ንተማሃሮ ናብታ ብድሕሪ እቲ ስምና ዘላ ማሕበር ምምራሕ
1 “ብልዕሊ 200 ቋንቋታት ዝዝረብ መልእኽቲ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ 210 ሃገራት ዝንገር መልእኽቲ ኢዩ። ሰባት ኣብ ዝርከብሉ ዘበለ በብብሕቶም ዝበጽሖም መልእኽቲ ኢዩ። ክፍሊ ናይቲ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ዓቢ ናይ ስብከት ወፈራ ኢዩ: ንሚልዮናት ዝዀኑ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ዘሕብር መልእኽቲ ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንልዕሊ ሚእቲ ዓመታት ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም ተመሓዲሮም ኢዮም!”
2 ጸብጻብ ናይታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እታ ብድሕሪ እቲ ስም ዘላ ማሕበር (እንግሊዝኛ) እትብሃል ቪድዮ በዚ ቃላት እዚ ኢዩ ዝጅምር። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ መን ኢዮም፧ ዕዮኦም ብኸመይ ኢዩ ዝመሓደር፧ ብኸመይ ኢዩ ዝምራሕ፧ ብኸመይ ኢዩ ገንዘብ ዝረክብ፧ ንዝብሉ ሕቶታት ከኣ ኢያ እትምልስ። “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም ከም ሓንቲ ማሕበር ኰይኖም ንጎረባብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ክገብሩ ክሕግዙ እተለማመዱ” ምዃኖም ንተዓዘብቲ ተርኢ: ከምኡውን ነታ ብድሕሪ እቲ ስምና ዘላ ማሕበር ባዕላቶም ንኽዕዘብዋ ተተባብዖም። ነዛ ቪድዮ እዚኣ ድሕሪ ምርኣያ: ሓንቲ ጽንዓት እትገብር ሰበይቲ ብሓጐስን ብሞሳን ነብዐት: ከምዚ ድማ በለት:- “ዝዀነ ይኹን ሰብ እዚኣ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ: የሆዋ ማሕበር ምዃና ክርዳእ ዘይክእልሲ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧”—ምስ 1 ቈረንቶስ 14:24, 25 ኣረኣእዮ።
3 ካልእ ሰበይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጅምር ግድፍ እናበለት ንነዊሕ ግዜ ተጽንዕ ነበረት: ስላሴ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነት ምዃኑ ክትቅበሎ ግን ኣይከኣለትን። ድሕርዚ ንሳን ሰብኣያን ነዛ ቪድዮ ረኣይዋ። በቲ ኣቀራርብኣ ኣዝዮም ተመሰጡ: ኣብታ ምሸት እቲኣ ኸኣ ክልተ ግዜ ረኣይዋ። ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ጽንዓቶም እታ ሰበይቲ ምስክር ንምዃን ዘለዋ ባህጊ ገለጸት። ኣብቲ ናይ ስላሴ እምነታ ተተኵር ብምንባራ ንማሕበርናን ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ሰባትን ክትርኢ ከም ዘይከኣለት ተዛረበት። ካብታ ቪድዮ ነታ ሓቀኛ ማሕበር ኣምላኽ ከም ዝረኸበታ ተገንዘበት። ብኡንብኡ ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ ክትጅምር ደለየት። ዘይተጠመቐ ኣስፋሒ ንምዃን እቲ ዝድለ ስጕምትታት እንታይ ምዃኑ ምስ ተገልጸላ: “እቲ ኣድላዪ ስጕምትታት ብቕልጡፍ ክወስድ እየ” በለት። ካብቲ ዝነበረቶ ቤተ-ክርስትያን ወጸት: ናይ ግራት ኣገልግሎት ንጥፈት ከኣ ጀመረት: ስላሴ ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ኣብ ምግላጽ ከኣ ክኢላ ኰነት።
4 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንማሕበር የሆዋ ምስ ዝፈልጥዋን ምስኣ ምስ ዝሓብሩን ዝሓሸ መንፈሳዊ ምዕባለ ከም ዝገብሩን ብቕልጡፍ ከኣ ናብ ብስለት ከም ዝበጽሑን ብጽቡቕ ተራእዩ ኣሎ። ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ እቶም 3,000 ሰባት ምስ ተጠምቁ ‘ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ጸኒዖም ነበሩ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 2:42 እግረ-ጽሑፍ NW ) ሎሚ እውን ተማሃሮ ከምኡ ክገብሩ ክንሕግዞም ኣድላዪ ኢዩ። ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
5 ሓላፍነት ምስካም:- ወደ መዝሙር ዝገብር ዘበለ ዅሉ: ነቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ማሕበር ኣምላኽ ምምራሕ ሓላፍነቱ ምዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ። (1 ጢሞ. 4:16) ነፍሲ ወከፍ ናይ መጽናዕቲ ግዜ ናብታ እቲ ሓድሽ ሰብ ወፈይኡ ብማይ ጥምቀት ዘርእየላ እተሐጕስ መዓልቲ ዘሰጋግር እምኒ ገይርካ ክርአ ኣለዎ። ሓደ ካብቲ ኣብ ግዜ ጥምቀት ዝቐርበሉ ሕቶታት እዚ ኢዩ:- “ወፈያኻን ጥምቀትካን ሓደ ካብቶም ምስታ ብመንፈስ እትምራሕ ማሕበር የሆዋ ዝሓበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝገብረካ ይርድኣካዶ ኢዩ፧” ስለዚ: ንጡፍ ኰይኑ ምስታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከይሓበረ ንኣምላኽ ከገልግሎ ከም ዘይክእል ክግንዘብ ኣገዳሲ ኢዩ።—ማቴ. 24:45-47፣ ዮሃ. 6:68፣ 2 ቈረ. 5:20
6 ነቲ ተማሃራይ ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ጉባኤን ብዛዕባ እታ ብድሕሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘላ ኣህጉራዊት ማሕበር ምምሃሩ ቀጽል። እዚ ካብ ፈለማ ጀሚርካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ግበሮ። ካብታ ናይ መጀመርታ ግዜ ኣትሒዝካ ነቲ ተማሃራይ ናብ ኣኼባታት ዓድሞ: ኵሉ ግዜ ምዕዳሙ ድማ ቀጽል።—ራእ. 22:17
7 በቲ ተዳልዩ ዘሎ መሳርሒታት ተጠቐም:- ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እተን ዝበለጻ ጽሑፋትና ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ (እንግሊዝኛ) እትብሃል ብሮሹርን ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትብሃል መጽሓፍን ኢየን። ክልቲአን ምስታ ጉባኤ ምሕባር ኣድላዪ ምዃኑ ኢየን ዘጕልሓ። ኣብ መወዳእታ ትምህርቲ 5 ናይታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ከምዚ ዝብል ሓሳብ ኣሎ:- “ብዛዕባ የሆዋ ምምሃርን ነቲ ዝደልዮ ብቕዓታት ምእዛዝን ምቕጻል ከድልየካ ኢዩ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደራሽ መንግስቲ ምክፋል ከምዚ ንምግባር ክሕግዘካ ኢዩ።” መጽሓፍ ፍልጠት ብተደጋጋሚ እቲ ተማሃራይ ኣብ ኣኼባታት ክሓብር ተተባብዕ ኢያ። ኣብ ምዕራፍ 5 ቍጽሪ 22 እዚ ዕድመ እዚ ተቕርብ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር . . . ምስኦም ሓቢርኩም ንኣምላኽ ‘ብመንፈስን ብሓቅን’ ከተምልኽዎ . . . ብምዉቕ ስምዒት ይምሕጸንኹም ኣለዉ። (ዮሃንስ 4:24)” ምዕራፍ 12 ቍጽሪ 16 ድማ ከምዚ ትብል:- “ነዚ መጽናዕቲ እዚ እናቐጸልካ ብዝኸድካ መጠን ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባታት ምክፋል ድማ ልማድ እንተድኣ ገይርካዮ እምነትካ ኣጸቢቓ ክትድልድል ኢያ።” ምዕራፍ 16 ቍጽሪ 20 ከምዚ ትብል:- “ኣብቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምክፋል ልማድ ግበሮ።” ወሲኻ ኸኣ “እዚ ንፍልጠት ኣምላኽ ከተስተውዕሎን ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ናብራኻ ከተውዕሎን ክሕግዘካ ኢዩ: ሓጐስውን ከምጽኣልካ ኢዩ። ኣባል ናይቲ ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ሕውነት ምዃን ብዘይ ምቍራጽ ናብ የሆዋ ክትቀርብ ክሕግዘካ ኢዩ” ትብል። ምዕራፍ 17 ብዝርዝር ሓደ ሰብ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ዕቝባ ብኸመይ ከም ዝረክብ ትዛረብ። ምስ ካልኦት ከነጽንዕ ከሎና ነዚ ነጥብታት ናይቲ ትምህርቲ ምጕልሑ ሓላፍነትና ኢዩ።
8 እታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ እትብሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ): ሰባት ምስታ ሎሚ የሆዋ ፍቓዱ ንምግባር ዝጥቀመላ ዘሎ እንኮ እትርአ ማሕበር ንኽላለዩ ተባሂላ እተዳለወት ጽብቕቲ መሳርሒት ኢያ። እቲ ብዛዕባ ኣገልግሎትና: ኣኼባታትና: ከምኡውን ማሕበርና ሒዛቶ ዘላ ዝርዝር ሓበሬታ ነቲ ኣንባቢ ንኣምላኽ ኣብ ምምላኽ ክሓብረና ከተባብዖ ኢዩ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ሓንሳእ ምስ ተጀመረ: እቲ ተማሃራይ ብብሕቱ ዘንብባ ቅዳሕ ናይዛ ብሮሹር ክንህቦ ጽቡቕ ኢዩ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ንገብሮ ዝነበርና ምስኡ ኴንካ ምጽንዓ ኣየድልን ኢዩ።
9 እቶም ማሕበር ዘዳለወቶም ቪድዮታት ነቲ ተማሃራይ ናብታ ብድሕሪ እቲ ስምና ዘላ ማሕበር ዝመርሑ ብሉጻት መሳርሒታት ኢዮም። ንዅለን ክርእይወን እንተድኣ ኽኢሎም ጽቡቕ ኢዩ:- (1) ዘኒው ዎርልድ ሶሳይቲ ኢን ኣክሽን (እንግሊዝኛ): እቲ ማሕበር የሆዋ እትዓየሉ ህዱእ: ስሉጥ: ከምኡውን ፈቃር መንፈስ ዘርኢ ድግማ ናይቲ ብ1954 እተራእየ ፊልም፣ (2) ዩናይትድ ባይ ዲቫይን ቲቺን (እንግሊዝኛ): ነቲ ኣብ ኣህጉራዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ ምብራቕ ኣውሮጳ: ደቡብ ኣመሪካ: ኣፍሪቃ: ከምኡውን እስያ እተራእየ ሰላም ዝመልኦ ሕብረት ዝገልጽ ፊልም፣ (3) ቱ ዘ ኤንድስ ኦቭ ዘ ኤርዝ (እንግሊዝኛ): መበል 50 ዝኽረ-ዓመት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዘመልክት ከምኡውን ነቲ ሚስዮናውያን ኣብቲ ናይ ብዘላ ዓለም ዕዮ ስብከት ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ዘርኢ ፊልም፣ (4) ጀሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም አገይንስት ናዚ ኣሶልት (እንግሊዝኛ): እቲ ፊልም ናይቲ መሰኻኽር ኣብ ቅድሚ ጨካን መስጐግቲ ናይ ሂትለር ዘርኣይዎ ዘስደምም ዛንታ ትብዓትን ዓወትን ይነግር፣ ከምኡውን (5) ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እታ ብድሕሪ እቲ ስም ዘላ ማሕበር።
10 ንኣኼባታት ቀጻሊ ሸቶ ግበር:- እቲ ኣብ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ትምህርትን እቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምስ ተማሃሮ ዝግበር ምይይጥን ክልቲኡ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ነቶም ተማሃሮ ክግለጸሎም ኣለዎ። (ዮሃ. 6:45) ሓደ ሓድሽ ሰብ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብታ ማሕበርን ዘለዎ ምርዳእ ማዕረ ክምዕብል ኣለዎ። ኣብዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ: ኣኼባታት ንምክፋል ክትክእ ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። (እብ. 10:23-25) ነቲ ሰብ ብኡንብኡ ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክመጽእ ክትዕድሞ ጀምር። ገለ ሓደስቲ ዝግደሱ ሰባት ቅድሚ ስርዓታዊ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማሮም እውን ከይተረፈ ኣኼባታት ምክፋል ይጅምሩ ኢዮም። ርግጽ ኢዩ: ንርእስና ኣብ ኣኼባታት ስርዓታውያን ብምዃን ግቡእ ኣብነት ክንከውን የድልየና።—ሉቃ. 6:40፣ ፊል. 3:17
11 እቲ ተማሃራይ ንመጀመርታ ግዜ ኣኼባ ክካፈል ከሎ ፍኹስ ምእንቲ ክብሎ: ብዛዕባ እቲ ኣኼባታትን ብኸመይ ከም ዝምራሕን እኹል ሓበሬታ ሃቦ። ብዙሓት ሰባት ንፈለማ ግዜ ኣብ ሓድሽ ቦታ ክኸዱ ከለዉ ኣጸቢቖም ስለ ዝጋየሹ: እቲ ተማሃራይ ንመጀመርታ ግዜኡ ኣኼባ ክካፈል ከሎ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ከተሰንዮ ጠቓሚ ኢዩ። ምስ ኣባላት ናይታ ጉባኤ ክፋለጥ ከሎ ምስኡ እንተድኣ ኣሊኻ ፍኹስ ክብሎ ይኽእል ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ: ጋሻኻ ፍዅስ ምእንቲ ክብሎ ጽቡቕ ገይርካ ኣአንግዶ።—ማቴ. 7:12፣ ፊል. 2:1-4
12 እቲ ተማሃራይ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ኣጋጣሚ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ: ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ወይ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ክካፈል ኣተባብዓዮ። ምናልባት ኣብቲ ናይ መጓዓዝያ ምድላዋትካ ክትማልኦ እውን ትኽእል ኢኻ።
13 ልባዊ ሞሳ ስረጸሎም:- ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና (እንግሊዝኛ) ገጽ 92 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እቲ ንማሕበር የሆዋ ዘሎካ ዓሚቝ ሞሳ ኣብቲ ምስ ተገደስቲ ሰባት እትገብሮ ዕላል ዝንጸባረቕ እንተድኣ ኰይኑ: ሞሳ ከዕብዩ ይቐለሎም: ከምኡውን ንየሆዋ ንምፍላጥ ዝዓበየ ወሰኽ ከርእዩ ከለዓዕሎም ኢዩ።” ኵሉ ግዜ ብዛዕባ ጉባኤኻ ኣወንታዊ እምበር ኣሉታዊ ዘረባ ኣይትዛረብ። (መዝ. 84:10፣ 133:1, 3ለ) ኣብ ግዜ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሮ ጸሎት ነታ ጉባኤ ከምኡውን እቲ ተማሃራይ ስርዓታዊ ኰይኑ ምስኣ ክሓብር ኣድላዪ ከም ዝዀነ ጥቐስ።—ኤፌ. 1:15-17
14 ብርግጽ ሓደስቲ ሰባት ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዝርከብ ባህ ዘብል ሕብረትን መንፈሳዊ ድሕንነትን ልባዊ ሞሳ ከማዕብሉ ኢና እንደልዮም። (1 ጢሞ. 3:15፣ 1 ጴጥ. 2:17፣ 5:9) ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን: ንተማሃሮ ቃል ኣምላኽ ናብታ ብድሕሪ ስምና ዘላ ማሕበር ንኽንመርሖም ዝከኣለና ዘበለ ዅሉ ንግበር።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ተማሃሮ ነታ ማሕበር ባዕላቶም ምስ ዝዕዘብዋ ቅልጡፍ መንፈሳዊ ምዕብልና ይገብሩ
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ተማሃሮ ኣኼባ ንኽካፈሉ ምዕዳም ኣይትደንጕ