ወትሩ ንየሆዋ ፍርሃዮ
1 “ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ።” (መዝ. 111:10) ሰናይ ንኽንገብር ይድርኸና: ካብ እከይ ንኽንርሕቕ ድማ ይሕግዘና። (ምሳ. 16:6) እዚ ፍርሂ እዚ ንፈጣሪና ዘየሐጕስ ነገር ካብ ምግባር ንኽንቍጠብን ንኽንእዘዞን ዝድርኸና ዓሚቝ ኣኽብሮት ኢዩ። ወትሩ ከነማዕብሎን ከነንጸባርቖን ዘሎና ባህርይ ኢዩ።—ምሳ. 8:13
2 ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መንፈስ ናይዛ ሰይጣን ዝቈጻጸራ ዓለም ኣብቲ እኩይ መገድታት ንኽንሓብር ሓያል ጸቕጢ ይገብረልና ኢዩ። (ኤፌ. 6:11, 12) ዘይፍጹም ስጋና ሓጥእን ክፉእ ዝንባለ ዘለዎን ኢዩ። (ገላ. 5:17) ስለዚ: ተሓጒስና ትእዛዛት የሆዋ ንኽንሕሉን ህይወት ንኽንረክብን: ወትሩ ንየሆዋ ክንፈርሆ ኣሎና።—ዘዳ.10:12, 13
3 ኣብ እብራውያን 10:24, 25 ምናዳ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ንሓድሕድና ምእንቲ ክንተባባዕ ኣኼባና ከይንሓድግ ተማዒድና ኣሎና። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ድሕነት ንምርካብ ስርዓታውያን ኴንና ኣኼባ ክንካፈል የድሊ። ንኣምላኽ ንኸይነጕሂ ዘሎና ፍርሂ ኣብ ኣኼባታት ንኽንካፈልን እንእከበሉ ዕላማ ኣኽቢርና ንኽንርእዮን ይድርኸና ኢዩ። እቶም ንኣምላኽ ዝፈርህዎ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል ከም ቅዱስ መሰል ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ።
4 ካልእ ንኣምላኽ ከም እንፈርሆ እነርእየሉ መገዲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንሰብኽ እተዋህበና ትእዛዝ ምፍጻም ኢዩ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ግብ. 10:42) ቀንዲ ሸቶ ዕዮ ስብከትና: ካልኦት ንየሆዋ ክፈርህዎን ፍቓዱ ክገብሩን ንምሕጋዝ ኢዩ። ነዚ ድማ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር: ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ብምጽዓር: ድሕርዚ ኸኣ ኵሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ብምምሃር ኢና እንፍጽሞ። በዚ ኸምዚ ድማ ንየሆዋ ከም እንፈርሆን ንብጻይና ከም እነፍቅርን ነርኢ።—ማቴ. 22:37-39
5 እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርህዎ ሰባት ንመንፈሳዊ ነገራት ኣየማስዉን: ነቲ መርዛም ኣየር እዛ ዓለም እዚኣ ድማ የስተንፍሱ ወይ ብናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ይመላለሱ ኢዮም። (ኤፌ. 2:2) ‘ንኣምላኽ ብቕዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን ንምግልጋል’ ቈራጽነት ንግበር። (እብ. 12:28) ከምዚ ምስ እንገብር እቶም ወትሩ ንየሆዋ ዝፈርህዎ ሰባት ዝረኽብዎ በረኸት ክንዓጽድ ኢና።