‘በቲ ርጡብ ፍልጠት እናዓቤኹም ኪዱ’
ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ኢዩ ዝመርሕ። (ዮሃ. 17:3) ብዛዕባ የሆዋ ዘሎና ርጡብ ፍልጠት ንኸነዕብዮ ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ኣሎና። (ቈሎ. 1:9, 10 ትሓዓ ) ካብ 29 ሚያዝያ ጀሚርና ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ከነጽንዓ ኢና። ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእ ከነዕቢ ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት ምእንቲ ክንምህረላ እውን ብዝበለጸ ክንዕጠቕ ኢና። ኣቐዲምኩም እንተድኣ ተዳሊኹም: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ድማ ንኣኼባ እንተድኣ መጺእኩምን ተሳቲፍኩምን ከምኡውን ነቲ ሓበሬታ ኣብ ኣገልግሎት እንተድኣ ተጠቒምኩምሉ ንስኻትኩምን ስድራቤትኩምን ክትባረኹ ኢኹም።