ተኣምራት ብሓቂዶ ኺፍጸም ይኽእል እዩ፧ ብተደጋጋሚ ዚስማዕ ሰለስተ ተቓውሞ
ተቓውሞ 1፦ ተኣምራት ንሕግታት ተፈጥሮ ዚጥሕስ ብምዃኑ፡ ኪፍጸም ዚኽእል ኣይኰነን። ንሕግታት ተፈጥሮ ብዚምልከት ዘሎና ፍልጠት፡ ኣብቲ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ኪፍጸም ኣብ እተዓዘብዎ ነገር ተመርኲሶም ኣብ ዚህብዎ ሓበሬታ ጥራይ እዩ ዚምርኰስ። ይኹን እምበር፡ እዚ ሕግታት እዚ፡ ምስ ሕጊ ሰዋስው ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ከምቲ ኣብ ሕጊ ሰዋስው ብሕጊ ዘይቅየድ ፍሉይ ኵነታት ኪህሉ ዚኽእል ኣብዚ እውን ከምኡ እዩ። እቲ ብዛዕባ ሕግታት ተፈጥሮ ዘሎና ፍልጠት ኣዝዩ ውሱን ኪኸውን ይኽእል እዩ። (እዮብ 38:4) ሓደ ውፉይ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት፡ ብዛዕባ ሕጊ ተፈጥሮ ንሓያሎ ዓመታት የጽንዕ ይኸውን። ሓደ “ፍሉይ ነገር” ምስ ረኸበ ግና፡ ነቲ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ዘለዎ ፍልጠት እንደገና ንኺምርምሮ ኺግደድ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኵለን ደርሆ ማይ ጸዓዱ እየን ዚብል ክልሰ ሓሳብ እንተ ደኣ ኣልዩ፡ ሓንቲ ጸላም ደርሆ ማይ ምስ ተረኽበት፡ እቲ ኽልሰ ሓሳብ ኪፈርስ ይኽእል እዩ።
ኣብ ዘይጭቡጥ ነገራት ተመርኲስካ ርእይቶ ኽትህብ ቀሊል ምዃኑ ዜርኢ ዜስሕቕ ዛንታ እውን ኣሎ። ጆን ሎክ (1632-1704) እተባህለ ፈላስፋ፡ ብዛዕባ ሓደ ሆላንዳዊ ኣምባሳደርን ንጉስ ሲያምን ዚገልጽ ዛንታ ኣዘንትዩ ኣሎ። እቲ ኣምባሳደር ነቲ ንጉስ ብዛዕባ ሃገሩ ኺገልጸሉ ኸሎ፡ ኣብ ሆላንድ ሓድሓደ ግዜ ሓርማዝ ኣብ ልዕሊ ማይ ኪኸይድ ከም ዚኽእል ነገሮ። እቲ ንጉስ ነቲ ሓሳብ ነጸጎ፡ እቲ ኣምባሳደር ከም ዝሓሰዎ ዀይኑ ኸኣ ተሰምዖ። እቲ ኣምባሳደር ግና፡ ነቲ ንጉስ ርእይዎ ዘይፈልጥ ነገር እዩ ዚነግሮ ነይሩ። እቲ ንጉስ፡ ማይ ናብ በርድ እንተ ተቐይሩ፡ ሓርማዝ ኪስከም ከም ዚኽእል ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ምሉእ ፍልጠት ስለ ዘይነበሮ ድማ፡ እዚ ፈጺሙ ዘይከኣል ኰይኑ ተሰምዖ።
ገለ ኻብቲ ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር ዘይከኣል ዚመስል ዝነበረ ዘመናዊ ምዕባለታት እስከ ንርአ።
● ሓንቲ ነፋሪት ልዕሊ 800 ሰባት ሒዛ፡ ኣብ ሰዓት 900 ኪሎ ሜተር እናተጓዕዘት፡ ካብ ኒው ዮርክ ተበጊሳ ብቐጥታ ናብ ሲንጋፖር ክትበጽሕ ትኽእል።
● ኣብ እተፈላለየ ኽፍለ ዓለም ዚነብሩ ሰባት፡ ኣብ ዘዘለውዎ ዀይኖም ብቪድዮ ብዚግበር ኣኼባታት ገጽ ንገጽ እናተረኣኣዩ ኺዛተዩ ይኽእሉ።
● ብኣሽሓት ዚቝጸር መዝሙራት ኣብ ሓንቲ ኻብ ሳጹን ክርቢት እትንእስ መሳርሒት ኪኽዘን ይኽእል።
● ሓኻይም መጥባሕቲ ገይሮም፡ ልብን ካልእ ክፍሊ ኣካላትን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ኬሳግሩ ይኽእሉ።
ካብዚ ኽዉን ነገራት እዚ እንታይ ኢልና ኢና ኽንድምድም እንኽእል፧ ሰባት ሒደት ዓመታት ይገብር ዘይከኣል ዚመስል ዝነበረ ነገር ኪገብሩ ኻብ ከኣሉ፡ እቲ ንዩኒቨርስን ነቲ ኣብኡ ዘሎ ዅሉ ነገራትን ዝፈጠረ ኣምላኽ፡ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኣና ዘይክእል ወይ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ኽንቀድሖ ዘይንኽእል ዜደንቕ ነገራት ኪገብር ከም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ።a—ዘፍጥረት 18:14፣ ማቴዎስ 19:26።
ተቓውሞ 2፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ምእንቲ ኼእምን፡ ኣብ ተኣምራት እዩ ዚምርኰስ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ተኣምራት ክንኣምኖ ኣይነግረናን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ከምኡ ኸይንገብር እዩ ዚመኽረና። ኣብ ተኣምራትን ግብርታት ሓይልን ብቐሊሉ ኸይንኣምን የጠንቅቐና እዩ። ነዚ ዚስዕብ መጠንቀቕታ እሞ ኣቕልበሉ፦ “እቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ሰይጣን እዩ ዚኸውን።”—2 ተሰሎንቄ 2:9, 10።
የሱስ ክርስቶስ እውን ሓያሎ ሰባት ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ዘይኰኑ ኽነሶም፡ ሰዓብቱ ምዃኖም ከም ዚገልጹ ኣጠንቂቑ ኣሎ። አረ ገሊኣቶምሲ ሕሉፍ ሓሊፎም፡ “ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ [“ተኣምራትዶ፡” ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን] ኣይገበርናን፧” ከም ዚብልዎ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 7:22) ይኹን እምበር፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ከም ሰዓብቱ ኣይኪቕበሎምን እዩ። (ማቴዎስ 7:23) ስለዚ እምበኣር፡ የሱስ ምንጪ ዅሉ ተኣምራት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣይመሃረን።
ኣምላኽ ንኣምለኽቱ ኣብ ተኣምራት ጥራይ ተመርኲሶም ኪኣምኑ ኣይነገሮምን። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እምነት ኣብ መርትዖ እተመስረተት ክትከውን ከም ዘለዋ እዩ ዚገልጽ።—እብራውያን 11:1።
ንኣብነት፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ኣዝዩ ፍሉጥ ተኣምራት እስከ ንመርምር። እዚ ኸኣ ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ድሕሪ እዚ ፍጻመ እዚ ዓመታት ምስ ሓለፈ፡ ገለ ኻብቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ብትንሳኤ የሱስ ኪጠራጠሩ ጀመሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ብኸመይ ሓገዞም፧ “ዝያዳ እምነት ይሃልኹም” ጥራይ ድዩ ኢልዎም፧ ኣይፋሉን። ብዛዕባ እተረጋገጸ መርትዖታት ብኸመይ ከም ዘዘኻኽሮም እሞ ኣስተብህል። ብዛዕባ የሱስ፡ “ተቐብረ . . . ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ፡ ንኬፋ፡ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ፡ ድሕሪኡ፡ ዚበዝሑ ኻባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ፡ . . . ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ” በሎም።—1 ቈረንቶስ 15:4-8።
እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም፡ ኣብዚ ተኣምር እዚ ምእማኖም ኣገዳሲ ድዩ ነይሩ፧ ጳውሎስ ቀጺሉ፡ “ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ” በለ። (1 ቈረንቶስ 15:14) እወ፡ ነቲ ጕዳይ እቲ ኣቕሊሉ ኣይረኣዮን። እቲ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ዚገልጽ ተኣምር ሓቂ ወይ ሓሶት እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ከኣ እቲ ተኣምር ሓቂ ኸም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ከመይሲ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ብህይወት ዝነበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነይሮም እዮም። አረ፡ እቶም መሰኻኽርሲ፡ ነቲ ዝረኣይዎ ኻብ ምኽሓድ፡ ሞት እዮም ዚመርጹ ነይሮም።—1 ቈረንቶስ 15:17-19።
ተቓውሞ 3፦ ተኣምራት፡ ዘይተማህሩ ሰባት ብጌጋ ዚርድእዎ ባህርያዊ ተርእዮ እዩ። ገሊኦም ምሁራት ድማ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ተኣምራት፡ መለኮታዊ ጽልዋ ዘይብሉ ባህርያዊ ፍጻመታት ጥራይ ከም ዝዀነ ገይሮም ኪገልጽዎ ይፍትኑ። እዚ መገለጺ እዚ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ጸብጻባት ዝያዳ ኸም ዚእመን ዚገብሮ ዀይኑ ይስምዖም። ከም ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ፌራ፡ መደራጋሕ ዝኣመሰለ ገሊኡ ባህርያዊ ፍጻመታት ምስ ተኣምራት ተተሓሒዙ ምህላዉ ዘይከሓድ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓባራዊ ነገር ግና ኣለዎ። እቶም ምሁራት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ፡ እቲ ተኣምር እተፈጸመሉ ግዜ ዕሽሽ እዮም ዚብልዎ።
ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዝወረደ ናይ መጀመርታ መዓት፡ ማለት እቲ ርባ ናብ ደም ምቕያሩ፡ ፍላግለይት ዚብሃሉ ቐያሕቲ ነፍሳት ምስ ቀይሕ ሓመድ ተሓዋዊሶም ነቲ ርባ ሕብሩ ስለ ዝቐየርዎ ምዃኑ ርእይቶ ይህቡ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ እቲ ርባ ናብ ደም ከም እተቐየረ ደኣ እምበር፡ ቀይሕ ጭቃ ኸም ዘይኰነ እዩ ዚገልጽ። ንዘጸኣት 7:14-21 ተጠንቂቕና ምስ እነንብባ፡ እዚ ተኣምር እዚ፡ ኣሮን ብመሪሕነት ሙሴ ነቲ ርባ ብበትሩ ምስ ወቕዖ ኸም እተፈጸመ ኽንርዳእ ንኽእል። እቲ ርባ ናብ ቀይሕ ምቕያሩ ባህርያዊ ፍጻመ እንተ ዚኸውን ነይሩ እውን፡ ኣሮን ነቲ ርባ ዚወቕዓሉ ግዜ ንርእሱ ተኣምራዊ እዩ ነይሩ።
ተኣምር እተፈጸመሉ ግዜ ኣገዳሲ ምዃኑ ዚሕብር ካልእ ኣብነት ከኣ ንርአ። እዚ ድማ፡ እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ኸለዉ እተፈጸመ ነገር እዩ። እቲ እስራኤላውያን ዚሓልፉሉ መገዲ፡ ብርባ ዮርዳኖስ ተዓጊቱ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ቀጺሉ እንታይ ከም እተፈጸመ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “እቶም ታቦት ዚጾሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑ፡ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ . . . እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ዝነበረ ማይ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ደው በለ እሞ ኣብታ . . . ኣዳም እትብሀል ከተማ ሓደ ዅምራ ዀይኑ ቘመ።” (እያሱ 3:15, 16) እዚ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ወይ ብመደራጋሕ ድዩ ተፈጺሙ፧ እቲ ጸብጻብ ከምኡ ኣይብልን እዩ። እቲ ነገር እተፈጸመሉ ግዜ ግና፡ ተኣምራዊ እዩ ነይሩ። ልክዕ ኣብቲ የሆዋ ኺፍጸም እተዛረበሉ እዋን ከኣ እዩ ተፈጺሙ።—እያሱ 3:7, 8, 13።
ስለዚ እምበኣር፡ ተኣምራት ዚብሃል ፍጻመታት ኣሎ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም ዘሎ እዩ ዚነግረና። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ፍጻመታት ባህርያዊ ተርእዮ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ እቲ ፍጻመታት እቲ፡ መዓልታዊ ዘይፍጸም ብምዃኑ ጥራይ፡ ‘ኪኸውን ዘይክእል ነገር እዩ’ ምባልሲ ርትዓዊ ድዩ፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብህላወ ኣምላኽ ትጠራጠር እንተ ዄንካ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ ከምኡውን፡ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ ዘርእስተን ብሮሹራት ርአ፣ ወይ ድማ ነቲ ነዛ መጽሔት እዚኣ ዝሃበካ ሰብ ዝያዳ ሓበሬታ ኺህበካ ሕተቶ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሰዓት ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ብነፋሪት ክትጓዓዝ ዘይከኣል ኰይኑ ይስምዖም ነበረ