ኣዚኹም ትሑዛት ዲኹም፧
1 ጳውሎስ ‘ብዕዮ ጐይታ ኵሉ ግዜ ዕዙዛት ክንከውን’ ኣዘኻኺሩና ኢዩ። (1 ቈረ. 15:58) መዓልቲ መዓልቲ ብሕታዊ መጽናዕቲ ምግባር: ኣብቲ ኣገልግሎት ምስታፍ: ኣኼባታት ብዘይምቍራጽ ምክፋል: ከምኡውን ነቲ ናይ ጉባኤ መዝነታት ብትግሃት ናይ ምሕላይ ልምዲ ክህልወና ተተባቢዕና ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ናትና ሓገዝ ንዝደልዩ ካልኦት ሰባት ክንድግፎም ኣሎና። ብዙሕ ዝዕየ ስለ ዘሎና: ነቲ ናይ ዕዮና ጾር እነጕድለሉ መገድታት ከነናዲ ብምሕሳብ: ሓድሓደ ግዜ ዓቕልና ክጸበና ይኽእል ኢዩ።
2 ሓድሓደ ንጥፈታት ምውጋድ ወይ ዓቐኖም ምጕዳል ጥበባውን ምኽንያታውን ዝዀነሉ ኵነታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ኵሉ ካልኦት ዝደልይዎ ነገራት ክገብሩ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ኰይኑ ይስምዖም። በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ ሚዛን ምስሓት ኣብ መወዳእታኡ ኣዕናዊ ዝዀነ ጸቕጥን ወጥርን ከስዕብ ይኽእል ኢዩ።
3 ሚዛናውያን ኵኑ:- ሚዛን ንምሕላው እቲ ኣውራ ዘድሊ ነገር ኣብቲ ‘ዝሓሸ ምምርማር’ ዝብል ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምኽሪ እተመርኰሰ ኢዩ። (ፊል. 1:10) እዚ ብቐሊሉ ኣብቲ ብሓቂ ዘገድስ ነገር ምትኳር: ግዜን ኵነታትን እንተድኣ ኣፍቂዱ ድማ: ንኡስ ኣገዳስነት ንዘለዎም ገለ ነገራት ምሕላይ ማለት ኢዩ። ናይ ስድራቤት ግዴታታት ብርግጽ ካብቶም ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎም ነገራት ኢዮም። ገለ ዓለማዊ ሓላፍነታት ድማ ክግበሩ ኣለዎም። ይኹን እምበር: የሱስ እቲ ቀዳምነት እንህቦ ነገራት ነታ መንግስቲ ኣብ ምቕዳም ክምስረት ከም ዘለዎ ምሂሩ ኢዩ። ብመጀመርያ ነቶም ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ክንፍጽም ዘፍቅዱልና ነገራት ክንገብር ኣሎና።—ማቴ. 5:3፣ 6:33
4 ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ካብቲ ትሑዝ መደብና ዝዀነ ይኹን ዘየድሊ ብሕታዊ ዕማማት: ካብ መጠን ዝሓለፈ ናይ መዘናግዒ ንጥፈታት: ከምኡውን ምስ ካልኦት ዘሎና ዘየድሊ መብጽዓታት ከነወግዶ ኢና። ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እንገብሮ ንጥፈት ክንምድብ ከሎና: ንእኹል ብሕታዊ መጽናዕቲ: ኣብ ኣገልግሎት ንምስታፍ: ኣብ ኣኼባታት ንምክፋል: ከምኡውን ዝዀነ ካልእ ምስ ኣምልኾና ብቐረባ እተተሓሓዘ ነገራት ንኽንገብር እኹል ግዜ ክንፈሊ ኢና። እቲ ዝተረፈ ግዜ ነታ መንግስቲ ዘቐድሙ ሚዛናውያን ክርስትያናት ናይ ምዃን ሸቶና ንምውቃዕ ግደ ኣብ ዝህልዎ ዕማማት ክመቓቐል ይኽእል ኢዩ።
5 ድሕርዚ እውን እንተዀነ: ጌና ጾርና ይጸቕጠና ከም ዘሎ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ: ነቲ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” ዝብል ናይ የሱስ ዕድመ ክንምልሰሉ ከድልየና ኢዩ። (ማቴ. 11:28) ከምኡውን ናብቲ ‘ነንመዓልቲ ጾርና ዝጸውር’ ንድኹም ድማ ሓይሊ ዝህብ የሆዋ ንጠምት። ንጻድቕ ሰንከልከል ክብል ከቶ ከም ዘይሓድጎ ተማባጺዑ ኢዩ። (መዝ. 55:22፣ 68:19፣ ኢሳ. 40:29) ኣብቲ ቲኦክራቲካዊ ንጥፈታት ስሉጣት ከም እንኸውን ብምግባር: ጸሎትና መልሲ ከም ዝረክብ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።
6 ነቲ ክቡር ዝዀነ ረብሓታት ናይታ መንግስቲ ኣብ ምድላይ ትሑዛት ከም እንኸውን ርግጸኛታት እኳ እንተዀንና: ጻዕርና ብዕዮ ጐይታ ከንቱ ከም ዘይኰነ ብምፍላጥና ድማ ክንሕጐስ ንኽእል ኢና።—1 ቈረ. 15:58