ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ብ1987 ኢዩ ጀሚሩ። እዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ኣኼባ እዚ ንኣገልገልቲ የሆዋን ነቶም ኣብኡ ዝካፈሉ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባትን ሃናጺ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ። ካብ መስከረም 1998 ኣትሒዙ: ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ክቐርብ ኢዩ። ነቲ ትሽዓተ ዝርርባትን ሓያሎ ቃለ-መጠይቓትን ተመክሮታትን ብመንፈሳዊ መገዲ ጠቓሚ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ።
ቀንዲ ኣርእስቲ ናይቲ ሓድሽ ፕሮግራም “ንመኣዲ የሆዋ ሞሳ ኣርእዩ” ዝብል ኢዩ። (ኢሳ. 65:14፣ 1 ቈረ. 10:21) እዚ ሓድሽ ፕሮግራም እዚ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ኣብ ናብራና ቀዳማይ ቦታ ክንህቦ ንዝገበርናዮ ውሳነ ከሐይለልና ኢዩ። (መዝ. 27:4) እቲ “ንድራኸታት ልብና ምምርማር” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ብናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዝወሃብ ዝርርብ ብዛዕባ ኣብ ኣኼባታት ንምክፋል ዘሎና ኣረኣእያ ሓሳባት ከቕርብ ኢዩ። እቲ ብበጻሒ ተዛራቢ “ኣብ መኣዲ የሆዋ ብምምጋብ መንፈሳውነትካ ዓቅብ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ እዚ ብኸመይ ከም ዝከኣል ከርእየና ኢዩ። እቶም ኣብ ማሕበር የሆዋ ዘለዉ መንእሰያት እውን ኣብቲ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝገበርዎ ውሳነ ጽኑዓት ኰይኖም ንኽቕጽሉ ተግባራዊ ምትብባዕ ክዋሃቦም ኢዩ። እቲ ብበጻሒ ተዛራቢ ዝዋሃብ ቀንዲ ዝርርብ “ተባዕ ምስክርነት ንምሃብ ብመንፈሳዊ መገዲ እተዓጥቁ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኢዩ: እቲ ብጉባኤ ኣቢሉ ዝግበር ምድላዋት ብዛዕባ እታ መንግስቲ ብትብዓት ንምምስካር ብኸመይ ከም ዘዕጥቐና ድማ ከርኢ ኢዩ። ካብዚ ፕሮግራም እዚ ክጥቀም ዘይደሊ መን ኣሎ፧
እቶም ክጥመቑ ዝደልዩ ህይወቶም ዝወፈዩ ሓደስቲ ሰባት ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ነቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ከፍልጥዎ ኣለዎም። ነቲ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ምድላው መበል 12 ዓመት ክንጅምሮ ኸሎና: ኣብኡ ዝካፈል ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝጽበዮ ዘሎ ዕዮ ንምፍጻም ብመንፈሳዊ መገዲ ክለዓዓል ምዃኑ ንተኣማመን ኢና።