ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/99 ገጽ 1
  • ካልኦት ንኽጥቀሙ ምሃሮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካልኦት ንኽጥቀሙ ምሃሮም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትጥቀምዶ ኣሎኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ
    ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ
  • ሕጕስቲ ስድራቤት ንምህናጽ መፍትሕ ኣለዎዶ ኢዩ፧
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ኣብ ቤትካ በምልኾ ተመላለስ
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
km 5/99 ገጽ 1

ካልኦት ንኽጥቀሙ ምሃሮም

1 የሆዋ ኵሎም ሰባት ክጥቀሙ ኢዩ ዝደሊ። (ኢሳ. 48:⁠17) ሓቀኛ ሓጐስ ዘምጽኣልና እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። እቲ ቐንዲ ባህጉ ሰባት ትእዛዛቱ ብምሕላው ካብ ጥፍኣት ክድሕኑን ሕጕስ ናብራ ክነብሩን ኢዩ። ንናብራና ብመገዲ ኣምላኽ ብምምራሕና ዓቢ ጥቕሚ ኢና እንረክብ ዘሎና። (መዝ. 34:⁠8) ካልኦት ከምዚ ንኽገብሩ ብኸመይ ክንምህሮም ንኽእል፧

2 ሰባት እንታይ ኢዮም ዝደልዩ፧ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባት ዘገድሶም ነገር እንታይ ኢዩ፧ ብዛዕባ ድሕንነት ቤቶም: ምድልዳል ሓዳሮም: ናይ ደቆም መጻእን ካልእ ተመሳሳሊ ነገራትንዶ ኸይኰነ ዘገድሶም፧ ጸገማት ከጋጥሞም ከሎ ሓገዝ ካበይ ኢዮም ዘናድዩ፧ ኣብ ገዛእ ርእሶም: ንገዛእ ርእስኻ ባዕልኻ ንኽትሕግዝ ተባሂሉ ኣብ እተዳለወ ፕሮግራማት: ወይ ኣብ ናይ ካልኦት መምርሒ ይውከሉ ይዀኑ። ብዙሓት ሰባት እቲ ክጠቕሞም ተባሂሉ ዝዋሃቦም ሓሳባት ንሓድሕዱ ዘይቃዶን ተግባራዊ ዘይኰነን ብምዃኑ ኣብ ጥራሕ ጐልጎል ተሪፎም ኢዮም። ቃል ኣምላኽ ዝህበና መምርሒ ኣዝዩ ዝበለጸ ከም ዝዀነ ከነእምኖም ኣሎና። (መዝ. 119:⁠98) መጽሓፍ ቅዱስ እንተድኣ ኣጽኒዖም: ነቲ ዝብሎ ኸኣ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ እንተድኣ ጽዒሮም ናብራ ህይወቶም ከማሓይሹ ከም ዝኽእሉ ብምሕባር ቃል ኣምላኽ ዝህበና መምርሒ ኣዝዩ ዝበለጸ ምዃኑ ከነእምኖም ንኽእል ኢና።​—⁠2 ጢሞ. 3:⁠16, 17

3 እተመሓየሸ ናብራ ስድራቤት:- እቲ ኣብ ኤፌሶን 5:⁠22–​6:⁠4 ዘሎ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ: ኣብ ስድራቤት ንዘጋጥም ሽግር ንምፍታሕ ኣጸቢቑ ከም ዝጠቅም ዘስተውዕሉ ሰባት ውሑዳት ኢዮም። ነዚ ጥቕሲ እዚ ዘየስተውዕልሉ ዝነበሩ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ዓሰርተ ዓመት ብሓባር ድሕሪ ምጽንሖም ክፋትሑ ወሰኑ። እንተዀነ ግን: እታ ሰበይቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመረት: ንሓዳር ዝምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ተማህረት። ሰብኣያ ነቲ ሰበይቱ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓላ እትገብሮ ዝነበረት ለውጢ ኣስተውዓለ እሞ ምስኣ ሓቢሩ ጽንዓት ክገብር ጀመረ። ድሕርዚ “ሕጂ ናይ ሓቂ ሕጕስ ናብራ ስድራቤት ንኽህልወና ዘኽእል መሰረት ረኺብና ኢና” በለ።

4 ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ዕላማ ምህላው:- ሓደ ወልፊ ሓሽሽ ዝነበሮ መንእሰይ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸዘራርብዎ ምስ ሓተተ: የሆዋ ብውልቀ-​ሰብ ደረጃ ከም ዝግደሰሉ ተማህረ። ከምዚ ድማ በለ:- ‘ፈጣሪ ንወድሰብ ሓደ ዕላማ ከም ዘለዎ: ነቶም ስምረቱ ዝረኸቡ ሰባት ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣዳልዩሎም ከም ዘሎ ፈለጥኩ። ነዚ ምስ ተረዳእኩ ኣዝየ ተሓጐስኩ። ሎሚ ጽቡቕ ጥዕና: ናይ ኣእምሮ ሰላም: ከምኡውን ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ዝምድና ኣሎኒ።’

5 ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ተግባራዊ ሓገዝ ክጥቀም ዘይክእል ዋላ ሓደ የለን። ንቓል ኣምላኽ መምርሒና ብምግባር: መገዲ የሆዋ ካብ ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መገድታት ዝበለጸ ምዃኑ ነረጋግጽ። (መዝ. 116:⁠12) ነዚ መልእኽቲ እዚ ንኻልኦት ከነብጽሓሎምን ካብኡ ምእንቲ ክጥቀሙ ክንምህሮምን መሰልና ኢዩ። ከምዚ ክንገብር ከሎና ብዙሕ ጽቡቕ ፍረ ክንርኢ ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ