ካልኦት ኣብ ኣኼባታት ምሕጋዞም
1 “ኵሉኹም ኣብ ኣኼባታትና ኽትካፈሉ እትደልዩ ኣብ ከባቢና እትነብሩ ፈተውትና . . . ናብ ኣኼባታትና ኽትመጹ ምዉቕ ዕድመ ነቕርበልኩም።” እዚ ምልክታ እዚ ኣብ ናይ ሕዳር 1880 ሕታም ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ካብ ዝወጽእ ኣትሒዙ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ናብ ኣኼባታት መጺኦም መጽሓፍ ቅዱስ ክማሃሩ ምዉቕ ዕድመ ከቕርቡሎም ጸኒሖም ኢዮም። (ራእ. 22:17) እዚ ኣገዳሲ ኽፍሊ ሓቀኛ ኣምልኾ ኢዩ።
2 ኣኼባ ምክፋል ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ:- ምስ ሓንቲ ጉባኤ ንሓብር እንተድኣ ዄንና በረኸት ንረክብ ኢና። ምስቲ ዘደንቕ ባህርያት ዘለዎ የሆዋ ኣምላኽና ኣጸቢቕና ንፋለጥ። ናብ ጉባኤ እንኸይድ ‘ብእግዚኣብሄር ንኽንማሃር’ ኢና። (ኢሳ. 54:13) ማሕበር የሆዋ ናብ ኣምላኽ ዘቕርበና ዘየቋርጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፕሮግራም ተዳሉ ኢያ: “ኵሉ ምኽሪ ኣምላኽ” ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኸነውዕሎ ድማ ጠቓሚ ሓገዝ ትገብረልና ኢያ። (ግብ. 20:27፣ ሉቃ. 12:42) ቃል ኣምላኽ ብግቡእ ምእንቲ ኽንምህር ንነፍሲ ወከፍና ኣብ ኣኼባታት ስልጠና ይወሃበና ኢዩ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝወሃበና መዘኻኸሪታት ምስ ካልኦትን ምስ የሆዋን ጽቡቕ ርክብ ንኽህልወና ይሕግዘና። ምስቶም ንኣምላኽ ዘፍቅርዎ ሰባት ምሕባር ከኣ ንእምነትና የደልድሎ ኢዩ።—ሮሜ 1:11, 12
3 ዓድሞም:- ንነፍሲ ወከፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃራይካ ካብቲ ጽንዓት ዝጀመርካሉ እዋን ኣትሒዝካ ናብ ኣኼባታት ክመጽእ ዓድሞ። ወረቐት ዕድመ ሃቦ። ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባ እንታይ ምትብባዕ ከም ዝረኸብካን ኣብ ዝቕጽል እንታይ ትምህርቲ ከም ዝቐርብን ብምጥቃስ ተገዳስነቱ ኣለዓዕል። ኣደራሽ መንግስቲ ኸመይ ከም ዝመስል ግለጸሉ: ኣበይ ከም ዝርከብ ድማ ሓብሮ።
4 እቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀልጢፉ ኣብ ኣኼባታት ክካፈል እንተ ዘይጀሚሩ: ደጋጊምካ ዓድሞ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንሒደት ደቓይቕ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ማሕበር ግለጸሉ። ምሳናን ምስ ኣኼባታትናን ምእንቲ ኽላለ ነታ ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ እትበሃል ብሮሹር ሃቦ ከምኡውን ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ —ዘ ኦርጋናይዜሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም ዘርእስታ ቪድዮ ካሴት (እንግሊዝኛ) ኣርእዮ። ምስ ካልኦት ኣስፋሕቲ ኣፋልጦ። ኣብ ጸሎትካ ብዛዕባ ማሕበርና ንየሆዋ ኣመስግኖ: እቲ ተማሃራይ ምስታ ማሕበር ክሓብር ከም ዘድልዮ ድማ ጥቐስ።
5 ተገዳስነት ዘለዎም ሓደስቲ ሰባት ናብ ኣኼባና ንኽመጹ ኣብ ምሕጋዝ ሎሚ ጽባሕ ኣይትበል። ንየሆዋ ዘለዎም ሞሳ እናዓበየ ምስ ከደ ነቲ ዝማሃርዎ ነገራት ኣብ ግብሪ ንኸውዕልዎን ኣባላት ማሕበር ኣምላኽ ንኽዀኑን ክድረኹ ኢዮም።—1 ቈረ. 14:25