ንየሱስ ብዘይ ምቍራጽ ስዓቦ
1 የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ [“ናይ ስቓይ ዕንጨይቱ ኣልዒሉ ብዘይ ምቍራጽ:” NW ] ይስዐበኒ” ብምባል ተዛረበ። (ማቴ. 16:24) ንናይ የሱስ ቃላት ብግብሪ ክንምልሸሉ ኢና እንደሊ። ኣብዚ ዘቕርቦ ዘሎ ዕድመ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ እንታይ ከም ዘጠቓልል እምበኣር ንመርምሮ።
2 “ህይወቱ ቐቢጹ”:- ህይወትና ንየሆዋ ክንውፊ ከለና: ገዛእ ርእስና ቀቢጽና ኢና። ናይታ “ምቕባጽ” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል መሰረታዊ ትርጕም “እምቢ ምባል” ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ናይ ገዛእ ርእስና ባህጊ: ድሌት: ምቾት: ከምኡውን ስሱዕ ባህታ—ንየሆዋ ንዘለኣለም ከነሐጕሶ ብምውሳን—ብፍታው ምሕዳግ ማለት ኢዩ።—ሮሜ 14:8፣ 15:3
3 “ናይ ስቓይ ዕንጨይቱ ኣልዒሉ”:- ናይ ክርስትያን ህይወት: ነቲ ናብ የሆዋ ዝቐርብ መስዋእቲ ዝሓትት ኣገልግሎት ዘመልክት ዕንጨይቲ ስቓይ ናይ ምስካም ህይወት ኢዩ። ኣብ ኣገልግሎት ገዛእ ርእስኻ ምውፋይ: ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዝንጸባረቐሉ ሓደ መገዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ክሳብ ሕጂ: ኣዝዮም ብዙሓት ኣስፋሕቲ ነቲ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ዕዮ ተሓጒሶምሉ ኣለዉ። ምናልባት ንስኻውን ሓደ ካባታቶም እንተድኣ ኴንካ: ነቲ ዝኸፈልካዮ መስዋእትታት ልዕሊ ካሕሳ ዝዀነ በረኸት ከም ዝረኸብካ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ። እቶም ከም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ዘይክእሉ ኸኣ: ከም ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ መጠን ኣብቲ ዕዮ ስብከት ዝያዳ ግዜ ከሕልፉ ብተደጋጋሚ መዲቦም ኢዮም። ነዚ ሸቶ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው: ገለ ጉባኤታት ንናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታተን ካብቲ ቕድም ዝነበሮ ሒደት ደቓይቕ ኣቐድም ኣቢለን ንኽጅምራ መደባት የውጽኣ ኣለዋ። ገለ ኣስፋሕቲ ‘ሓንቲ ገዛ ጥራይ ወሲኸ’ ክዅሕኵሕ ወይ ድማ ‘ሒደት ደቓይቕ ወሲኸ’ ክዓዪ ብምባሎም እውን ኣዝዩ ጽቡቕ ውጽኢት ረኺቦም ኢዮም።
4 ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዝንጸባረቐሉ ካልእ መገዲ ድማ ብሕታዊ ሸቶታት ብምግባር ኢዩ። ጥንቃቐ ዝመልኦ ውጥን ብምግባርን መደባቶም ብምትዕርራይን: ገለ ኣስፋሕቲ ስርዓታውያን ፓይነራት ኰይኖም ኢዮም። ካልኦት ከኣ ንናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ወይ ድማ ንዕዮ ህንጻ ኣደራሽ መንግስቲ ገዛእ ርእሶም ምእንቲ ከቕርቡ ንጕዳያቶም መስርዕ ከትሕዝዎ ክኢሎም ኢዮም። ገሊኣቶም ድማ ናብቲ ዝያዳ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ዝድለይሉ ከባቢ ከይዶም ኢዮም።
5 “ብዘይ ምቍራጽ ይስዐበኒ”:- ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዙሕ ፈተናታት እኳ እንተ ኣሕለፉ: በቲ የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮ ቅንእን ምጽማምን ተተባቢዖም ኢዮም። (ዮሃ. 4:34) ምስኦም ብምህላዉ ከምኡውን በቲ መልእኽቱ መንፈሶም ይሕደስ ነበረ። እቶም ዝሰዓብዎ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዘንጸባረቑ ድማ በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ። (ማቴ. 11:29) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ስብከት መንግስትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ጸኒዕና ንኽንቅጽል ኣብ ንሓድሕድና ንተባባዕ።
6 ነቲ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ብምዅስኳስ ነቲ የሱስ ብዘይ ምቍራጽ ንኽንስዕቦ ዘቕረበልና ዕድመ ብግብሪ ንምምላስ የኽእለና። ከምኡ እንተድኣ ገይርና: ሕጂ ብዙሕ ሓጐስ ይህልወና ንመጻኢ ድማ ካብዚ ዝዓበየ በረኸት ንኽንረክብ ብተስፋ ክንጽበ ንኽእል።