ልቢ ተማሃራይካ ተንክፍ
1 የሱስ ቅድሚ ምዕራጉ: ደቀ መዛሙርቱ ንኻልኦት ሰባት ንዅሉ እቲ ዝኣዘዞም ነገራት “ኺሕልዉ” ኽምህርዎም ኣዘዞም። (ማቴ. 28:19, 20) ሓደ ሰብ ንትእዛዛት ክርስቶስ ‘ክሕሉ’ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ መልእኽቲ ንልቡ ኽትንክፎ ኣለዎ። (መዝ. 119:112) ንሓደ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረሉ ሰብ ከመይ ገይርካ ልቡ ኽትትንክፎ ትኽእል፧
2 የሆዋ ኽመርሓካ ጸሊ:- ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ናይ ኣምላኽ ዕዮ ኢዩ። ኣብዚ ዕዮ እዚ ኣሳልጦ ዝርከብ ብኽእለትና ዘይኰነስ ብበረኸት ኣምላኽ ኢዩ። (ግብ. 16:14፣ 1 ቈረ. 3:7) ስለዚ: ንኻልኦት ሓቂ ኽንምህሮም ከሎና የሆዋ ኽሕግዘና ምጽላይ ኣገዳሲ ኢዩ።—ነህ. 2:4፣ ኢሳ. 50:4
3 እቲ ተማሃራይ እንታይ ከም ዝኣምን ኣስተብህል:- ሰባት እንታይ ከም ዝኣምኑን ስለምንታይ ከምኡ ኢሎም ከም ዝኣምኑን ምፍላጥ: ልቦም ንምትንካፍ እንታይ ክንብል ከም ዝግባእ ንኸነስተውዕል ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ነቲ ተማሃራይ ገሊኡ ትምህርትታት ዝስሕቦ ስለምንታይ ኢዩ፧ ነዚ ትምህርቲ ኽኣምኖ ዝኸኣለ እንታይ መርትዖ ስለ ዝረኸበ ኢዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ብምስትውዓል ንኽንዛረብ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።—ግብ. 17:22, 23
4 ርትዓውን ቅዱስ ጽሑፋውን መረዳእታ ኣቕርብ:- ሓቂ ነቲ ተማሃራይ ርትዓዊ ክዀነሉ ኣለዎ። (ግብ. 17:24-31) ብዛዕባ ተስፋና ቕቡል ምኽንያት ክንህብ ኣሎና። (1 ጴጥ. 3:15) እንተዀነ ግን: ኵሉ ሳዕ ብሕያውነትን ብዓቕልን ይኹን።
5 ብምሳሌታት ኣሰኒኻ ኣቕርቦ:- ምሳሌታት ነቲ ተማሃራይ ብቐሊሉ ኸም ዝርድኦ ምግባር ጥራይ ዘይኰነስ ንስምዒትና እውን የለዓዕሎ ኢዩ። ኣእምሮን ልብን ዝትንክፍ ኢዩ። የሱስ ብተደጋጋሚ ይጥቀመሉ ነበረ። (ማር. 4:33, 34) ልክዕ ኢዩ: እቲ ምሳሌ ውጽኢታዊ ምእንቲ ክኸውን ምስቲ ጕዳይ ዝሰማማዕን ምስ ህይወት እቲ ተማሃራይ ዝተሓሓዝን ክኸውን ኣለዎ።
6 ሓቂ ብምቕባል ዝርከብ ረብሓታት ኣርኢ:- ሰባት እቲ ዝማሃርዎ ነገራት እንታይ ረብሓታት ከም ዘለዎ ኽፈልጡ ይደልዩ ኢዮም። ተማሃራይካ ነቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:14-17 ዝርከብ ቃላት ጳውሎስ ንኽግንዘቦ ሓግዞ።
7 ገሊኣቶም ንትምህርትኻ እንተ ዘይሰሚዖምዎ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኵሉ ልቢ ኣይኰነን ሓቂ ዝቕበል። (ማቴ. 13:15፣ ዮሃ. 12:40) እንተዀነ ግን: ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ኣመንቲ ይዀኑ ኢዮም። (ግብ. 17:32-34) በቲ ብስራት ገይርካ ንኣልባብ ሰባት ንምትንካፍ እትገብሮ ጻዕሪ ብዙሓት ሰባት ነቲ የሱስ ዝኣዘዞ ንኽቕበልዎን ‘ንኽሕልዉዎን’ ይደግፎም።