ክመጹ ዓድምዎም
1 ቅድሚ ብዙሕ ዘበናት ቀሪቡ ዝነበረ ዕድመ ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ 233 ሃገራት ይቃላሕ ኣሎ:- “ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር: . . . ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና: ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና።” (ኢሳ. 2:3) ሓደ ካብቲ ንሰባት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ መንፈሳዊ ዕቤት ክገብሩ ዝሕግዞም ዝበለጸ መገዲ ናብ ማሕበር የሆዋ ምምርሖም ኢዩ።
2 ገለ ኣስፋሕቲ: ሓደስቲ ሰባት ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምግባር ጽቡቕ ዕቤት ክሳዕ ዝገብሩ ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ኣኼባ ክካፈሉ ክዕድምዎም ይወላወሉ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጅማሮም እውን ከይተረፈ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክካፈሉ ይኽእሉ ኢዮም። ናብ ኣኼባታት ክመጹ ምዉቕ ዕድመ ካብ ምግባርን ምትብባዕን ክንድንጒ የብልናን።
3 እንታይ ከም እትገብር:- ብዛዕባ እቲ እንገብሮ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኻልኦት ምእንቲ ክትሕብሮም ነቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ብግቡእ ተጠቐመሉ። እቲ ኣኼባታት ብናጻ ምዃኑን ምእካብ ገንዘብ ከም ዘየለን ንገሮም። እቲ ኣኼባታት ብኸመይ ከም ዝምራሕ ግለጽ። ብሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ እትማሃረሉ ቦታ ምዃኑ: ኵሉ ሰብ ክከታተል ምእንቲ ክኽእል ከኣ እቲ ዝጽናዕ ጽሑፍ ከም ዝወሃብ ሓብሮ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝእከቡ ኣተዓባብያኦምን ኣነባብራ ህይወቶምን እተፈላለየ ምዃኑ ጥቐሰሉ። እቶም ተኣከብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ምዃኖምን እተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ቈልዑ እውን ክመጹ ከም ዝኽእሉን ንገሮ። ነቶም ጽንዓት እንገብረሎም ኣብ ኣኼባታት ክካፈሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ክንዕድሞም ይግባእ: ንኽካፈሉ ዘድልዮም ሓገዝ ከኣ ንግበረሎም።
4 ሓደ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ኣብቲ የሆዋ ዝገበሮ ናይ ህይወት ምድላው ክንካፈል ዝቐረበ ምዉቕ ዕድመ ኢዩ:- “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፤ ንዓ: ይብሉ ኣለዉ። . . . ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ: ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።” (ራእ. 22:17) ካልኦት ኣብ ኣኼባታትና ንኽመጹ ምዕዳሞም ብኻልእ ክትካእ ኣይክእልን ኢዩ።
5 ኢሳይያስ 60:8 ብትንቢታዊ መገዲ ነቶም ሕጂ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ናብ ጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ ዝመጹ ዘለዉ ንኣምላኽ ዝውድሱ ሓደስቲ ሰባት “ከም ደበናን ከም ናብ ኣባይተን ዚነፍራ ረገቢትን” ኰይኖም ከም ዝመጹ ገይራ ገሊጻቶም ኣላ። ኵላትና ሓደስቲ ሰባት ኣብ ኣኼባታትና ክመጹ ክንዕድሞምን ጽቡቕ ገይርና ክንቅበሎምን ንኽእል ኢና። ከምዚ ብምግባር የሆዋ ነቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ከቀላጥፎ ከሎ ምስኡ ንተሓባበር።—ኢሳ. 60:22