ሕቶ ሳጹን
◼ ቈልዑ ኣብ ኣኼባታት ስነ-ስርዓት ምእንቲ ክገብሩ ኣአንገድቲ ንወለዲ ብኸመይ ክሕግዝዎም ይኽእሉ፧
ቈልዑ ብባህርይኦም ውዑያት ኢዮም: ንነዊሕ እዋን ኮፍ ናይ ምባል ልምዲ ድማ የብሎምን። ድሕሪ ኣኼባ: ተደጒሉ ዝጸንሐ ሓይሊ ስለ ዝህልዎም ምስ ካልኦት ቈልዑ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ: ኣብ ካልእ መአከቢ ቦታታት: ኣብ ናይ ማካይን ደው መበሊ: ወይ ከኣ ኣብ ማርሻቤዲ ይጓየዩ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ከምቲ እቲ ምሳሌ ዝብሎ ‘ስዲ ዝኸደ ውሉድ ንወለዱ የሕፍር’ ኢዩ።— ምሳ. 29:15
እቲ ዘሕዝን ግን: ቈልዑ ክጓየዩ ኸለዉ ንገለ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደፊኦም ስለ ዘውደቕዎም ከቢድ ጕድኣት በጺሕዎም ኢዩ። እዚ ኸኣ ንወለድን ነታ ጉባኤን ዘየድሊ ስቓይን ወጻኢታትን ኣስዒቡ ኢዩ። ንድሕነቶምን ንድሕነት ካልኦትን ተባሂሉ: ቈልዑ ኣብ ውሽጢ ዀነ ኣብ ወጻኢ ኣደራሽ መንግስቲ ክጓየዩን ክጻወቱን ክፍቀደሎም የብሉን።
ቈልዑ ንናይ ኣምልኾ ቦታና ግቡእ ኣኽብሮት ንኸርእዩ ናይ ምስልጣን ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ዘለዎም ወለዲ ኢዮም። (መክ. 5:1ሀ) ኣአንገድቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና: ኣሰምብሊታትና: ከምኡውን ዓበይቲ ኣኼባታትና ‘ኵሉ ብስርዓት ንኽኸውን’ ምእንቲ ክቈጻጸሩ ይምዘዙ ኢዮም። (1 ቈረ. 14:40፣ ቈሎ. 2:5) ኣብ ውሽጢ እቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ዀነ ኣብ ወጻኢ: ቀቅድሚ እቲ ፕሮግራም ምጅማሩ: ኣብ መንጎ: ከምኡውን ድሕሪ ምውዳኡ ንቑሓት ክዀኑ ኣለዎም። ሓደ ቘልዓ ይጐዪ እንተሎ ወይ ስርዓት ዘይገብር እንተ ዀይኑ: እቲ ኣአንጋዲ ቀስ ኢሉ ደው ከብሎ ከምኡውን ነቲ ቘልዓ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ቅቡል ዘይኰነሉ ምኽንያት ክገልጸሉ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ወላዲ እውን ብዛዕባ እቲ ጸገምን ንውላዱ ክቈጻጸሮ ከም ዘድልን ክንገሮ ኣለዎ። እቲ ወላዲ ነዚ ግቡእ ምላሽ ክህበሉ የድሊ።
ሓድሓደ ግዜ ሕጻናት ወይ ንኣሽቱ ቘልዑ ኣብ ኣኼባታት ክበኽዩ ወይ ክርብሹ ከም ዝኽእሉ ፍሉጥ ኢዩ። ኣአንገድቲ እቲ ፕሮግራም ካብ ዝጅመረሉ ግዜ እንተ ወሓደ 20 ደቒቕ ኣቐዲሞም ብምምጻእ ንገለ ካብቲ ብሸነኽ ድሕሪት ዘሎ ኮፍ መበሊ ነቶም ምስ ንኣሽቱ ደቆም ኣብኡ ኮፍ ክብሉ ዝደልዩ ወለዲ ክሓዝኡሎም ኣለዎም። እቶም ካልኦት ከኣ ነዘን ኮፍ መበሊ እዚኣተን ንዖኦም ብምግዳፍ ክንተሓባበር ኣሎና።
ሓደ ቘልዓ ይርብሽ እንተድኣ ኣሎ ዀይኑ: እቲ ወላዲኡ ገለ ስጕምቲ ክወስድ ኣለዎ። ወላዲኡ ስጕምቲ እንተ ዘይወሲዱ: እቲ ረብሻ ኸኣ ኣቓልቦ ዝሰርቕ እንተ ዀይኑ: እቲ ኣአንጋዲ ነቲ ወላዲ ውላዱ ሒዙ ካብቲ ኣደራሽ ክወጽእ ዝኽእል እንተ ዀይኑ ብሕያውነት ክሓቶ ኣለዎ። ንኣሽቱ ቈልዑ ዘለዉዎም ሓደስቲ ሰባት ናብ ኣኼባታትና ክንዕድሞም ከሎና: ምስኦም ኮፍ ክንብል ከምኡውን እቶም ቈልዑ እንተ በኽዮም ወይ ረቢሾም ክንሕግዞም ኣሎና።
እተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ቈልዑ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ክንርኢ ከሎና ከምኡውን ነቲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዘንጸባርቕዎ ጽቡቕ ጠባይ ክንዕዘብ ከሎና ንሕጐስ ኢና። (1 ጢሞ. 3:15) ነቲ የሆዋ ንኣምልኾ ዝገበሮ ምድላው ብምኽባር ንየሆዋ ክብሪ የምጽኡ: ኵሎም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ከኣ ይሕጐሱሎም።