ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/00 ገጽ 8
  • “ይመርመሩ”—ብኸመይ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ይመርመሩ”—ብኸመይ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገልገልቲ ጉባኤ ጠቓሚ ኣገልግሎት ይህቡ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ኣቱም ኣሕዋት፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ ንምዃን ትመጣጠሩዶ ኣለኹም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ሽማግለታት ንኻልኦት ሓላፍነት ንኽስከሙ ኣለማምድዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ትመጣጠሩዶ ኣሎኹም፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 5/00 ገጽ 8

“ይመርመሩ”​—⁠ብኸመይ፧

1 ማሕበር የሆዋ ብቐጻሊ ትዓቢ ስለ ዘላ: ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ኣገልገልቲ ጉባኤ ኰይኖም ከገልግሉ ይድለ ኣሎ። ንኰተቴታት ሓዊስካ ዝበዝሑ መዝነት ዘይተዋህቦም ኣሕዋት ኣብ ጉባኤ ንኸገልግሉ ባህጊ ኣለዎም። ተወሳኺ ስራሕ ክወሃቦም ከሎ: ጠቐምቲ ምዃኖም ይርድኦም ከምኡውን ዕግበት ይስምዖም። እቲ ቀጻሊ ዕቤቶም ‘እተመርመሩ’ ኣብ ምዃን ኢዩ ዝምርኰስ። (1 ጢሞ. 3:⁠10) እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም፧

2 ግደ ሽማግለታት:- ሽማግለታት ንሓደ ሓው በቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:​8-13 ተጠቒሱ ዘሎ ኣገልገልቲ ጉባኤ ክበጽሕዎ ዘለዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ክልክዕዎ ስለ ዘለዎም: ሓላፍነት ክስከም ዝኽእል እንተድኣ ዀይኑ ይምርምርዎ። ምስ እኒ መጽሔታትን ጽሑፋትን ምክፍፋል: ማይክሮፎን ምሓዝ: ኣደራሽ መንግስቲ ምክንኻን: ከምኡውን ምስ ካልእ ዕዮታት ዝተሓሓዝ ጠቓሚ ኣገልግሎት ንኽህብ ክምዝዝዎ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ሽማግለታት ነቲ መዝነቱ ብኸመይ ከም ዝቕበሎን ከም ዝሕዞን ይዕዘቡ ኢዮም። ክሳዕ ክንደይ እሙን: ግዜኡ ዘኽብር: ትጉህ: ትሑት: ወለንተኛ: ከምኡውን ምስ ካልኦት ዝረዳዳእ ምዃኑ ይርእዩ። (ፊል. 2:⁠20) ብኣከዳድንኡን ኵለንትናዊ ኣቃውማኡን ኣብነት ዝኸውን ድዩ፧ ሓላፍነት ዝስምዖ ድዩ፧ ነቲ ‘ሰናይ ኣካይዳኡን ለውሃት ጥበቡን’ ክርእዩ ይደልዩ ኢዮም። (ያእ. 3:⁠13) ኣብ ጉባኤ ንምሕጋዝ ብሓቂ ዝመጣጠር ድዩ፧ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብቕንኢ ብምክፋል ነቲ የሱስ ‘ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብር’ ዝሃበና ትእዛዝ ይፍጽምዶ ኣሎ ኢዩ፧​—⁠ማቴ. 28:⁠19፣ ግምቢ ዘብዐኛ 17/9/111 ገጽ 1-17 ርአ።

3 ሓደ ሰብ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ንኽምዘዝ እንተ ወሓደ ወዲ ኽንደይ ዓመት ክኸውን ከም ዘለዎ እተወሰነ እኳ እንተ ዘይኰነ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ነዞም ኣሕዋት እዚኣቶም “ዘገልግሉ ሰብኡት ” (NW ) ኢልዎም ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ሰበይትን ቈልዑን ክህልዎም ከም ዝኽእል ስለ ዝጠቅስ: ኣብ መጀመርታ ወይ መፋርቕ ናይ ኰተቴ ዕድመ ክዀኑ ኣይንጽበን ኢና። (1 ጢሞ. 3:⁠12, 13) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብኡት “ትምኒት ጕብዝና” ዘርእዩ ክዀኑ የብሎምን: የግዳስ ገዛእ ርእሶም ብኣገባብ ዝመርሑ ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ጽቡቕ ኣቕዋምን ጽፉፍ ሕልናን ዘለዎም ክዀኑ ኣለዎም።​—⁠2 ጢሞ. 2:⁠22

4 ናይ ሓደ ሰብ ናይ ተፈጥሮ ክእለት ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ግን ኣረኣእያኡን መንፈሱን ኢዩ። ሓደ ሓው ብትሕትና ንየሆዋ ክውድስን ንኣሕዋቱ ከገልግልን ይደሊ ድዩ፧ ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ ነቲ ኣብ ጉባኤ ንኽዓቢ ዝገብሮ ጻዕርታት የሆዋ ክባርኾ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ