግብሪ፦ ብርሃንና እነብርሃሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ በቲ መዓልታዊ እነርእዮ ኣካይዳና እዩ። (ኤፌ. 5:9) ሰባት ነቲ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ወይ ኣብ ካልእ ቅሉዕ ቦታታት እነርእዮ ክርስትያናዊ ኣካይዳና የስተብህሉሉ እዮም፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምዝራብ ኣጋጣሚ ዚኸፍት እዩ። (1 ጴጥ. 2:12) ንኣብነት፡ ሓደ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ ጽቡቕ ጠባይ ስለ ዝነበሮ፡ መምህሩ ንወለዱ ጸዊዓ፡ “ከምዚ ቘልዓ እዚ ገይሩ ቕኑዕን ጌጋን ዚፈልጥ ካልእ ቈልዓ፡ ርእየ ኣይፈልጥን እየ” በለቶም። እወ፡ ኣገልግሎትናን ሰናይ ኣካይዳናን ንሰባት ናብ “ብርሃን ህይወት” ይስሕቦም፡ ንኣምላኽና ኸኣ ውዳሴ የምጽኣሉ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ