ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/97 ገጽ 1
  • ንየሱስ ብዘይ ምቍራጽ ስዓቦ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሱስ ብዘይ ምቍራጽ ስዓቦ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድሕሪ ሕጂ ንርእስና ኣይንነብርን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • 1,000 ሓገዝቲ ፓይነራት ይድለዩ ኣለዉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዓቅብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ በረኸት የሆዋ የምጽእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 5/97 ገጽ 1

ንየሱስ ብዘይ ምቍራጽ ስዓቦ

1 የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ [“ናይ ስቓይ ዕንጨይቱ ኣልዒሉ ብዘይ ምቍራጽ:” NW ] ይስዐበኒ” ብምባል ተዛረበ። (ማቴ. 16:⁠24) ንናይ የሱስ ቃላት ብግብሪ ክንምልሸሉ ኢና እንደሊ። ኣብዚ ዘቕርቦ ዘሎ ዕድመ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ እንታይ ከም ዘጠቓልል እምበኣር ንመርምሮ።

2 “ህይወቱ ቐቢጹ”:⁠- ህይወትና ንየሆዋ ክንውፊ ከለና: ገዛእ ርእስና ቀቢጽና ኢና። ናይታ “ምቕባጽ” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል መሰረታዊ ትርጕም “እምቢ ምባል” ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ናይ ገዛእ ርእስና ባህጊ: ድሌት: ምቾት: ከምኡውን ስሱዕ ባህታ​—⁠ንየሆዋ ንዘለኣለም ከነሐጕሶ ብምውሳን⁠—​ብፍታው ምሕዳግ ማለት ኢዩ።​—⁠ሮሜ 14:⁠8፣ 15:⁠3

3 “ናይ ስቓይ ዕንጨይቱ ኣልዒሉ”:⁠- ናይ ክርስትያን ህይወት: ነቲ ናብ የሆዋ ዝቐርብ መስዋእቲ ዝሓትት ኣገልግሎት ዘመልክት ዕንጨይቲ ስቓይ ናይ ምስካም ህይወት ኢዩ። ኣብ ኣገልግሎት ገዛእ ርእስኻ ምውፋይ: ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዝንጸባረቐሉ ሓደ መገዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ክሳብ ሕጂ: ኣዝዮም ብዙሓት ኣስፋሕቲ ነቲ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ዕዮ ተሓጒሶምሉ ኣለዉ። ምናልባት ንስኻውን ሓደ ካባታቶም እንተድኣ ኴንካ: ነቲ ዝኸፈልካዮ መስዋእትታት ልዕሊ ካሕሳ ዝዀነ በረኸት ከም ዝረኸብካ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ። እቶም ከም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ዘይክእሉ ኸኣ: ከም ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ መጠን ኣብቲ ዕዮ ስብከት ዝያዳ ግዜ ከሕልፉ ብተደጋጋሚ መዲቦም ኢዮም። ነዚ ሸቶ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው: ገለ ጉባኤታት ንናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታተን ካብቲ ቕድም ዝነበሮ ሒደት ደቓይቕ ኣቐድም ኣቢለን ንኽጅምራ መደባት የውጽኣ ኣለዋ። ገለ ኣስፋሕቲ ‘ሓንቲ ገዛ ጥራይ ወሲኸ’ ክዅሕኵሕ ወይ ድማ ‘ሒደት ደቓይቕ ወሲኸ’ ክዓዪ ብምባሎም እውን ኣዝዩ ጽቡቕ ውጽኢት ረኺቦም ኢዮም።

4 ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዝንጸባረቐሉ ካልእ መገዲ ድማ ብሕታዊ ሸቶታት ብምግባር ኢዩ። ጥንቃቐ ዝመልኦ ውጥን ብምግባርን መደባቶም ብምትዕርራይን: ገለ ኣስፋሕቲ ስርዓታውያን ፓይነራት ኰይኖም ኢዮም። ካልኦት ከኣ ንናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ወይ ድማ ንዕዮ ህንጻ ኣደራሽ መንግስቲ ገዛእ ርእሶም ምእንቲ ከቕርቡ ንጕዳያቶም መስርዕ ከትሕዝዎ ክኢሎም ኢዮም። ገሊኣቶም ድማ ናብቲ ዝያዳ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ዝድለይሉ ከባቢ ከይዶም ኢዮም።

5 “ብዘይ ምቍራጽ ይስዐበኒ”:⁠- ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዙሕ ፈተናታት እኳ እንተ ኣሕለፉ: በቲ የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮ ቅንእን ምጽማምን ተተባቢዖም ኢዮም። (ዮሃ. 4:⁠34) ምስኦም ብምህላዉ ከምኡውን በቲ መልእኽቱ መንፈሶም ይሕደስ ነበረ። እቶም ዝሰዓብዎ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዘንጸባረቑ ድማ በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ። (ማቴ. 11:⁠29) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ስብከት መንግስትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ጸኒዕና ንኽንቅጽል ኣብ ንሓድሕድና ንተባባዕ።

6 ነቲ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ብምዅስኳስ ነቲ የሱስ ብዘይ ምቍራጽ ንኽንስዕቦ ዘቕረበልና ዕድመ ብግብሪ ንምምላስ የኽእለና። ከምኡ እንተድኣ ገይርና: ሕጂ ብዙሕ ሓጐስ ይህልወና ንመጻኢ ድማ ካብዚ ዝዓበየ በረኸት ንኽንረክብ ብተስፋ ክንጽበ ንኽእል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ