‘ንቕሑ’
1 የሱስ ነቲ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ ከም ዝቐረበ ምልክት ዝኸውን ኣገዳሲ ፍጻመታት ድሕሪ ምግላጹ: ንደቀ መዛሙርቱ ‘ንቕሑ’ ኢሉ ተማሕጸኖም። (ማር. 13:33) ክርስትያናት ክነቕሑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧ ምኽንያቱ ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ ኣብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ብመንፈስ ትኽስ እንተድኣ ኢልና ከቢድ ጕድኣት ክበጽሓና ይኽእል ኢዩ። እዚ ነቲ የሆዋ ኣብዚ መወዳእታ ግዜ ክንፍጽሞ ዝሃበና ዕዮ ዘሎና ሞሳ የጥፍኦ። እዚ ዕዮ እዚ እንታይ ኢዩ፧
2 የሆዋ ንህዝቡ ነቲ እንኮ ተስፋ ደቅሰብ ዝዀነ ብስራት ናይታ መንግስቱ ኣብ መላእ ምድሪ ከም ዝእውጁ ገይሩ ኣሎ። ምስ ማሕበር ኣምላኽ ጠቢቕና ምዕያይና ብዛዕባ እዚ ግዜ እዚ ነቒሕና እንከታተል: ካልኦት ሰባት ነቲ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል” ንኽሰምዑ ምሕጋዞም ከኣ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ እተገንዘብና ሓቀኛታት ክርስትያናት ከም ዝዀንና የፍልጠና። (ዮሃ. 6:68) ኣብዚ ልዕሊ ዅሉ ኣድላዪ ዝዀነ ዕዮ ብቕንኢ ብምክፋል: ብመንፈስ ንቑሓት ምዃንና መረጋገጺ ንህብ።
3 ንኽትሰብኽ ድራኸ ዝሓድረካ ምዃን:- ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን: ብዛዕባ ኣገልግሎትና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክህልወና ኣለዎ። ንኣምላኽን ንብጾትና ሰባትን ዘላትና ፍቕሪ ብብሕትና ኣብ ዕዮ ስብከት ንኽንካፈል ትድርኸና ኢያ። (1 ቈረ. 9:16, 17) እዚ ብምግባርና ንርእስናን ነቶም ዝሰምዑናን ከነድሕን ኢና። (1 ጢሞ. 4:16) ሃየ እምበኣር: ብዛዕባ እታ ደቅሰብ ክረኽብዋ ዝኽእሉ ዝበለጸት መንግስቲ ማለት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተኻእለና መጠን ብቐጻልን ንብዙሕ ሰዓታትን ንምስባኽ ንወስን!
4 እቲ ዓቢ ጸበባ ዝጅምር ኣብዚ ዕዮ እዚ ተጸሚድና ከሎና ብምዃኑ ንህጹጽነት ናይ ኣገልግሎትና ኣብ ኣእምሮና ከም ዝቕረጽ ይገብሮ ኢዩ። ነታ ሰዓትን መዓልትን ስለ ዘይንፈልጣ ብጸሎት ኣብ የሆዋ ተወኪልና ኵሉ ሳዕ ንቑሓትን ድሉዋትን ክንከውን የድልየና። (ኤፌ. 6:18) እቲ መጠን ዕዮ ስብከት ብቐጻሊ ይሰፍሕ ኢዩ ዘሎ። እንተዀነ ግን: ኣብዚ ቐረባ እዋን እቲ ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ ዝዓበየ ዕዮ ምስክርነት ኣብ መወዳእታኡ ዝበጽሓሉ መዓልቲ ክትመጽእ ኢያ።
5 ነታ ‘ንቕሑ’ እትብል ትእዛዝ የሱስ ብተኣማንነት ስዓብ። እዚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ዘየላቡ ኰይኑ ኣሎ። ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ምላሽ ንሃብ። ሎሚ ዀነ ጽባሕ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብመንፈስ ዕዙዛት: ንቑሓት: ከምኡውን ንጡፋት ንኹን። እወ: “ንንቃሕን ንጠንቀቕን።”—1 ተሰ. 5:6