“ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ”
1 ቀንዲ ዕዮ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ምስባኽ ኢዩ። (ማቴ. 24:14) እዚ ኣዝዩ ዓቢ ዕዮ ኢዩ። ብዙሓት ተዓዘብቲ ነዚ ንምፍጻም ካብቲ ዘሎና ጥሪት ኣጸቢቑ ዝዛይድ ነገራት ዘድሊ ዀይኑ ይስምዖም። ካልኦት ድማ ላግጺ: ምጽራር: ከምኡውን ስደት ስለ ዝወርደና ነዚ ዕዮ እዚ ምፍጻም ዘይከኣል ይመስሎም። (ማቴ. 24:9፣ 2 ጢሞ. 3:12) ቅኑዕ ሃይማኖት የለን ዝብሉ ሰባት ከኣ እዚ ዕዮ እዚ ምፍጻም ፈጺሙ ዘይከኣል ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ይኹን እምበር: የሱስ “ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ” በለ።—ማቴ. 19:26
2 ክንቀድሖም ዘሎና ሰናይ ኣብነታት:- የሱስ ኣገልግሎቱ ኽጅምር ከሎ: ኣብ መላእ ዓለም በይኑ ጥራይ ኢዩ ዝሰብኽ ነይሩ። ተጻረርቱ ኣሳልጦ ምእንቲ ኸይረክብ ኢሎም ብኣዝዩ ሕማቕ መገድታት ኣዋሪዶሞ ኢዮም: ኣብ መወዳእታኡ ድማ ብዘሰቅቕ መገዲ ቐተልዎ። ኣብ መወዳእታ ግን የሱስ ብምትእምማን “ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” በለ። (ዮሃ. 16:33) ብሓቂ ዘደንጹ ዕማም ኢዩ ዓሚሙ!
3 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶም ተመሳሳሊ ትብዓትን ቅንእን ኢዮም ኣርእዮም። ብዙሓት ተኸትኪቶም: ተገሪፎም: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም: አረ ተቐቲሎም እውን ኢዮም። እንተዀነ ግን: ‘ምእንቲ ስሙ ኽሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ ሕጉሳት’ ነበሩ። (ግብ. 5:41) ነቲ ዘይከኣል ዝመስል “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ብስራት ናይ ምስባኽ ዕዮ ፈጺሞሞ ኢዮም።—ግብ. 1:8፣ ቈሎ. 1:23
4 ኣብ መዓልታዊ ናብራና ኣሳልጦ ኽንረኽበሉ እንኽእል መገዲ:- ሎሚ እውን እዚ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘይከኣል ዝመስል እኳ እንተዀነ ብቕንኢ ንፍጽሞ ኣሎና። ዕዮና ደው ንምባል እገዳታት: ስደት: ማእሰርቲ: ከምኡውን እተፈላለየ ጸቕጥታት እንተ ኣጋጠመና እኳ ኣሳልጦ ግን ንረክብ ኣሎና። እዚ ኸመይ ኢሉ ኢዩ ክኸውን ክኢሉ፧ “ብመንፈሰይ እምበር: ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” (ዘካ. 4:6) የሆዋ ዝድግፈና ኻብ ኰነ: ንዕዮና ዝዀነ ይኹን ነገር ክዓግቶ ኣይክእልን ኢዩ!—ሮሜ 8:31
5 ክንሰብኽ ከሎና ኽንሓፍር: ክንፈርህ: ወይ ብቑዓት ከም ዘይኰንና ዀይኑ ኽስምዓና የብሉን። (2 ቈረ. 2:16, 17) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ጸኒዕና ንኽንሰብኽ ዝድርኸና ኣኽል-ታርፍ ምኽንያታት ኣሎና። ብሓገዝ የሆዋ ነዚ ‘ዘይከኣል’ ዝመስል ዕዮ ኽንፍጽሞ ኢና!—ሉቃ. 18:27