ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/00 ገጽ 3
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካልኦት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀሙሉ ምትብባዕ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንሰማዕትኻ ዜስተምህር
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንሰማዕቲ ምጥማት
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንህዝቢ ዚኸውን መደረታት ምድላው
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 9/00 ገጽ 3

ሕቶ ሳጹን

◼ ሓደ ተዛራባይ ዝርርብ ኣብ ዝህበሉ እዋን ነቶም ሰማዕቲ ጥቕስታት ክግንጽሉ ክሓቶም ከሎ: ገንጺሎም ክከታተሉ ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

ኣርእስቲ ናይቲ ዝርርብ ከምኡውን እቲ ዝርርብ ንገለ ክፋል ናይ ቃል ኣምላኽ ጥቕሲ ብጥቕሲ እናንበብካ ዝቐርብ ምስ ዝኸውን ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ረቛሒታት ንብዝሒ ናይቲ እቶም ሰማዕቲ ንኽግንጽሉ ዝሕተትዎ ጥቕስታት ይውስኖ ኢዩ።

ጥቕሲ ገንጺልካ እትከታተለሉ ሓደ ምኽንያት እቲ እተባህለ ነገር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ ንምርግጋጽ ምዃኑ ምርዳእ ኣድላዪ ኢዩ። (ግብ. 17:⁠11) እዚ ዝግበረሉ ካልእ ዕላማ እቶም ሰማዕቲ እምነቶም ምእንቲ ክድልድል ነቲ ኣብቲ ዝርርብ እተባህለ ነገር ዝድግፍ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ንምምርማር ኢዩ። ሓንቲ ኣገዳሲት ጥቕሲ ክትንበብ ከላ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ባዕልኻ ገንጺልካ ምክትታል ኣብ ኣእምሮኻ ተወሳኺ ጽልዋ ኢዩ ዘሕድረልካ። ኣብ ርእሲ እዚ: መዘኻኸሪታት ምውሳድን ነቲ ዝግለጽ ሓሳባት እናኣተሓሓዝካ ምክትታልን እውን ጠቓሚ ኢዩ።

ኣብቲ ማሕበር እተዳልዎ እተዋጽአ ጽሑፍ ብዙሕ ጥቕስታት እኳ እንተሎ: ነቲ ተዛራባይ ክዳሎ ኸሎ ምእንቲ ክሕግዞ ተባሂሉ ኢዩ ዝጻሓፍ። እዚ ጥቕስታት እዚ ንድሕረ⁠-​ባይታ ናይቲ ትምህርቲ ዝገልጽ ሓበሬታ ክህቦ ወይ መሰረታዊ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ኣእምሮኡ ንኽሕዝን እቲ ዝርርብ ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ንኽርዳእን ይሕግዞ። እቲ ተዛራባይ ኣብቲ ዝርርቡ ኣየናይ ጥቕስታት ዝያዳ ከም ዘድሊ ብምውሳን ነቲ ጥቕስታት ከንብብን ክገልጽን ከሎ እቶም ሰማዕቲ ንኽከታተልዎ ይዕድሞም። ካልእ ድጋፍ ዝህብ ጥቕስታት ኣሕጽር ኣቢሉ ብቓሉ ክጠቅስ ይኽእል ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እቶም ሰማዕቲ መጽሓፍ ቅዱሶም ገንጺሎም ክከታተሉ ግድን ዘድሊ ኣይኰነን።

እቲ ተዛራባይ ጥቕስታት ከንብብ ከሎ ብቐጥታ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ድኣ እምበር ካብ መዘኻኸሪኡ ወይ ካብ ኮምፒዩተር ቀዲሑ ዝሓተሞ ወረቐት ክጥቀም የብሉን። እቶም ሰማዕቲ ንኽከታተልዎ ክዕድሞም ከሎ: እታ ጥቕሲ እትርከበሉ መጽሓፍ: ምዕራፍ: ከምኡውን ቍጽሪ(ርታት) ብንጹር ክገልጽ ኣለዎ። እቶም ሰማዕቲ ጥቕሲ ክግንጽሉ ምስ ተነግሩ: እቲ ተዛራባይ ሕቶ ቅድሚ ምሕታቱ ወይ እታ ጥቕሲ ስለምንታይ ከም እተጠቕሰት ሓጺር ሓሳብ ቅድሚ ምሃቡ ሓንሳእ ደው ብምባል ነታ ጥቕሲ ንኽረኽብዋ እኹል ግዜ ይህቦም። ነታ ጥቕሲ እትርከበሉ ቦታ እንደገና ምንጋር እቶም ሰማዕቲ ኣበይ ክግንጽሉ ከም ዘለዎም የዘኻኽሮም ኢዩ። ይኹን እምበር: እቶም ሰማዕቲ ዝሓዝዎ ሕታም መጽሓፍ ቅዱስ ክፈላለ ስለ ዝኽእል: ጥቕሲ ዝርከበሉ ገጽ እንተ ዘይተጠቐሰ ይሓይሽ። ጥቕሲ ገንጺልካ ምክትታል እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓይሊ ነቶም ሰማዕቲ ኣብ ዝርርብ ክግለጸሎም ከሎ ካብኡ ንኽጥቀሙ ይሕግዞም ኢዩ።​—⁠እብ. 4:⁠12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ