መንፈሳዊ ኣመጋግባኻ ኸመይ ኢዩ፧
1 ‘ዘይበልዐ ነይመንዐ’ ዝበሃል ምስላ ኣሎ። እወ: ኣካላዊ ብርታዐናን ጥዕናናን ብኣመጋግባና ይትንከፍ ኢዩ። የሱስ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ስለ ዝበለ: መንፈሳዊ ኣመጋግባና እውን እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ይትንክፈና ኢዩ። (ማቴ. 4:4) እምበኣር: መንፈሳዊ ኣመጋግባኻ ኸመይ ኢዩ፧ መማረጺ ዲኻ: ብሃታሃታ ዲኻ ትምገብ: ወይስ ስሩዕን እተመጣጠነን ስቡሕን መንፈሳዊ መግቢ ኽትምገብ ኢኻ እትደሊ፧
2 ንኣመጋግባኻ መርምሮ:- የሆዋ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ‘ስቡሕ ብልዕን’ ‘መግብን በብግዜኡ’ የዳልወልና ኢዩ። (ማቴ. 24:45፣ ኢሳ. 25:6) ካብዚ ፍቕራዊ ምድላው እዚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም: መንፈሳዊ ነገራት ጽቡቕ ገይርና ንኽንምገብ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።
3 ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ:- ‘ዕለት ጥቕስን ሓሳባቱን መዓልቲ መዓልቲ አንብብ ድየ፧ መጽሓፍ ቅዱስ አንብብን አስተንትነሉን ድየ፧ ነቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዝወሃብ ትምህርቲ ኣቐዲመ እዳለወሉ ድየ፧ ንዅሉ እቲ ሓድሽ ዝወጸ ጽሑፋት ካብ ጫፍ ንጫፍ ኣንቢበዮ ድየ፧’
4 የሱስ “እቶም መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ዝነቕሑ ሕጉሳት ኢዮም:” (NW ) ከምኡውን “ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን: ኪጸግቡ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም” ብምባል ተመባጺዑ ኢዩ። (ማቴ. 5:3, 6) ስለዚ: ንኣእምሮኻን ልብኻን ብፍልጠት ኣምላኽ ብምምላእ ብመንፈሳዊ መዳይ ብግቡእ ተመገብ።