ኣብዚ ዕዮ ቐውዒ እዚ ምሉእ ተሳትፎ ይሃሉኻ
1 ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት የሆዋ ይኹኑ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ናይ ምእካብ ዕዮ ተዛሪቦም ኢዮም። (ኢሳ. 56:8፣ ህዝ. 34:11፣ ዮሃ. 10:16) ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይስበኽ ስለ ዘሎ እዚ ዕዮ እዚ ይፍጸም ኣሎ ኽበሃል ይከኣል ኢዩ። (ማቴ. 24:14) ኣብ መንጎ እቶም ንኣምላኽ ዘገልግሉን ዘየገልግሉን ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ንጹር ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። (ሚል. 3:18) እዚ ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
2 ብብሕቲ እንስከሞ ሓላፍነት:- ካብ ኣብነት ናይቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት መሪሕነት ብምውሳድ ምሉእ ተሳትፎ ዝገበረ ጳውሎስ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ኵሎም ሰባት ነቲ ብስራት ሰሚዖም ንኽድሕኑ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኽረኽቡ ንኽሰብከሎም ዕዳ ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዖ። እዚ ድማ ምእንትኦም ኣበርቲዑ ንኽዓዪ ደረኾ። (ሮሜ 1:14-17) ነዚ ሎሚ ዘሎ ፈታኒ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም ኣብ ዞባና ዝርከቡ ሰባት ንምስባኽ ዝያዳ ሓላፍነትዶ ኸይኰነ ዘሎና፧—1 ቈረ. 9:16
3 ቅልጡፍ ስጕምቲ እንወስደሉ እዋን:- ዕዮ ስብከት ምስ ኣብ ሓደጋ ንዘለዉ ሰባት ኣናዲኻ ናይ ምድሓን ዕዮ ይመሳሰል ኢዩ። ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ቕድሚ ምዃኑ ንሰባት ረኺብና ናብ ድሕነት ክንመርሖም ኣሎና። ውሱን ግዜ ጥራይ ኢዩ ዘሎና። ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ! የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” ምባሉ ኣየገርምን ኢዩ።—ማቴ. 9:38
4 ብዙሓት ዓየይቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንህጹጽነት ናይዚ ግዜ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብዚ ህይወት ዘድሕን ዕዮ ንዝገብርዎ ተሳትፎ ወሲኾምሉ ኢዮም። ሓደ ሂሮሂሳ ዝበሃል ኰተቴ ምስ ኣዲኡን ኣርባዕተ ኻብኡ ዝንእሱ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ይነብር ነበረ። ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ተሲኡ ጋዜጣታት ብምብጽጻሕ ንስድርኡ ብቝጠባዊ መዳይ ይሕግዝ ነበረ። ይኹን እምበር: ሂሮሂሳ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ተሳትፎ ኽገብር ደለየ: ስለዚ ስርዓታዊ ፓይነር ኰይኑ ኸገልግል ጀመረ። ንስኻኸ ኣብዚ ፈጺሙ ዘይድገም ዕዮ ምሉእ ተሳትፎ ኽትገብረሉ እትኽእል መገድታትዶ ኣሎ፧
5 “እቲ ዘመን ሓጺር እዩ።” (1 ቈረ. 7:29) ስለዚ ኣብዚ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዝግበር ዘሎ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ዕዮ: ማለት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን: ዝከኣለና ዅሉ ንግበር። የሱስ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ምስ ዕዮ ቐውዒ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። (ማቴ. 9:35-38) ኣብዚ ቐውዒ እዚ ምሉእ ተሳትፎ ብምግባር: ንገለ ሰባት ክፍሊ ናይቶም ኣብ ራእይ 7:9, 10 ተገሊጾም ዘለዉ ንኣምላኽ ዘምልኹ ዓቢ ጭፍራ ክዀኑ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።