ሓገዝ ሕተት
1 እተን “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር” ዝብላ መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት ነዚ ክፉእ ዘመንና ብግቡእ ይገልጻኦ ኢየን። (2 ጢሞ. 3:1 NW ) ስለዚ: ክትዋጽኣሉ ዘይከኣል ዝመስል ከቢድ መንፈሳዊ ብድሆታት ምስ ዘጋጥመካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
2 ነቶም ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ኣባላት ጉባኤኻ ንምዝራብ ፍቓደኛ ዲኻ፧ ገሊኣቶም ስለ ዝሓፍሩ: ንኻልኦት ከሸግሩ ስለ ዘይደልዩ: ወይ ብሓቂ ዝሕግዞም ሰብ ምህላዉ ስለ ዘጠራጥሮም ድሕርሕር ይብሉ ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: ንናይ ገዛእ ርእስና ሓላፍነታት ንምጻር ብእተኻእለና መጠን ክንጽዕር ኣሎና: እንተዀነ ግን መንፈሳዊ ጥዕናና ኣብ ዝትንክፍ ጕዳያት ሓገዝ ንምሕታት ክንስከፍ የብልናን።—ገላ. 6:2, 5
3 ብመን ከም እትጅምር:- ናብቲ መራሒ ትምህርቲ መጽሓፍኩም ቀሪብካ ምስኡ ከተገልግል ትኽእል እንተ ዄንካ ክትሓቶ ትደሊ ትኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ ብመንፈስ ክትዓቢ ከም እትደሊ ንኽትገልጸሉ ኣጋጣሚ ክትረክብ ኢኻ። ኣገልጋሊ ጉባኤ እንተድኣ ዀይኑ: መንፈሳዊ ሓገዝ ክግበረልካ ከም እትደሊ ንገሮ እሞ ንሱ ኸኣ ንሽማግለታት ክሕግዙኻ ክሓቶም ኢዩ። ወይ ድማ ብዛዕባ ዘጨንቐካ ጕዳይ ናብ ዝዀነ ይኹን ሽማግለ ቀሪብካ ከተዘራርቦ ትኽእል ኢኻ።
4 እንታይ ዓይነት ሓገዝ ኢኻ እትደሊ፧ ገለ ነገር ንዝነበረካ ቕንኢ ከም ዝቕህም ገይርዎዶ ኢዩ፧ ንደቅኻ ምስ ጉባኤ ጥብቂ ርክብ ንኽገብሩ እትጽዕር ዘሎኻ ንጽል ወላዲ ዲኻ፧ ደገፍ እትደሊ ብዕድመ ዝደፋእካ ዲኻ፧ ወይ ድማ ገለ ጸገማት ድዩ ሕልናኻ ዘዕርበልካ ዘሎ፧ እዚ ክፉእ ዘመን እዚ ንኽትዋጽኣሉ ዘጸግም ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ፈጺሙ ዘይከኣል ግን ኣይኰነን። ሓገዝ ክርከብ ይከኣል ኢዩ።
5 ሽማግለታት ብኸመይ ከም ዝሕግዙ:- ሽማግለታት ብሓቂ ይግደሱ ኢዮም። ጭንቀትካ ክትነግሮም ከሎኻ ይሰምዑኻ ኢዮም። ካልኦት ኣስፋሕቲ ተመሳሳሊ ሽግር እንተድኣ ኣጋጢምዎም: ሽማግለታት ጕስነት ክገብሩን ኣብታ ጉባኤ ክምህሩን ከለዉ ነዚ ኣብ ግምት የእትዉዎ ኢዮም። “ነቲ መጓሰ ኣርኣያ” ከም ምዃኖም መጠን: ተሓጒሶም ንኽድግፉኻ ቅሩባት ኢዮም። (1 ጴጥ. 5:3) እዞም ተመክሮ ዘለዎም ኣሕዋት እዚኣቶም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ከረድኡኻ ከለዉ ምስማዕ: ኣገልግሎትካ ከም እተመሓይሽ ክገብረካ ይኽእል: ኣብ ብሕታዊ ናብራኻ እውን ይሕግዘካ ኢዩ።—2 ጢሞ. 3:16, 17
6 የሱስ “ውህበት ሰብኡት” ሂቡና ኣሎ። (ኤፌ. 4:8 NW ) እዚ ክበሃል ከሎ ሽማግለታት የገልግሉኻ ኢዮም ማለት ኢዩ። ንኽሕግዙኻ ቅሩባት ኢዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ ‘ናትካ ኢዮም።’ (1 ቈረ. 3:21-23) ስለዚ: ሓሳብካ ናጻ ኴንካ ግለጽ ድኣ እምበር ኣይትሰከፍ። እትደልዮ ሓገዝ ሕተት።