ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/01 ገጽ 1
  • “ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ዘይከኣል” እንታይ ማለት እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ‘እዚ ወንጌል ኪስበኽ እዩ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ብቕንኣት ብምስባኽ፡ ንየሱስ ምሰሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 4/01 ገጽ 1

“ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ”

1 ቀንዲ ዕዮ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ምስባኽ ኢዩ። (ማቴ. 24:⁠14) እዚ ኣዝዩ ዓቢ ዕዮ ኢዩ። ብዙሓት ተዓዘብቲ ነዚ ንምፍጻም ካብቲ ዘሎና ጥሪት ኣጸቢቑ ዝዛይድ ነገራት ዘድሊ ዀይኑ ይስምዖም። ካልኦት ድማ ላግጺ: ምጽራር: ከምኡውን ስደት ስለ ዝወርደና ነዚ ዕዮ እዚ ምፍጻም ዘይከኣል ይመስሎም። (ማቴ. 24:⁠9፣ 2 ጢሞ. 3:⁠12) ቅኑዕ ሃይማኖት የለን ዝብሉ ሰባት ከኣ እዚ ዕዮ እዚ ምፍጻም ፈጺሙ ዘይከኣል ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ይኹን እምበር: የሱስ “ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ” በለ።​—⁠ማቴ. 19:⁠26

2 ክንቀድሖም ዘሎና ሰናይ ኣብ​ነታት:- የሱስ ኣገልግሎቱ ኽጅምር ከሎ: ኣብ መላእ ዓለም በይኑ ጥራይ ኢዩ ዝሰብኽ ነይሩ። ተጻረርቱ ኣሳልጦ ምእንቲ ኸይረክብ ኢሎም ብኣዝዩ ሕማቕ መገድታት ኣዋሪዶሞ ኢዮም: ኣብ መወዳእታኡ ድማ ብዘሰቅቕ መገዲ ቐተልዎ። ኣብ መወዳእታ ግን የሱስ ብምትእምማን “ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” በለ። (ዮሃ. 16:⁠33) ብሓቂ ዘደንጹ ዕማም ኢዩ ዓሚሙ!

3 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶም ተመሳሳሊ ትብዓትን ቅንእን ኢዮም ኣርእዮም። ብዙሓት ተኸትኪቶም: ተገሪፎም: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም: አረ ተቐቲሎም እውን ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: ‘ምእንቲ ስሙ ኽሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ ሕጉሳት’ ነበሩ። (ግብ. 5:⁠41) ነቲ ዘይከኣል ዝመስል “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ብስራት ናይ ምስባኽ ዕዮ ፈጺሞሞ ኢዮም።​—⁠ግብ. 1:⁠8፣ ቈሎ. 1:⁠23

4 ኣብ መዓልታዊ ናብራና ኣሳልጦ ኽንረኽበሉ እንኽእል መገዲ:- ሎሚ እውን እዚ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘይከኣል ዝመስል እኳ እንተ​ዀነ ብቕንኢ ንፍጽሞ ኣሎና። ዕዮና ደው ንምባል እገዳታት: ስደት: ማእሰርቲ: ከምኡውን እተፈላለየ ጸቕጥታት እንተ ኣጋጠመና እኳ ኣሳልጦ ግን ንረክብ ኣሎና። እዚ ኸመይ ኢሉ ኢዩ ክኸውን ክኢሉ፧ “ብመንፈሰይ እምበር: ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” (ዘካ. 4:⁠6) የሆዋ ዝድግፈና ኻብ ኰነ: ንዕዮና ዝዀነ ይኹን ነገር ክዓግቶ ኣይክእልን ኢዩ!​—⁠ሮሜ 8:⁠31

5 ክንሰብኽ ከሎና ኽንሓፍር: ክንፈርህ: ወይ ብቑዓት ከም ዘይኰንና ዀይኑ ኽስምዓና የብሉን። (2 ቈረ. 2:⁠16, 17) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ጸኒዕና ንኽንሰብኽ ዝድርኸና ኣኽል⁠-​ታርፍ ምኽንያታት ኣሎና። ብሓገዝ የሆዋ ነዚ ‘ዘይከኣል’ ዝመስል ዕዮ ኽንፍጽሞ ኢና!​—⁠ሉቃ. 18:⁠27

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ