ተኣማንነት ዓስቢ ኣለዎ
1 ኣብ እብራውያን 11:6 ኣምላኽ ‘ነቶም ዝደልይዎ ዓስቢ ከም ዝህቦም’ ተነጊርና ኢና። ሓደ ካብቲ ነቶም ‘ብሒደት እሙናት’ ዝዀኑ ውፉያት ኣገልገልቱ ዓስቦም ዝህበሉ መገዲ: ኣብ ‘ብዙሕ ብምሻም ኢዩ።’ (ማቴ. 25:23) ብኻልእ ኣበሃህላ: መብዛሕትኡ ግዜ የሆዋ ነቶም እሙናት መሰኻኽሩ ተወሳኺ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ብምሃብ ነቲ ዝገብርዎ ህርኩት ዕዮ ዓስቢ ከም ዝረክብ ይገብር ኢዩ።
2 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ከተማታትን ኣቑሻትን ኣውሮጳ ከምኡውን ንእሽቶ እስያ ንኸገልግል ብምምዳቡ ተኣማንነቱ ዓስቢ ረኺቡ ኢዩ። (1 ጢሞ. 1:12) ኣገልግሎቱ ምሉእ ብምሉእ ንኽፍጽም ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓቶ እኳ እንተ ነበረ: ጳውሎስ ነቲ እተቐበሎ መሰል ዝለዓለ ግምት ኢዩ ነይርዎ። (ሮሜ 11:13፣ ቈሎ. 1:25) ስብከቱ ዝፍጽመሉ ኣጋጣሚታት ንምርካብ ብትግሃት ሃሰስ ብምባል ካብ ልቢ ዝነቐለ ሞሳ ከም ዝነበሮ ኣርእዩ ኢዩ። በቲ ቅንኢ ዝመልኦ ዕዮኡ እምነቱ ብግብሪ ከም ዘርኣየ ብንጹር ገሊጹ ኢዩ። እቲ ዝገደፎ ኣብነት ነቲ ዘሎና ናይ ኣገልግሎት መሰል ኣኽቢርና ክንርእዮ የለዓዕለና ኢዩ።
3 የሆዋ እንፍጽሞ ኣገልግሎት ሂቡና ኢዩ:- ከምቲ ጳውሎስ ዘርኣዮ ገይርና ነቲ ናይ ኣገልግሎት መሰልና ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ክንገልጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ተሳታፍነት እንውስኸሉ መገድታት ሃሰስ ንብል። ንእግረ-መገድና ይኹን ካብ ቤት ናብ ቤት ንምምስካር ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ንጥቀመላ። ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት ዘይተረኽቡ ንከታተሎም: ንዅሎም ተገደስቲ ሰባት ድማ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንገብረሎም። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ዝገበርናዮ ቈጸራታት ድማ ንሕሉ።
4 ጳውሎስ ንኣገልግሎትና ኣመልኪቱ ‘ብህጹጽ ክንሰብኮ’ ይምሕጸነና። (2 ጢሞ. 4:2 NW ) ህጹጽ ዝዀነ ነገር ቅልጡፍ ቈላሕታ ምግባር ዝሓትት ኢዩ። ኣብ ናብራና ቀዳምነት ብምሃብ: ኣገልግሎትና ብህጹጽ ኣገባብ ዲና እንፍጽም፧ ንኣብነት: እቲ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት እንገብሮ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትናን ካልእ ብሕታዊ ድልየታትናን ነቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክንውፍዮ ዘሎና ግዜ ክሻወሞ ከነፍቅደሉ ኣይንደልን ኢና። መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ዝያዳ እናቐረበ ይመጽእ ምህላዉ ስለ እንርዳእ: ንብስራት ናይታ መንግስቲ ምስባኽ እቲ ክንገብሮ እንኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ንርዳእ ኢና።
5 ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት: ሓቀኛታትን እሙናትን ብምዃን ኣብቲ ክንገብሮ ዝመዘዘና ዕዮ ድማ ብዘይ ምቍራጽ ብምስታፍ ኢዩ ዝርአ። የሆዋ ንተኣማንነትና ብዝዓበየ መገዲ ዓስቢ ከም ዝረክብ ምእንቲ ክገብሮ: ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ንፈጽም።