ትጥቀምዶ ኣሎኻ፧
1 ሎሚ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ንዘጋጥሞም ጸገማት ብኸመይ ከም ዝሰግሩዎን ዘሐጕስ ህይወት ብኸመይ ከም ዝነብሩን ክፈልጡ ይደልዩ ኢዮም። ንምኽሪ ተባሂሉ ዝዳሎ መጻሕፍቲ ብሃንቀውታ የንብቡ ወይ ድማ ህይወቶም ንኸማሓይሹ ዝሕግዝ ምኽሪ ዝህቡ ጕጅለታት ወይ ማሕበራት የናድዩ። ምናልባት ገሊኣቶም እተወሰነ ዝረኸብዎ ረብሓታት ይጠቕሱ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ነዚ ሎሚ ዘሎ ኣነባብራ ብምርኣይ: ሰባት ብሓፈሻኡ ብናይ ደቅሰብ ፕሮግራማትን መምርሒታትን ተጠቒሞም ሰላማውን ዓሚቝ ዕግበትን ዘለዎ ናብራ ከስተማቕሩ ክኢሎምዶ ኢዮም፧ ፈጺሞም ኣይከኣሉን!—1 ቈረ. 3:18-20
2 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ፈጣሪና ንዅሎም ዝሰምዕዎ ሰባት እቲ ዝበለጸ ዓይነት መምርሒ ብናጻ ይህብ ኢዩ። የሆዋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ትምህርቱ ክጥቀም ኢዩ ዝደሊ። ደቅሰብ ብቕኑዕ መገዲ ምእንቲ ክምርሑ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ብልግሲ ሂቡና ኢዩ: ብዛዕባ እታ መንግስቱ ኣብ ብዘላ ዓለም ብስራት ከም ዝስበኽ ከኣ ገይሩ ኢዩ። (መዝ. 19:7, 8፣ ማቴ. 24:14፣ 2 ጢሞ. 3:16) ናይ ሓቂ ዘሐጕስ ህይወት ብቐጥታ ንትእዛዛት የሆዋ ኣቓልቦ ምስ ምግባር ኢዩ ዝተሓሓዝ።—ኢሳ. 48:17, 18
3 የሆዋ ዝህቦ መምርሒ ካብቲ ዓለም እተቕርቦ ንምኽሪ ተባሂሉ ዝዳሎ መጻሕፍቲ ከምኡውን ገዛእ ርእስኻ ንኸተማሓይሽ ተባሂሉ ዝወጽእ መደባት ኣጸቢቑ ዝሓይሽ ኢዩ። ነቲ የሆዋ ቃሉ ብምግላጽን ብማሕበሩ ገይሩ ብምምሃርን ዝገበረልና ምድላዋት ምሉእ ብምሉእ ንጥቀመሉ እንተድኣ ዄንና ናይ ሓቂ ሓገዝን ነባሪ ረብሓታትን ክንረክብ ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 3:10-12
4 ካብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ተጠቐም:- ሎሚ የሆዋ መገድታቱ ንዓና ኣብ ምምሃር ብሓቂ ይግደስ ኢዩ: ንሕና ድማ ነቲ መምርሒታቱ እንተ ኣቕሊብናሉ ንጥቀም ኢና። እቲ ሰሙናዊ ሓሙሽተ ኣኼባታትና የሆዋ ፍቕራዊ ሓልዮት ከም ዝገብረልና ዘርኢ ኢዩ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክንካፈል ከሎና ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠት ይውስኽ። ናብ የሆዋ ብምቕራብ ካብ ክፉእ ብኸመይ ርእስና ክንከላኸል ከም እንኽእል ንማሃር። በዚ ኸምዚ ድማ መንፈስና ይነቓቓሕ።
5 ካብዚ ንላዕሊ እውን ኣሎ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ‘ልብና ከነግፍሕ’ ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 6:13) እዚ ድማ ናብ ጉባኤ ንዝመጹ ካልኦት ሰባት ምፍላጦም ዘጠቓልል ኢዩ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ዝገለጾ: ንሓድሕድና ብምትብባዕ ንጥቀም ኢና። (ሮሜ 1:11, 12) ንእብራውያን ክጽሕፈሎም ከሎ ነቶም ክርስትያናዊ ኣኼባ ናይ ምሕዳግ ልማድ ዝነበሮም ኣትሪሩ መዓዶም።—እብ. 10:24, 25
6 ዕግበት ዝመልኦ ናብራን ብናይ ካልኦት ድሕንነት ምግዳስን እተተሓሓዘ ኢዩ። ንናይ ካልኦት ሓጐስ ኣበርክቶ ዝገብር መገድታት ንኸነናዲ ንተባባዕ ኢና። ስለዚ: ክርስትያናዊ ኣኼባታት እነካይድ ንጥቕምናን ንጥቕሚ እቶም ምሳና ጥዑይ ሕውነት ዝዅስኵሱን ኢዩ። ካባና ዝድለ ነገር እንተልዩ ልባዊ ተሳትፎ ምግባር ኢዩ።
7 ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ክምዕዶ ከሎ ተመሳሳሊ ነጥቢ ጠቒሱ ኢዩ:- “ንርእስኻ . . . ኣምልኾ ኣልምዳ።” (1 ጢሞ. 4:7) ንገዛእ ርእስና ከምዚ ኢልና ክንሓታ ንኽእል ኢና:- ‘ንርእሰይ አሰልጥንዶ ኣለኹ፧ ካብቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዝሰምዖ እጥቀምዶ ኣለኹ፧’ ነቲ ኣብ ኣኼባታት እንሰምዖ እንተድኣ ኣቕሊብናሉን ነቲ እተማሃርናዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንተድኣ ጽዒርናን መልስና እወ ክኸውን ኢዩ። ብናይ እምነት ኣዒንትና ክንየው እቶም ዝምህሩና ኣሕዋት ብምጥማት ንየሆዋ ከም ዓቢ መምህር ህዝቡ ገይርና ክንርእዮ ክንክእል ኣሎና።—ኢሳ. 30:20
8 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን:- እዚ ክልተ ኣኼባታት እዚ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣስለጥቲ ንኽንከውን ክሕግዘና ተባሂሉ ኢዩ ተዳልዩ። ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እቶም ተማሃሮ ብቐጻሊ መምርሕን ምኽርን ንኽቕበሉ ተባሂሉ እተዳለወ ቤት ትምህርቲ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝርርብ እተቕርብን መምህር ቃል ኣምላኽን ከም ምዃንካ መጠን እትገብሮ ምምሕያሽ ንኸተርኢ ዘኽእል ኣጋጣሚ ኣሎካ። እንተዀነ ግን ካብቲ ቤት ትምህርቲ ብዙሕ ጥቕሚ ክትረክብ እንተ ደሊኻ: ክትምዝገብ: ኣብኡ ክትካፈል: ስርዓታዊ ኴንካ ክትሳተፍ: ከምኡውን ክፍሊ ክወሃበካ ኸሎ ልባዊ ምድላው ክትገብር ኣሎካ። ነቲ ዝወሃበካ ምኽሪ ምቕባልካን ኣብ ግብሪ ምውዓልካን ንኽትመሓየሽ ክሕግዘካ ኢዩ።
9 ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣድላዪ ምዃኑ ይምህረና: ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ብኸመይ ክንካፈል ከም እንኽእል ከኣ የርእየና። ንስኻን ስድራቤትካን ካብዚ ኣብዘን ክልተ ኣኼባታት ዝቐርብ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ትጥቀሙዶ ኣለኹም፧ ክርስትያን ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ ብምባል ይገልጹ:- “ኣብ ሓደ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ: ዕለታዊ ጥቕሲ ብስድራቤት መልክዕ ክንመያየጠሉ ከም ዘሎና ሰማዕና። ቅድሚኡ ከምዚ ኣይንገብርን ኢና ነይርና: ሕጂ ግን ንገብር ኣሎና።” ብኸመይ ኢዮም እተጠቕሙ፧ ከምዚ ብምባል ይእመኑ:- “ኣብ መኣዲ እነዕልሎ ዕላል ብዝያዳ ዘሐጕስ ኰይኑ ረኺብናዮ። ኣብ ግዜ ድራር ዝነበረ መጎተ እውን ጠፊኡ ኢዩ።” ንኣሽቱ ቘልዑ እውን ከይተረፉ ካብቲ ኣኼባታት ይጥቀሙዶ ኢዮም፧ እወ። እታ ኣደ ከምዚ ብምባል ሓሳብ ትህብ:- “ደቅና በቲ ኣኼባታት ኣጸቢቖም ከም እተተንከፉ ርኡይ ኢዩ። ሓደ ሰሙን ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ወድና ክሕሱ ከሎ ረኸብናዮ። እንተዀነ ግን ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኣብ ኣኼባ ዝቐረበ ሃናጺ ዝርርብ ብዛዕባ ሓሶት ኢዩ ነይሩ። ወድና ኣብ ገጹ ናይ በደል ስምዒት እናንጸባረቐ ናብ ኣቦኡ ጠመተ እሞ ኣብታ ዘለዋ ተዓምጺጹ ኮፍ በለ። ትምህርቲ ወሰደ: ብድሕሪኡ ድማ ጸገም ፈጢሩ ኣይፈልጥን።”
10 ሓንቲ ፓይነር ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ: ኣገልግሎትና ንኸነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓሳባት ዝወሃበና ብምዃኑ ከም ዘሐጕሳ ገለጸት። ስለምንታይ፧ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ኵሉ ሳዕ ሓደ ዓይነት ኣቀራርባ ኢዩ ነይሩኒ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወሃብ ሓሳባት ዝዓዪ ኰይኑ ኣይስምዓንን። እንተዀነ ግን: ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባና ክንፍትኖ ከም ዘሎና ምስ ተነግረና: ነቲ ዝቐርብ ሓሳባት ንኽጥቀመሉ ተነቓቓሕኩ። ኣገልግሎተይ ድማ ዘሐጕስ ኰነለይ!” ኣብቲ ናይ ፈለማ ምብጻሕ ንሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጅምረሎም ኢልካ ክትፍትን እተዋህበ ሓሳባት ንገለ ሰሙናት ምስ ዓየየትሉ: ንሓንቲ ሓገዝ ክወሃባ እትጽሊ ዝነበረት ጓል ኣብ መጀመርታ ምብጻሕ ጽንዓት ጀመረትላ።
11 ብዛዕባ ብሕታዊ ምርጫታትካ ዝምልከት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ዝሓዘ ዝርርብ ክትሰምዕ ከሎኻ: የሆዋ ብቐጥታ ይዛረበካ ከም ዘሎዶ ይስምዓካ፧ ሓደ ሓው ከምኡ ኢዩ ተሰሚዕዎ። ከምዚ ድማ በለ:- “ቅድሚ ቐረባ እዋን ኣብ እተገብረ ኣኼባ ሓደ ሓው ንክርስትያናት እንታይ ዓይነት መዘናግዒታት ግቡእ ከም ዝዀነ: እንታይ ዓይነት ድማ ግቡእ ከም ዘይኰነ ገለጸ። ኣብ ተሌቪዥን መኸተ ጕስጢ ምርኣይ እፈቱ ነበርኩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ እቲ ግን: እዚ ዓይነት ስፖርት ምስቲ ንክርስትያናት ዘይግባእ ዓይነት መዘናግዒ ክምደብ ከም ዘለዎ ተሰምዓኒ። ካብኡ ንነጀው መኸተ ጕስጢ ምርኣይ ኣቋረጽኩ።” እወ: እዚ ሓው እዚ ዓመጽ ዘለዎ መዘናግዒ ዝፈቱ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒ ግን ብትሕትና ተቐበሎ።—መዝ. 11:5
12 ህዝባዊ ዝርርብ: ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ: ከምኡውን ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ:- እቲ ኣብ ሰሰሙን እንሰምዖ ህዝባዊ ዝርርባት እተፈላለየ ኣርእስትታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ኢዩ። ካብዚ ዝርርባት እዚ እንታይ ጥቕሚ ትረክብ ኣሎኻ፧ ሓደ ክርስትያን ብዓል እንዳ ብዛዕባ እቲ ዝረኸቦ ረብሓታት ከምዚ ብምባል ሓሳቡ ሃበ:- “ሓደ ህዝባዊ ዝርርብ ንዅሉ ፍረ መንፈስ ዘጕልሕ ነበረ። እቲ ተዛራባይ ፍረ መንፈስ ምእንቲ ክዅስኵስ: ንሓንቲ ካባታተን መሪጹ ንሰሙን ከም ዝዓየላ ገለጸ። ኣብ መወዳእታ ሰሙን ነታ ዝመረጻ ፍረ መንፈስ ኣብ ኵሉ ንጥፈታቱ ብኸመይ ከም ዘንጸባረቓ የስተንትን። ድሕርዚ ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ካልእ ፍረ መንፈስ መሪጹ ይዓየላ። እዚ ሓሳባት እዚ ባህ ኣበለኒ እሞ ኣነ እውን ከምኡ ክገብር ጀመርኩ።” እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ነቲ ዝሰማዕካዮ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ!
13 ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ እተፈላለየ ኵነታት ህይወት ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ይምህረና ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ህይወትና ዘጨንቕ ነገራት እኳ እንተ ኣጋጠመና: ህዱእ ኣእምሮን ልብን ንኽንሕዝ ይሕግዘና። ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ምስቲ እናበርሀ ዝኸይድ ሓቂ ንኽንስጕም እውን የኽእለና ኢዩ። ንኣብነት: ካብቲ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ:” “እቲ ዜንብብ የስተውዕል:” ከምኡውን “ንቑሕን ትጉህን ኩን!” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዓንቀጻት ኣይተጠቐምናንዶ ኢና፧ እዚ ትምህርትታት እዚ ብብሕትኻ ብኸመይ ተንኪፉካ፧ የሱስ ብዛዕባ መጻኢ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኣርዚንካ ከም እትርእዮ ብተግባራትካ ተርኢዶ ኢኻ፧ ነቲ ኣብ መጻኢ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ” ኣብ እንርእየሉ እዋን ዝህሉ ፈተና ትዳሎዶ ኣሎኻ፧ (ማቴ. 24:15-22) ሸቶታትካን ኣነባብራኻን: ልዕሊ ዅሉ ዘገድሰካ ነገር ስጋዊ ጥሪት ምድላብ ዘይኰነስ ስም የሆዋ ምቕዳስ ምዃኑ የርኢዶ ኢዩ፧ ኣብ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ርእስና ንኽንጠቅም ደይኰናን እንማሃር ዘሎና፧ ካብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዝግበር ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ እውን ክሳዕ ክንደይ ከም እንማሃር እሞ ሕስብ ኣብሎ።
14 የሆዋ ተሓጒስና ንኽንነብር ኢዩ ዝምህረና:- ንትእዛዛት ኣምላኽ ምስ እነቕልበሉ ብዙሕ ዘጕሂ ነገራት ነርሕቕ ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ: ሕጉስ ናብራ ከመይ ምዃኑ ነስተማቕር። ንመምርሒ የሆዋ ብምስዓብ: ኣብ ዕዮኡ ተዓዘብቲ ጥራይ ዘይኰነስ ተሳተፍቲ እውን ንኸውን። እቶም ዕዮ ኣምላኽ ዝገብሩ ድማ ሕጕሳት ህዝቢ ኢዮም።—1 ቈረ. 3:9፣ ያእ. 1:25
15 ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ነቲ እትሰምዖ ነገር ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም እተውዕሎ ሕሰብ። (ዮሃ. 13:17) ብውዕዉዕ መንፈስን ብምሉእ ልብኻን ንኣምላኽ ኣገልግል። ሽዑ ሓጐስካ ክጅርብብ ኢዩ። ህይወትካ ክመሓየሽን ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ክኸውንን ኢዩ። እወ: ክትጥቀም ኢኻ።