“ዘይከኣል” እንታይ ማለት እዩ፧
ታይታኒክ ብ1912 ጕዕዞኣ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ዝነበራ ዓበይትን ምሹኣትን መራኽብ እታ ዝበለጸት እያ ነይራ። ብምዕቡል ስነ ፍልጠታዊ ንድፊ ስለ እተሰርሐት፡ ከም “ዘይትጥሕል” ጌርካ እያ እትርአ ነይራ። ኣብ መወዳእታኡ እንታይ ከም ዘጋጠማ ግና ዅላትና ንፈልጦ ኢና። ኣብ ናይ መጀመርታ ጕዕዞኣ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ምስ ኵምራ በረድ ተጋጭያ፡ ምስቶም ሒዛቶም ዝነበረት ኣስታት 1,500 ዚዀኑ ገያሾ ጠሓለት። እዛ ፈጺማ ኽትጥሕል ከም ዘይትኽእል እተነግረላ መርከብ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ኣብ መዓሙቝ ውቅያኖስ ተሸሚማ ተረፈት።
እታ “ዘይከኣል” እትብል ቃል፡ ብዙሕ ትርጕም ኪህልዋ ይኽእል እዩ። ንሓደ ነገር ንኽንዋጽኣሉ፡ ንኽንፍጽሞ፡ ወይ ንኽንርድኦ ኼጸግመና ኸሎ፡ ከም ዘይከኣል ጌርና ንርእዮ ኢና። ሎሚ ዘሎ መብዛሕትኡ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለታት፡ ኣብ ሓደ እዋን ከም ዘይከኣል ጌርካ ይሕሰብ ነበረ፣ ከመይሲ፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ልዕሊ ዓቕምን ግምትን ሰብ እዩ ነይሩ። ሰብ ናብ ወርሒ ምስዳድ፡ ኣብ ምድሪ ዄንካ እትቈጻጸራ መሳርያ ናብ ማርስ ምልኣኽ፡ ንዅሉ ኽፋላት እቲ ኣብ ጂን ዚርከብ ኮድ ምፍላጥ፡ ኣብ ከባቢኻ ወይ ኣብ ዓለም ዚፍጸም ዘሎ ነገራት ብቐጥታ ብተሌቪዥን ምክትታል፡ ቅድሚ 50 ዓመት ዘይከኣል ዝነበረ፡ ሕጂ ግና ዚግበር ዘሎ ነገራት እዩ። ፕረዚደንት ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ ሮናልድ ሬገን፡ ኣብ እተፈላለየ ዓውድታት ስነ ፍልጠት ህቡባት ንዝነበሩ ሰባት ኣብ ዘቕረቦ መደረ፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ኣሕጽር ኣቢሉ ኺገልጾ ኸሎ፡ “ኣቱም ኣብ ተክኖሎጂ ዓብዪ እጃም ዘለኩም ዘበልኩም፡ ነቲ ትማሊ ዘይከኣል ዚመስል ዝነበረ ነገራት፡ ሎሚ ዚከኣል ጌርኩምዎ ኣለኹም” በለ።
ፕሮፌሰር ጆን ብሩበክ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ዚርአ ዘሎ ዜደንቕ ምዕባለታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሓደ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት፡ ሓደ ነገር ዘይመስል ከም ዝዀነ ጥራይ እዩ ኺዛረብ ዚኽእል እምበር፡ ዘይከኣል ከም ዝዀነ ኺገልጽ ኣይክእልን እዩ። ምናልባት ግና፡ ንሓደ ነገር ብመሰረት እዚ ሕጂ ዘሎና ፍልጠት ክትገልጾ ኸም ዘይከኣል ኪገልጽ ይኽእል ይኸውን” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ ሓደ ነገር ዘይከኣል ኰይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ “ብመጽናዕቲ ስነ ህይወትን ስነ ኣካልን ኣቢልና ኽንፈልጦ ዘይንኽእል፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ሓይሊ ኣምላኽ ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ጕልበት የድልየና እዩ” በለ።
ንኣምላኽ ኵሉ ይከኣሎ እዩ
ፕሮፌሰር ብሩበክ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሉ ቕድሚ ምዝራቡ ነዊሕ ይገብር፡ እቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዝዀነ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ “እቲ ንሰብ ዘይከአሎ፡ ንኣምላኽ ይከአሎ እዩ” ኢሉ ነበረ። (ሉቃስ 18:27) ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ዝበርትዐ ሓይሊ እዩ። ብተክኖሎጅያዊ መገዲ ኺዕቀን ኣይክእልን እዩ። ብናይ ገዛእ ርእስና ዓቕሚ ኽንገብሮ ዘይንኽእል ዝነበርና ነገራት ንኽንገብር ኬበርትዓና ይኽእል እዩ።
ሰባት ከም ምዃንና መጠን፡ መብዛሕትኡ እዋን ዘይከኣል ዚመስል ኵነታት የጋጥመና ይኸውን። ንኣብነት፡ እነፍቅሮ ሰብ ምስ ዚመውት ወይ ሓዳርና ምስ ዜጨንቐና ወይ ከኣ ብህይወትና ምስ እንጕሂ፡ ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን። እሞኸ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብቲ ዅሉ ዚኽእል አምላኽ ዚኣምንን መንፈስ ቅዱስ ንኺረክብ ዚጽልን ንኣምላኽ ንኼሐጕሶ ዚከኣሎ ዚገብርን ሰብ፡ ዘይስገር ንዚመስል ዕንቅፋታት ኪሰግሮ ኸም ዚኽእል ይዛረብ እዩ። የሱስ፡ “ዝዀነ ይኹን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚአምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ነዚ ኸረን፤ ተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ኢሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ማርቆስ 11:23) ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ንህይወትና ኺጸልዎ እንተ ፈቒድና፡ ክንጾሮ ወይ ክንሰግሮ ዘይንኽእል ኵነታት ኣይኪህሉን እዩ።
ንሓደ ኻብ ዚምርዖ 38 ዓመት ዝገበረን ሰበይቱ ብመንሽሮ ዝሞተቶን ሰብኣይ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ስምዒቱ ተደቝሰ። ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝዀነ ዅነታት ዘጋጠሞ ዀይኑ ተሰምዖ። ብዘይ ሰበይቱ ኻብ ዚነብር፡ ኪመውት ዝመረጸሉ እዋን እውን ነይሩ እዩ። ብርባርባ ድነ ሞት ይኸይድ ከም ዘሎ ዀይኑ ኸም እተሰምዖ እውን ተዛረበ። ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ኺሓስቦ ኸሎ ግና፡ ናይ ልቡ ኣውጺኡ ምጽላዩን መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባቡን ንመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ብዕቱብ ምድላዩን፡ ነቲ ዘይከኣል ዚመስል ጸገም ንኺዋጽኣሉ ሓጊዝዎ እዩ።
ሓደ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ሓዳሮም ኪፈርስ ቍሩብ ተሪፍዎ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ኣመና ሓራቕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብዙሕ ኣመላት እውን ነበሮ። እታ ሰበይቲ ነዚ ዅሉ ጾይራ ኽትነብር ዘይትኽእል ኰይኑ ስለ እተሰምዓ፡ ርእሳ ኽትቀትል ፈተነት። ድሕሪኡ፡ እቲ ሰብኣይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። እቲ እተማህሮ ትምህርቲ ድማ፡ ነቲ ኣመላቱ ንኺሓድጎን ንሓርቖቱ ንኺቈጻጸሮን ሓገዞ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ በቲ ሰብኣያ ዝገበሮ ዘይከኣል ዚመስል ዝነበረ ለውጢ ኣዝያ ተገረመት።
ሓደ ሓሽሽ ዚወስድን ርኹስ ናብራ ዚነብርን ዝነበረ ሰብኣይ፡ ህይወቱ ተስፋ ዜቝርጽ ከም ዝነበረ ገለጸ። “ንገዛእ ርእሰይ ነዓቕክዋ” ድማ በለ። “ጐይታ፡ ከም ዘለኻ እፈልጥ እየ። በጃኻ ሓግዘኒ!” ኢሉ ድማ ካብ ልቡ ጸለየ። ብምኽንያት ጸሎቱ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺቡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕን ኣብ ህይወቱ ዜደንቕ ለውጢ ኺገብርን ከኣለ። ከምዚ በለ፦ “መብዛሕትኡ እዋን፡ ብጣዕሳ እሳቐን ዘይረብሕ ኰይኑ ይስምዓንን ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ኣመና እድቈስ ነበርኩ። ኰይኑ ግና፡ ቃል ኣምላኽ ነዚ ስምዒታት እዚ ንኽቃለሶ ሓጊዙኒ እዩ። ድቃስ ኪኣብየኒ ኸሎ፡ ነቲ እተመሃርክዎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እደግሞ። እዚ ኸኣ ንኣእምሮይ ካብ ሕማቕ ኣተሓሳስባ ንኸጽርዮ ሓጊዙኒ እዩ።” እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ሕጂ ሕጉስ ሓዳር ኣለዎ። ንሱን ሰበይቱን ንኻልኦት ሰባት ብሓይሊ ቓል ኣምላኽ ንኺተኣማመኑ ብንጥፈት ይሕግዝዎም ኣለዉ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ንእስነቱ ዘጋጠሞ ጸገማት፡ ነዚ ሕጂ ዘለዎ ህይወት ከም ዘይከኣል ገይሩ ይሓስቦ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
እዚ ተመክሮታት እዚ፡ ቃል ኣምላኽ ብሓቂ ሓያል ምዃኑ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ዘይከኣል ዚመስል ዝነበረ ነገራት ኣብ ህይወትና ኺፍጽም ከም ዚኽእል ዜርኢ እዩ። “እዚ እምነት ይሓትት እዩ” ትብል ትኸውን። እወ፡ ይሓትት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ብዘይ እምነት . . . ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ” ይብል እዩ። (እብራውያን 11:6) ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ኣካያዲ ባንክ ወይ ብዓል ስልጣን ዝዀነ ናይ ቀረባ ፈታዊኻ፡ “ኣጆኻ ኣይትጨነቕ። ዜድልየካ ነገር እንተ ኣልዩ፡ ንዓይ ሕተተኒ” ይብለካ። እዚ መብጽዓ እዚ ኸም ዜጸናንዓካ ኣየጠራጥርን እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ መብዛሕትኡ እዋን፡ ሰባት መብጽዓኦም ኣይፍጽሙን እዮም። ምናልባት እቲ ፈታዊኻ፡ ነቲ ኻብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሱ ዝኣተወልካ መብጽዓ ንኸይፍጽሞ ዚዓናቕፎ ዅነታት ኣጋጢምዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ፈታዊኻ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ንዓኻ ንምሕጋዝ ዝነበሮ ሓሳብን ክእለትን ብሃንደበት ኬቋርጽ ይኽእል እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ንደቂ ሰብ ኬጋጥሞም ዚኽእል ሃንደበታዊ ነገራት ንኣምላኽ ኪጸልዎ ኣይክእልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ንኣምላኽ ዚሰአኖ ነገር የልቦን’ ኢሉ የረጋግጸልና እዩ።—ሉቃስ 1:37።
“እዚዶ ትአምኒ ኢኺ፧”
ንሓቅነት እታ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናያ ጥቕሲ ዜረጋግጽ ብዙሕ ፍጻመታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ንረክብ ኢና። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።
ሓንቲ ሳራ ዝስማ ጓል 90 ዓመት ሰበይቲ፡ ወዲ ኸም እትወልድ ምስ ተነግራ ሰሓቐት፣ ኰይኑ ግና፡ እስራኤላውያን ዚብሃሉ ህዝቢ ምንባሮም፡ እቲ እተነግራ ነገራት ከም እተፈጸመ ዜርኢ እዩ። ሓደ ሰብኣይ ብዓብዪ ዓሳ እኳ እንተ ተዋሕጠ፡ ኣብ ከብዲ እቲ ዓሳ፡ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ፣ ካብኡ ድሒኑ ኸኣ ታሪኹ ኺጽሕፍ ከኣለ። እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ዮናስ ይብሃል። እቲ ኣብ መንጎ ሃለዋትካ ምጥፋእን ሞትን ዘሎ ፍልልይ ዚፈልጥ ሓኪም ዝነበረ ሉቃስ፡ ሓደ ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ፡ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ኻብ ዚርከብ መስኰት ወዲቑ ኸም ዝሞተን መሊሱ ኸም ዝተንስአን ገሊጹ ነበረ። እዚ ጽውጽዋይ ኣይኰነን። ነቲ ጸብጻባት ተጠንቂቕና ብምምርማር፡ ሓቅነቱ ኸነረጋግጽ ንኽእል ኢና።—ዘፍጥረት 18:10-14፣ 21:1, 2፣ ዮናስ 1:17፣ 2:1, 10፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:9-12።
የሱስ ነታ ፈታዊቱ ዝነበረት ማርታ፡ “ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚአምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ” ብምባል ዜደንቕ ነገር ነገራ። ብዛዕባ እዚ መብጽዓ እዚ ድሕሪ ምዝራቡ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “እዚዶ ትአምኒ ኢኺ፧” ኢሉ ኣገዳሲ ሕቶ ሓተታ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ተጠንቂቕና ኽንሓስበላ ኣሎና።—ዮሃንስ 11:26።
ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ዘይከኣል ድዩ፧
ሕግን ነዊሕ ዕድመን ብዛዕባ ዘለዎ ምትሕሓዝ ዚገልጽ ሓደ ጽሑፍ፡ “ካብዚ ሕጂ እንነብሮ ዘለና ንላዕሊ፡ ምናልባት እውን ንዘለኣለም እንነብረሉ እዋን ርሑቕ ከይከውን ይኽእል እዩ” በለ። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኸም ዝገለጾ፡ ጠንቂ ሞት፡ ዋህዮታት ስለ ዚኣርጉን ስለ ዚሞቱን ወይ ካልእ መስርሕ ስለ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ንኣካላዊ መስርሕ ዜበላሽዎ ወይ ደው ዜብሎ ኻልእ ዘይፍለጥ ረቛሒታት ስለ ዘሎ ክኸውን ይኽእል እዩ።a ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ንኣካላትና ኸም ዚኣርግ ዚገብሮ ዘይፍለጥ መስርሕ ከም ዘሎ ይኣምኑ እዮም።
እዚ ዅሉ ኣቓልቦ ዚስሕብ እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘለኣለም ክንነብር ከም እንኽእል ንኽንኣምን ዚሕግዘና፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ርትዓዊ መረዳእታን ስነ ፍልጠትን ዚበልጽ ምኽንያታት ይህብ እዩ። እቲ ፈጣሪናን ምንጪ ህይወትን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ‘ንሞት ንሓዋሩ ኸም ዚውሕጦ’ ተመባጺዑ ኣሎ። (መዝሙር 36:9፣ ኢሳይያስ 25:8) እዚዶ ትኣምን ኢኻ፧ ምንጪ እቲ መብጽዓ የሆዋ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ኪሕሱ ኣይክእልን እዩ።—ቲቶስ 1:2።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ እርጋንን ዕምርን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓቲማ ኣብ ናይ ግንቦት 2006 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ንኽንደይ ዓመት ኢኻ ኽትነብር እትኽእል፧” ዘርእስቱ ገበር ዘለዋ መጽሔት ርአ።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
‘ትማሊ ዘይከኣል ዚመስል ዝነበረ ነገራት፡ ሎሚ ተኻኢሉ እዩ።’ —ሮናልድ ሬገን
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣብ ህይወትካ ዘይከኣል ዚመስል ነገራት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኣብ መን ኢኻ እትውከል፧
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
NASA photo