ኢዘሀራዊ እንተ ትረክብ እንታይ ምበልካዮ፧
1 ሓንቲ ፖላንዳዊት ፕሮፌሰር ንሓንቲ ኣብ ኣፍሪቃ ሚስዮናዊት ኰይና እተገልግል ሓብቲ “ኣነ ኢዘሀራዊት ኢየ” በለታ። እንተዀነ ግን: እታ ሓብቲ ምስታ ሰበይቲ ተመያየጠት: ነታ ህይወት—ብኸመይ ኢያ መጺኣ፧ ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት፧ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከኣ ሃበታ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን እታ ሓብቲ ክትበጽሓ ምስ ከደት እታ ፕሮፌሰር “ደጊም ኢዘሀራዊት ኣይኰንኩን!” በለታ። ንብምልእታ መጽሓፍ ፍጥረት ኣንበበታ እሞ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረላ ሓተተት። ነቶም ኣብ ኣምላኽ ኣይንኣምንን ኢና ዝብሉ ሰባት ምስክርነት ኣብ ምሃብ ንኽትዕወት እንታይ ክትገብር ምኸኣልካ፧ ፈለማ: ሰባት ከምዚ ዝብል ኣረኣእያ ከም ዝሕዙ ዝገበሮም እተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ግምት ኣእቱ።
2 ንዘይምእማን ኣበርክቶ ዝገብሩ ረቛሒታት:- ኵሎም ኢዘሀራውያን ኣብ ህላወ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ኰይኖም ኢዮም ዓብዮም ማለት ኣይኰነን። መብዛሕትኦም ሓደ ሃይማኖት ይስዕቡ ነይሮም ኢዮም፣ ኣብ ሓደ እዋን እውን ኣብ ኣምላኽ ይኣምኑ ነይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: ከቢድ ናይ ጥዕና ወይ ናይ ስድራቤት ጸገማት ወይ ከኣ ገለ ምጕዳል ፍትሒ ስለ ዘጋጠሞም እምነቶም ደኸመት። ገሊኦም ድማ እቲ ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ዝወሰድዎ ዓይነት ትምህርትታት ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮም ኣረኣእያ ኣሉታዊ ጽልዋ ገይርሉ ኢዩ። ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ቀደም ኢዘሀራውያን ዝነበሩ ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ድልዱል እምነት ዘጥረዩን መሰኻኽሩ ዝዀኑን ኣብነታት ኣስተብህለሎም።
3 ሓንቲ ኣብ ፓሪስ እትነብር ሰበይቲ ካብ እትውለድ ኣትሒዛ ኣዕጽምቲ ዘማስን ሕማም ነበራ። ካቶሊክ ተባሂላ እኳ እንተ ተጠምቀት: ንሳ ግን ኢዘሀራዊት ምዃና ገለጸት። ኣምላኽ ስለምንታይ ስንክልቲ ኰይና ክትውለድ ከም ዘፍቀደ ንደናግል ምስ ሓተተተን “ስለ ዘፍቅረኪ ኢዩ” ኢለን መለሳላ። ነዚ ትርጕም ዘይብሉ መልሲ ኣይተቐበለቶን። ብዛዕባ ሓደ ሕክምናዊ መርመራ ምስ ገበረ ክሓዊ ዘይክእል ናይ ጭዋዳ ሕማም ከም ዘለዎ እተነግሮን ብድሕሪኡ ብብሽግለታ ስንኩላን ጥራይ ዝንቀሳቐስን ኣብ ፊንላንድ ዝነብር መንእሰይ እውን እሞ ሕስብ ኣብል። ኣዲኡ ናብ ሓደ ሕሙማት የሕዊ ኢየ ዝብል ኣማኒ ጴንጠቈስጠ ወሰደቶ። እንተዀነ ግን: ብተኣምራታዊ መገዲ ኣየሕወዮን። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እቲ መንእሰይ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ተገዳስነት ኣጥፍአ: ኢዘሀራዊ ድማ ኰነ።
4 ሓደ ኣብ ሆንዱራስ ዝነብር ሰብኣይ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ኰይኑ ዓበየ: እንተዀነ ግን ናይ ሶሻሊስት ፍልስፍናን ኢዘሀርነትን ኣጽንዐ። በቲ ደቅሰብ ብፍልቀት ኢዮም መጺኦም ዝብል ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ስለ ዝኣመነ: ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምን ኰነ። ብተመሳሳሊ: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር ሰበይቲ ሰዓቢት እምነት ሜቶዲስት ኰይና ዓበየት። ኣብ ኮለጅ: ናይ ስነ-ኣእምሮ ትምህርቲ ተማህረት። እዚ ንእምነታ ብኸመይ ጸለዎ፧ ባዕላ ክትገልጽ ከላ “ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ክረምቲ ኵሉ እቲ ኣብ ሃይማኖት ዝነበረኒ እምነት ተደምሰሰ” በለት።
5 ንኣልባብ ናይቶም ቅኑዓት ሰባት ምትንካፍ:- ብዙሓት ኣብ ኣምላኽ ኣይንኣምንን ኢና ዝብሉ ውልቀ-ሰባት ንጕድለት ጥዕና: ናይ ስድራቤት ዘይምቅዳው: ምጕዳል ፍትሕን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራትን መፍትሒ እንተ ኣለዎ ዀይኑ ክፈልጡ ይደልዩ ኢዮም። መልሲ ናይ ከምዚ ዝስዕቡ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ምርካብ ብሓቂ የገድሶም ኢዩ:- ‘እከይ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ‘ጽቡቕ ንዝገብሩ ሰባት ክፉእ ነገራት ዘጋጥሞም ስለምንታይ ኢዩ፧’ ከምኡውን ‘ናይ ህይወት ትርጕም እንታይ ኢዩ፧’
6 ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን: ኢዘሀራውያን ኰይኖም ዓበዩ። መጀመርታ ሓቂ ምስ ተነግሮም ኣሉታዊ መልሲ ሃቡ። እንተዀነ ግን: ከቢድ ናይ ስድራቤት ጸገማት ስለ ዝነበሮም ክፋትሑ ይሓስቡ ነበሩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንደገና ክበጽሕዎም ምስ ከዱ ነቶም ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ብኸመይ ነቲ ጸገማቶም ክፈትሕዎ ከም ዝኽእሉ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣይዎም። እቶም ሰብ ሓዳር በቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ሒዝዎ ዘሎ ተግባራዊ ምኽርታት ተገረሙ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ድማ ተሰማምዑ። ሓዳሮም ደልደለ: ብመንፈስ እናዓበዩ ኸዱ: ከምኡውን ተጠምቁ።
7 ንሓደ ኢዘሀራዊ ክትብሎ እትኽእል ነገር:- ሓደ ሰብ ኢዘሀራዊ ኢየ ምስ ዝብለካ: ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝበለ ንኽትፈልጥ ጽዓር። ብምኽንያት እተማህሮ ትምህርቲ: ዘጋጠሞ ጸገማት: ወይስ ዝረኣዮ ሃይማኖታዊ ግብዝናን ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ድዩ ከምኡ ዀይኑ፧ ከምዚ ኢልካ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ:- “ካብ ቀደምካ እዚ ዲኻ እትኣምን ነይርካ፧” ወይ ከኣ “ኣብዚ መደምደምታ እዚ ዘብጸሓካ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧” እቲ ዝህበካ መልሲ እንታይ ከም እትብል ንምፍላጥ ክሕግዘካ ኢዩ። ክብድ ዝበለ መርትዖ ዘድልዮ እንተድኣ ዀይኑ እታ ብዛዕባኻ ዝሓሊ ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ተድልየካ ትኸውን።
8 ምስ ሓደ ኢዘሀራዊ ከምዚ ኢልካ ብምሕታት ዝርርብ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ንገዛእ ርእስኻ ‘ኣምላኽ እንተሎ እዚ ዅሉ ስቓይን ምጕዳል ፍትሕን ኣብ ዓለም ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ኢልካ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዝብልዶ ከርእየካ፧” ኤርምያስ 10:23 ኣንብብ። ምስ ኣንበብካያ: ብዛዕባኣ እንታይ ርእይቶ ከም ዘለዎ ሕተቶ። ድሕርዚ ኣብታ ዊል ዘር ኤቨር ቢ ኤ ዎርልድ ዊዝኣውት ዎር፧ እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ገጽ 16ን 17ን ገንጺልካ ኣርእዮ። ወይ ድማ እታ 10ይቲ ምዕራፍ ናይ መጽሓፍ ፈጣሪ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ነታ ጽሕፍቲ ወሲዱ ከንብባ ዓድሞ።—ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድኣ ደሊኻ: መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 150-1 ርአ።
9 ኵሎም ኢዘሀራውያን ሓቂ ይቕበሉ ኢዮም ማለት ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ካብኣቶም ናይ ካልኦት ኣረኣእያ ኣብ ግምት ንኸእትዉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ብዙሓት ኢዮም። ነታ ሓቂ ንኽርድኡ ምእንቲ ክትሕግዞም ርትዓዊ ኣተሓሳስባ: ኣረዲእካ ናይ ምእማን ክእለት: ከምኡውን ልዕሊ ዅሉ ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ተጠቐም።—ግብ. 28:23, 24፣ እብ. 4:12