ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/00 ገጽ 6
  • ሓገዝ ሕተት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓገዝ ሕተት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ንሽማግለታት ይጸውዕ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ሽማግለታት ንጉባኤ ዜገልግሉ ብኸመይ እዮም፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ እያ ተወዲባ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 3/00 ገጽ 6

ሓገዝ ሕተት

1 እተን “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር” ዝብላ መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት ነዚ ክፉእ ዘመንና ብግቡእ ይገልጻኦ ኢየን። (2 ጢሞ. 3:⁠1 NW ) ስለዚ: ክትዋጽኣሉ ዘይከኣል ዝመስል ከቢድ መንፈሳዊ ብድሆታት ምስ ዘጋጥመካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

2 ነቶም ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ኣባላት ጉባኤኻ ንምዝራብ ፍቓደኛ ዲኻ፧ ገሊኣቶም ስለ ዝሓፍሩ: ንኻልኦት ከሸግሩ ስለ ዘይደልዩ: ወይ ብሓቂ ዝሕግዞም ሰብ ምህላዉ ስለ ዘጠራጥሮም ድሕርሕር ይብሉ ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: ንናይ ገዛእ ርእስና ሓላፍነታት ንምጻር ብእተኻእለና መጠን ክንጽዕር ኣሎና: እንተ​ዀነ ግን መንፈሳዊ ጥዕናና ኣብ ዝትንክፍ ጕዳያት ሓገዝ ንምሕታት ክንስከፍ የብልናን።​—⁠ገላ. 6:⁠2, 5

3 ብመን ከም እትጅምር:- ናብቲ መራሒ ትምህርቲ መጽሓፍኩም ቀሪብካ ምስኡ ከተገልግል ትኽእል እንተ ዄንካ ክትሓቶ ትደሊ ትኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ ብመንፈስ ክትዓቢ ከም እትደሊ ንኽትገልጸሉ ኣጋጣሚ ክትረክብ ኢኻ። ኣገልጋሊ ጉባኤ እንተ​ድኣ ዀይኑ: መንፈሳዊ ሓገዝ ክግበረልካ ከም እትደሊ ንገሮ እሞ ንሱ ኸኣ ንሽማግለታት ክሕግዙኻ ክሓቶም ኢዩ። ወይ ድማ ብዛዕባ ዘጨንቐካ ጕዳይ ናብ ዝዀነ ይኹን ሽማግለ ቀሪብካ ከተዘራርቦ ትኽእል ኢኻ።

4 እንታይ ዓይነት ሓገዝ ኢኻ እትደሊ፧ ገለ ነገር ንዝነበረካ ቕንኢ ከም ዝቕህም ገይርዎዶ ኢዩ፧ ንደቅኻ ምስ ጉባኤ ጥብቂ ርክብ ንኽገብሩ እትጽዕር ዘሎኻ ንጽል ወላዲ ዲኻ፧ ደገፍ እትደሊ ብዕድመ ዝደፋእካ ዲኻ፧ ወይ ድማ ገለ ጸገማት ድዩ ሕልናኻ ዘዕርበልካ ዘሎ፧ እዚ ክፉእ ዘመን እዚ ንኽትዋጽኣሉ ዘጸግም ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ፈጺሙ ዘይከኣል ግን ኣይኰነን። ሓገዝ ክርከብ ይከኣል ኢዩ።

5 ሽማግለታት ብኸመይ ከም ዝሕግዙ:- ሽማግለታት ብሓቂ ይግደሱ ኢዮም። ጭንቀትካ ክትነግሮም ከሎኻ ይሰምዑኻ ኢዮም። ካልኦት ኣስፋሕቲ ተመሳሳሊ ሽግር እንተ​ድኣ ኣጋጢምዎም: ሽማግለታት ጕስነት ክገብሩን ኣብታ ጉባኤ ክምህሩን ከለዉ ነዚ ኣብ ግምት የእትዉዎ ኢዮም። “ነቲ መጓሰ ኣርኣያ” ከም ምዃኖም መጠን: ተሓጒሶም ንኽድግፉኻ ቅሩባት ኢዮም። (1 ጴጥ. 5:⁠3) እዞም ተመክሮ ዘለዎም ኣሕዋት እዚኣቶም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ከረድኡኻ ከለዉ ምስማዕ: ኣገልግሎትካ ከም እተመሓይሽ ክገብረካ ይኽእል: ኣብ ብሕታዊ ናብራኻ እውን ይሕግዘካ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞ. 3:⁠16, 17

6 የሱስ “ውህበት ሰብኡት” ሂቡና ኣሎ። (ኤፌ. 4:⁠8 NW ) እዚ ክበሃል ከሎ ሽማግለታት የገልግሉኻ ኢዮም ማለት ኢዩ። ንኽሕግዙኻ ቅሩባት ኢዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ ‘ናትካ ኢዮም።’ (1 ቈረ. 3:⁠21-23) ስለዚ: ሓሳብካ ናጻ ኴንካ ግለጽ ድኣ እምበር ኣይትሰከፍ። እትደልዮ ሓገዝ ሕተት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ