ኵሉ ግዜ ዕዙዝ ምዃን
1 ህዝቢ የሆዋ ብዕዮ ትሑዛት ህዝቢ ኢዮም። ምስ ስድራቤትና: ስራሕና ከምኡውን ቤት ትምህርትና ዝተኣሳሰር ብዙሕ ግዴታታት ኣሎና። ልዕሊ ኹሉ ድማ: ኵሉ ግዜ “ኣብ ዕዮ ጐይታ ብዙሕ ዝግበር” ኣሎ። (1 ቈረ. 15:58 ትሓዓ ) ንሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክንዳሎን ኣብኡ ክንሳተፍን ኣሎና። ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ገለ ግደ ከይሃለወና ሰሙን ከይትሓልፍ ተተባቢዕና ኢና። ንናይ ብሕትን ስድራቤትን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝኸውን ስርዓታዊ ኴንካ እኹል ግዜ ክምደብ ኣለዎ። ሽማግለታትን ድያቆናትን ብዙሕ ናይ ጉባኤ ዕዮታት ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ ነቶም ዘድልዮም ክንሕግዝ ንሕተት ኢና።
2 ሓድሓደ ግዜ: ገለ ካባና በቲ ኵሉ ክንገብሮ ዘሎና እተዓብለልና ኰይኑ ይስመዓና ኢዩ። ይኹን እምበር: ሚዛንን ግቡእ ዝኾነ ኣመለኻኽታን እንተድኣ ተዓቂቡ እቶም ብስራሕ ትሑዛት ዝኾኑ ህዝቢ እቶም ኣዝዮም ሕጕሳት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም።—መክ. 3:12, 13
3 ሃዋርያ ጳውሎስ ሓደ ካብቶም ብዙሕ ዝዕየ ዝነበሮም ኢዩ ነይሩ። ንብሕቱ ዘድልዮ ዝነበረ ክሓሊ ከም ሰፋይ ቴንዳ ኰይኑ ዓለማዊ ዕዮ እናዓየየ ክንሱ: ካብቶም ካልኦት ሃዋርያት ንላዕሊ ኣበርቲዑ ይዓዪ ነበረ። ከም ጓሳ ናይቲ መጓሰ መጠን ዝነበሮ ሓላፍነታት ከይዘንግዐ ኣብ ዋዕላን ካብ ቤት ናብ ቤትን እናሰበኸ ከም ወንጌላዊ ኰይኑ ብጻዕሪ ይዓዪ ነበረ። (ግብ. 20:20, 21, 31, 34, 35) ብስራሕ ትሑዝ ዝኾነ መደብ እኳ እንተነበሮ: ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ክዓዪ ኵሉ ግዜ ህንጡይ ነበረ።—ምስ ሮሜ 1:13–15 ኣነጻጽሮ።
4 ጳውሎስ ሓይሊ ክረክብ ኢሉ ኣብ የሆዋ ብምውካል ሚዛኑ ሓልዩ ሕጕስ ልቢ ኸኣ ረኺቡ ኢዩ። ኣገልግሎቱ ዓስቢ ዘለዎን ዘዕግብን ኰይኑ ረኺብዎ ኢዩ። (ፊል. 4:13) ነቲ ዕዮኡ ኣምላኽ ከም ዘይርስዖ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (እብ. 6:10) እቲ ኻልኦት ንየሆዋ ክፈልጥዎ ክሕግዞም ዝነበሮ ሓጐስ ኣበርትዖ። (1 ተሰ. 2:19, 20) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋኡ ከም እተገንዘቦ ምርግጋጹ ትጕህ ኰይኑ ንኽጸንዕ ደረኾ።—እብ. 6:11
5 ነቲ ካብ ጻዕርና እንረኽቦ ሰናይ እውን ኣብ ግምት ነእትዎ። ኣብቲ ሰሙናዊ ኣኼባታት ምህላውናን ምስታፍናን ንኻልኦት ክሃንጽን ከተባብዕን ይኽእል ኢዩ። (እብ. 10:24, 25) እቲ ብስራት ሒዝና ንኹሎም ክንበጽሕ ኢልና እንገብሮ ልባዊ ጻዕሪ ተገዳስነት ክኹስኩስ ከሎን ሓደስቲ ክሓብሩና ከለዉን ንዕቤት ናይታ ጉባኤ የበርክት ኢዩ። (ዮሃ. 15:8) ነቶም ዘድልዮም ምሕጋዝ ከም ናይ ስድራቤት ዝመሳሰል መንፈስ ዘለዎ ጥብቂ ምትእስሳር ኣብታ ጉባኤ የደንፍዕ ኢዩ። (ያእ. 1:27) ብተወሳኺውን ከም ጳውሎስ ረብሓ ኣብ ዘለዎ ዕዮ ትሑዝ ምዃን ንየሆዋ ጽቡቕ ገይሩ ከም ዘሐጕሶ ክንርስዕ የብልናን። ንዕኡ ከነገልግል ዓቢ መሰል ገይርና ኢና እንቖጽሮ። ንዓና ካብዚ ዝሓይሽ ዓይነት ኣነባብራ የብልናን!
6 ብዙሕ ዝዕየ ክህልወካ ተወሳኺ ጥቕሚ ኣለዎ። ጥዑይ መንፈሳዊ መገዲ ክንስዕብ ትሑዛት ምስ እንኸውን: ግዜ ኣዝዩ ቀልጢፉ ዝሓልፍ ኰይኑ ይስመዓና። ነፍሲ ወከፍ እትሓልፍ መዓልቲ ናብ ሓዳስ ዓለም ከም እተቕርበና ምፍላጥና: ነዚ ሕጂ እነስተማቕሮ ዘሎና ብስራሕ ትሑዝን ዕላማ ዝመልኦን ህይወት ተሓጒስና ክንቅበሎ ኢና። ኣብቲ ከንቱ ዝኾነ ዓለማዊ ነገራት ክንስዕብ ዘሎና ግዜ እናወሓደ ብዝኸደ መጠን: ነቲ ጥበብ ናይ ትሑዝ ምዃን ከነስተውዕሎ ኢና።—ኤፌ. 5:15, 16
7 ብርግጽ ኣብ ዕዮ ጐይታ ብዙሕ ዝግበር ኣሎ። ግን ኣብቶም ንኣገልግሎትና እተሓደሰን ዓስቢ ዘለዎን ዝገብርዎ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ብቐጻሊ ምስ እንውከል ኢና ሕጕሳት ኰይንና ክንጸንዕ እንኽእል።—ማቴ. 11:28–30፣ 1 ዮሃ. 5:3