ንኸይንሰብኽ ዕንቅፋት ይዀነና ድዩ፧
1 ብዙሓት ሰባት ብስራሕ ትሑዛት ኢዮም። ካብቶም ብስራሕ ኣዝዮም ትሑዛት ዝዀኑ ሰባት ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም። ገለ ካብቲ ትሑዛት ዝገብሮም ከኣ ቃል ኣምላኽ ምጽናዕ: ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምክፋል: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስታፍ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ዓለማዊ ዕዮ: ዕዮ ገዛ ወይ ዕዮ ቤት ትምህርትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓላፍነታትን ግዜ ዝወስድ ብምዃኑ ትሑዛት ይገብረና ኢዩ። እዚ ብፍላይ ንርእሲ ስድራቤታት በዳሂ ኢዩ።
2 ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዘሎ ቍጠባዊ ዅነታት ሕማቕ ብምዃኑ ርእሲ ስድራቤታት ድራር ዕለቶም ንምምእራር ነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ የድልዮም ይኸውን። ኣብቲ ንዝበዝሕ ግዜኦምን ሓይሎምን ዝወስደሎም ዓለማዊ ስራሕ ምስ ተጸምዱ ድማ ንዕዮ ስብከት ዝኸውን ግዜን ሓይልን ይስእኑ። ንስድራቤቶም ብስጋዊ ነገራት ዘድልዮም ንኸማልኡሎም ግዴታ ስለ ዘለዎም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብዙሕ ከበርክቱ ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዖም። (1 ጢሞ. 5:8) ምስቲ ንህይወትና ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ምድላይ እተተሓሓዘ ብዙሕ ጸቕጥታት ከም ዘሎ ዝከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ናይ ሓደ ሰብ ዓለማዊ ስራሕ ነቲ ብስራት ንኸይሰብኽ ዕንቅፋት ክዀኖ የብሉን። (ማር. 13:10) ስለዚ እምበኣር: ኵነታትና ብሓቂ ኽንምርምር ይግብኣና ኢዩ።
3 ዅነታት እዛ ዓለም እዚኣ ዅሉ ግዜ ተቐያያሪ ስለ ዝዀነ: ሓደ ርእሲ ስድራቤት ኣብ ዝመጽእ ከጋጥሞ ንዝኽእል ቅልውላው ዘሕውየሉ ዘተኣማምን ገንዘብ ንምውህላል ኢሉ ኣብ ስራሕ ብዙሕ ግዜ ከሕልፍ ይደሊ ይኸውን። (1 ቈረ. 7:31 NW ) ተወሳኺ ዓለማዊ ስራሕ ዝያዳ ስጋዊ ነገራት ከም እትረክብ ዝገብር ወይ ንምዝንጋዕ ዝኸውን ተወሳኺ ኣጋጣሚታት ዝኸፍት እኳ እንተዀነ: መንፈሳዊ ነገራትን ኣኼባታትን ሰዊእካ ዝግበር እንተድኣ ዀይኑ ነታ ስድራቤት ሓጐስን ዝያዳ ዕግበትን ከምጽኣላዶ ይኽእል ኢዩ፧ ንመንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ኸውድቕ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ከነርሕቕ ከም እንደሊ ርግጽ ኢዩ። ነቲ ‘ኣብ ሰማይ መዝገብ ክንገብር’ ከምኡውን “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ክንከውን የሱስ ዝሃበና ምኽሪ ምስዓብ ጥበባዊ መገዲ ኢዩ።—ማቴ. 6:19-21፣ ሉቃ. 12:15-21
4 ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ:- የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንመንፈሳዊ ነገራት ልዕሊ ዅሉ ከቐድምዎ ምሂርዎም ኢዩ። “እንታይ ንበልዕ: እንታይ ንሰቲ: እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ” ብምባል ተላበዎም። ስለምንታይ ኢዩ ከምዚ ዝበሎም፧ ቀጺሉ “እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም: ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ” በለ። ነዚ ብሓቂ ንኣምነሉ እንተድኣ ዄንና: ነቲ የሱስ ቀጺሉ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ [ኣድላዪ ዝዀነ ስጋዊ ነገራት] ድማ ይውሰኸልኩም” ዝበሎ ንኸይንፍጽም ክገብረና ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ኣይክህሉን ኢዩ። ኣምላኽ ዘድልየና ከይሃበ ኣይገድፈናን ኢዩ! (ማቴ. 6:31-33) ሎሚ ናብራና ንምምእራር ኢልና ዘየድሊ ጭንቀት ብምሕዳር ወይ ድማ ኣብዚ ድሕሪ ቐረባ እዋን ዝሓልፍ ኣገባብ ምቹእ ኵነታት ክህልወና ዝብል ባህጊ ብምሓዝ ኣቓልቦና ኸም ዝስረቕ ክንገብር ግዜኡ ኣይኰነን።—1 ጴጥ. 5:7፣ 1 ዮሃ. 2:15-17
5 ቀንዲ ዕላማ ዓለማዊ ስራሕ ስጋዊ ነገራት ንምምእራር ኢዩ። ይኹን እምበር: ክንደይ ኢዩ ዘድልየና፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና” ኢሉ ጸሓፈ። ካብኡ ንላዕሊ ክንረክብ ዲና ንጽዕር ዘሎና፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ እቲ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ዝሃበና መጠንቀቕታ ኽበጽሓና ይኽእል ኢዩ:- “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ።” (1 ጢሞ. 6:8, 9፣ ማቴ. 6:24፣ ሉቃ. 14:33) መጠኑ ዝሓለፈ ባህግታት ብምሕዳር ንገዛእ ርእስና ዕንቅፋት ንፈጥር ምህላውና ብኸመይ ኢና ክንፈልጥ እንኽእል፧
6 ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ብምጕያይ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንማለቱ ጥራይ ንሳተፍ እንተድኣ ዄንና ወይ ከኣ ምእንቲ ወንጌል መስዋእቲ ኽንገብር ከም ዘሎና ዘይንግንዘብ እንተድኣ ዄንና ኣብቲ ቐዳምነት ክንህቦ ዘድልየና ነገራት ምትዕርራይ ምግባር ከድልየና ኢዩ። (እብ. 13:15, 16) ንኣገልግሎትና ዕንቅፋት ዝዀነና ነገር ንምውጋድ ክሕግዘና ዝኽእል ዝበለጸ መገዲ ሚዛናዊ ናብራ ምሓዝ ኢዩ። ንግዜናን ጕልበትናን ብግቡእ ብምጥቃም ዝመጸ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ኣብ ህይወትና ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ።
7 ንኸንቱ ዘይኰነ ጻዕሪ:- ጳውሎስ ‘ጻዕርና ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥና: ብዕዮ ጐይታ ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት’ ክንከውን ኣተባቢዑና ኢዩ። (1 ቈረ. 15:58) እቲ ዝበለጸ “ዕዮ ጐይታ” ዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ኢዩ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ኣብዚ ዕዮ እዚ ብዝከኣለና መጠን ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንካፈል: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንግራት ኣገልግሎት ዝኸውን ግዜ ኽንምድብ: ነቲ ግዜ እቲ ድማ ንኻልእ ዕላማ ኸይንጥቀመሉ ክንጽዕር ከድልየና ኢዩ። (ኤፌ. 5:15-17) ድሕርዚ ዓለማዊ ስራሕ ይኹን ዝዀነ ይኹን ካልእ ነገራት ንኣገልግሎትና ዕንቅፋት ኣይክኸውንን ኢዩ።
8 ንኻልኦት ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምክፋል ርእስና ምስ እንውፊ ነቲ ካብ ምሃብ ዝርከብ ዝበለጸ ሓጐስ ከነስተማቕር ኢና። (ግብ. 20:35) ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብምክፋል ብዛዕባ መጻኢ ብምትእምማን ክንጽበ ንኽእል ኢና: ከመይሲ ‘ኣምላኽ ግብርናን ንስሙ ዝገበርናዮ ፍቕርናን ዝርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።’—እብ. 6:10