ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ ንጽዓር
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብመገዲ ኣምላኽ ኪመላለሱን ‘ኣዝዮም ብእኡ ኺስስኑን’ መዓዶም። (1 ተሰ. 4:1) እዚ እንታይ ክንገብር እዩ ዚሓተና፧ ወትሩ ‘ኣገልግሎትና ኽንምልእ’ ብምጽዓር መንፈሳዊ ንጥፈታትና ንኸነዛይድ ዚሕግዘና ኣጋጣሚታት ከነናዲ ይግብኣና።—2 ጢሞ. 4:5
2 ድራኸ:- ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ኣብቲ ንፈጣሪና መሊእና ንኸነገልግሎ ዘሎና ባህጊ እተመስረተ እዩ። ብመንፈሳዊ መዳይ ክንዓብን ኣገልግሎትና ኸነመሓይሸሉ እንኽእል መገድታት ከነናድን ንደሊ ኢና። ጽቡቕ ልማድን ቅኑዕ ድራኸን: ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ንኺህልወና ኺሕግዘና እዩ።—መዝ. 1:1, 2፣ ፊል. 4:6፣ እብ. 10:24, 25
3 ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ ኣብ እንጽዕረሉ እዋን መንፈስ ልግስን ርእስኻ ምስዋእን ከነማዕብል የድልየና። ነቲ የሱስ ዝገደፎ ጽቡቕ ኣብነት ብጸሎት ብምስትንታን ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ከነማዕብል ንኽእል ኢና። (ማቴ. 20:28) የሱስ ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ንኻልኦት ብምግልጋሉ ዓብዪ ሓጐስ እዩ ረኺቡ። (ግብ. 20:35) ኣብ ሰባት ብሕታዊ ተገዳስነት ብምርኣይን ንዝረኸብናዮ ኣጋጣሚታት ኣገልግሎትና ንምስፋሕ ንኽንጥቀመሉ ንቑሓት ብምዃንን ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና።—ኢሳ. 6:8
4 ግደ ወለዲ:- ንኻልኦት ናይ ምግልጋልን ኣገልግሎትካ ናይ ምስፋሕን ባህጊ ንቘልዑ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ከተስርጹሎም ትኽእሉ ኢኹም። መንእሰያት ነቲ ኣባላት ስድራቤቶም ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ ዜርእይዎ ትግሃትን ንጡፍ ተሳትፎን የስተብህልሉ እዮም። ሓደ ሓው: ንእሽቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ኣባሓጕኡ ዀይኑ ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ይካፈል ብምንባሩ ኣገልግሎቱ ንኼዕቢ ተለዓዓለ። ነቲ ኣባሓጕኡ ዝነበሮ ትግሃትን ሓጐስን ምርኣዩ ንኣሕዋቱ ዘገልግለሉ ኣጋጣሚታት ንኼናዲ ደረኾ። ንሱ ሕጂ ኣገልጋሊ ጉባኤ እዩ።
5 ኣድላይነት ኣሕዋት:- “ሓደ እኳ . . . እንተ ደለየ [“ተመጣጠረ:” NW] ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ።” (1 ጢሞ. 3:1) እዘን ቃላት እዚኣተን ንኣሕዋት ኣብ ውድብ የሆዋ ተወሳኺ መሰላት ኣገልግሎት ንምርካብ ብቑዓት ኪዀኑ ንኺመጣጠሩ እየን ዜተባብዓ። ከምዚ ንምግባር ፍሉይ ክእለት ወይ ተውህቦ ኺህልወካ ኣይሓትትን እዩ። ሓደ ዚመጣጠር ሓው ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ኪደልን ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ኪካፈልን ኣለዎ። (ማቴ. 6:33፣ 2 ጢሞ. 4:5) ንኻልኦት ጽቡቕ ኣብነት ኪኸውን እዩ ዚጽዕር።
6 ኣብ ብዘላ ዓለም:- የሆዋ ነቲ ናይ ምእካብ ዕዮ የቀላጥፎ እዩ ዘሎ። (ኢሳ. 60:22) ኵሎም እቶም ኣብነት የሱስ ዚስዕቡ: ኣብ ኣገልግሎቶም ብህጹጽ ዝያዳ ኺዓዩ የድልዮም። እቲ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ዓመት ኣገልግሎት 2006 ከም ዚሕብሮ: 248,327 ሰባት ተጠሚቖም እዮም። እዚ ኸኣ ብገምጋም 680 ሓደስቲ ሰባት ኣብ መዓልቲ ማለት እዩ። ሃየ እምበኣር: ኵልና ኣብ ኣገልግሎትና ብዝያዳ መሊእና ንኽንዓዩ ዚሕግዘና ኣጋጣሚታት ካብ ምንዳይ ዓዲ ኣይንውዓል።