ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/96 ገጽ 1
  • ንእምነቶም ቅድሕዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንእምነቶም ቅድሕዎ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ኣብ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም እትኣምን ኣርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • “እምነት ወስኸና”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • እምነት—እተበርትዓና ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ብሓቂዶ ብወንጌል ትኣምን ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 6/96 ገጽ 1

ንእምነቶም ቅድሕዎ

1 ሃዋርያ ጳውሎስ እምነት “ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር: ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ” ከም ዝዀነት ገይሩ ገሊጽዋ ኣሎ። ወሲኹ ድማ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ” በለ። (እብ. 11:​1, 6) ጳውሎስ እምነት ከነርኢ: ብእኣ ክንመልእ: ከምኡውን ክንስዕባ ኣተባቢዑና ኢዩ።​—⁠2 ቈረ. 4:​13፣ ቈሎ. 2:7፣ 2 ጢሞ. 2:​22

2 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ተዋሂብሉ ዘሎ ብዙሕ ሓለፍ ዝበለ ናይ እምነት ኣብነታት ኣሎ። ጳውሎስ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ናይቶም ዘይትነቓነቕ እምነት ዘርኣዩ መሰኻኽር ነዊሕ ዝርዝር ይህብ። ኣብዚ ዝርዝር እዚ እቲ ብምኽንያት እምነቱ ንመጀመርታ ግዜ እተሰውአ ኣቤል ይርከብ። ኖህ እውን ኣብቲ ዝርዝር ኣሎ: ምኽንያቱ ብእምነቱ ገይሩ እቲ ንምድሓን ቤቱ ዘድሊ ዝነበረ ኣምላኻዊ ፍርሃት ኣርእዩ ኢዩ። ኣብርሃም ብእምነቱን ተኣዛዝነቱን ተናኢዱ ኢዩ። ሙሴ ነቲ ዘይርአ ከም ዝርእዮ ኰይኑ ብእምነት ጸኒዑ ስለ ዝቐጸለ ክብሪ ረኺቡ ኢዩ። እቲ ናይዞም ኣብነታት እዚኣቶም ዝርዝር ኣዝዩ ነዊሕ ስለ ዝዀነ ጳውሎስ ብዛዕባ ኵላቶም ከዘንቱ ግዜ ከም ዝሓጽሮ ተዛሪቡ ኢዩ። ነቲ ‘ቅዱስ ንብረቶምን ፍርሃት እግዚኣብሄርን [“ናይ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ተግባራቶምን:” ትሓዓ ]’ ደጊምና ብምርኣይ እምነትና ከነበርትዕ ስለ እንኽእል ክሳዕ ክንደይ መመስገንቲ ኰን ኢና!​—⁠2 ጴጥ. 3:​11

3 ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን: የሱስ “ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና: እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧” ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ነበረ። (ሉቃ. 18:⁠8) ሎሚኸ ናይ እምነት ህያዋን ኣብነታት ኣብ መንጎና ኣለዉዶ፧ ልክዕ ከምቶም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ዘይትነቓነቕ እምነት ዘርእዩ: ሰብኡትን ኣንስትን: ናእሽቱን ዓበይትን ንረክብዶ፧

4 ዘመናውያን ናይ እምነት ኣብነታት:⁠- ኣብ መንጎና ሓለፍ ዝበለ ናይ እምነት ኣብነታት ይርከቡ ኢዮም! ናይቶም ኣብ መንጎና መሪሕነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ እምነት ክቕዳሕ ዝግብኦ ኢዩ። (እብ. 13:⁠7) ይኹን እምበር: እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰኑን ናይ እምነት ኣብነት ዝዀኑና። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ዘሸግር ኵነታት ብምዃን እተዋህቦም ዕዮ ብዘይምቍራጽ እናፈጸሙ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ናይ ነዊሕ ግዜ ጸብጻብ ዘለዎም ምስተን ብዙሓት ጉባኤታት ዝሓበሩ እሙናት ሰባት ኣለዉ።

5 ነተን ንብዙሕ ዓመታት ካብ ተጻረርቲ ሰብኡተን ዝመጸን ምጽራር እተጸመማ እሙናት ኣሓትና ክንእደን ይግብኣና ኢዩ። ንጽል ዝዀኑ ወለዲ ነቲ በይንኻ ቘልዑ ናይ ምዕባይ ብድሆ ክጋጠምዎ ኣድልይዎም ኢዩ። ዝድግፍወን ስድራቤት እኳ እንተ ዘይብለን ካብ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ፈጺመን ዘየብኩራ ብዕድመ ዝደፍኣ መበለታት ድማ ኣብ መንጎና ኣለዋ። (ምስ ሉቃ. 2:​37 ኣረኣእዮ።) በቲ እቶም ናይ ሕዱር ሕማም ግድላት ዝጽመሙ ዘለዉ ሰባት ዘርእይዎ እምነት ንድነቕ ኢና። ሽሕ’ኳ ተወሳኺ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ከይወሃቦም ዝኽልክል ድሩት ዓቕምታት እንተለዎም ብዙሓት ብተኣማንነት ምግልጋል ቀጺሎም ኢዮም። ኣብ ቤት ወይ ቤት ትምህርቲ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞም ብትብዓት እምነቶም ዘርኣዩ መንእሰያት መሰኻኽር ኣለዉ። እዚ ዘይብሃል ግድላት እናኣጋጠሞም ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብዘይምሕላል እተዋህቦም ዕዮ ብዘይምቍራጽ ዝፍጽሙ ፓይነራት ክንርኢ ከሎና ኣምላኻዊ ተወፋይነትና እናበርትዐ ኢዩ ዝኸይድ። ልክዕ ከም ጳውሎስ: ንዅሉ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ናይታ መንግስቲ ዘጋጠመ ተመክሮታት ከምኡውን በዞም ኣሕዋትን ኣሓትን እዚኣቶም እተፈጸመ ናይ እምነት ተግባራት ከነዘንቱ እንተድኣ ፈቲንና ግዜ ክሓጽረና ኢዩ!

6 እዚ ናይዞም እሙናት ሰባት ኣብነታት ምጽንናዕን ምትብባዕን ይህበና ኢዩ። (1 ተሰ. 3:⁠7, 8) ንእምነቶም ምስ እንቐድሕ ሰናይ ንገብር ምኽንያቱ “እቶም ሓቂ ዚገብሩ [“እተዋህቦም ዕዮ ብዘይምቍራጽ ዝፍጽሙ:” ትሓዓ ] . . . [ንየሆዋ] የሐጕስዎ” ኢዮም።​—⁠ምሳ. 12:⁠22

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ