ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 92
  • እተመጣጠነ ኣመጋግባ ብኸመይ ኪህልወኒ ይኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እተመጣጠነ ኣመጋግባ ብኸመይ ኪህልወኒ ይኽእል፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እተመጣጠነ ኣመጋግባ እንታይ እዩ፧
  • እተመጣጠነ ኣመጋግባ ብኸመይ ኪህልወኒ ይኽእል፧
  • ክብደት ብኸመይ ክንኪ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • መኣዛታት ዘለዎ መግቢ ብቐሊሉ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ
    ንቕሑ!—2002
  • ብመንፈስ ኣጸቢቕካ ትምገብዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ጥዕናኻ ብኸመይ ከም እትሕሉ
    ንቕሑ!—2000
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 92
ሓደ ወዲ ኣብ መዝሓሊ ኻብ ዘሎ ምግብታት ይመርጽ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

እተመጣጠነ ኣመጋግባ ብኸመይ ኪህልወኒ ይኽእል፧

ዘይተመጣጠነ ኣመጋግባ ንጥዕናኻ ኺጐድኦ ኸም ዚኽእል መቸም ትፈልጥ ኢኻ። መብዛሕትኡ እዋን ብንእስነቱ ዘይጥዑይ ምግቢ ዚበልዕ ዝነበረ ሰብ ምስ ዓበየ እውን ነቲ ልማዱ ኣይገድፎን እዩ፣ ስለዚ ኻብ ሕጂ ጥዑይ ኣመጋግባ ይሃሉኻ።

  • እተመጣጠነ ኣመጋግባ እንታይ እዩ፧

  • እተመጣጠነ ኣመጋግባ ብኸመይ ኪህልወኒ ይኽእል፧

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

እተመጣጠነ ኣመጋግባ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሚዛናዊ ዝልማድና’ ኽንከውን ይነግረና እዩ፣ እዚ ድማ ንኣመጋግባና እውን የጠቓልል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:11፡ እ.ጽ.) ነዚ ስርዓት ኣብ ኣእምሮኻ ሒዝካ ነዚ ዚስዕብ ኣንብቦ።

  • እተመጣጠነ ኣመጋግባ እተፈላለየ መኣዛታት የጠቓልል። ከም ፍርያት ጸባ፡ ፕሮቲናት፡ ፍረታት፡ ኣሕምልቲ፡ ኣእካል ዝኣመሰለ እተፈላለየ ምግብታት ኣሎ። ገሊኦም ሰባት ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዓይነት ምግቢ ብምግዳፍ፡ ክብደት ኪንክዩ ኸም ዚኽእሉ ይስምዖም እዩ። እዚ ግና ንሰብነትካ ዜድልዮ መዓዛታት ከም ዘይረክብ ኪገብሮ ይኽእል እዩ።

    ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ምግቢ ዚርከብ እተፈላለየ መዓዛታት ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ ንምፍላጥ፡ ምርምር ግበር ወይ ንሓኪምካ ሕተት። ንኣብነት፦

    ካብ ካርቦሃይድሬት ጸዓት ትረክብ። ፕሮቲን፡ ሰብነትካ ረኽሲ ምእንቲ ኺከላኸል ይሕግዞ፡ ከምኡ ድማ ንኣካሊት ይሃንጽን ይጽግንን። ንገሊኡ ስብሕታት ብግቡእ መጠን ምምጋብ፡ ሕማም ልቢ ይከላኸለልካ፡ ዜድልየካ ጸዓት ድማ ይህበካ እዩ።

    “ብእተኻእለኒ ኻብ ኵሉ ዓይነት ምግብታት እበልዕ እየ። ሓድሓድ እዋን ሽኮራዊ ነገራት ወይ ከም ሃምበርገር ዝኣመሰለ ምግብታት ምብላዕ ጌጋ ኣይመስለንን። እንተዀነ ግና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምግብታት ጥራይ ከነዘውትር የብልናን። ሚዛናዊ ምዃን ኣድላዪ እዩ።”—ብረንዳ።

    ሓደ ወዲ ሰለስተ እግሪ ኣብ ዘለዎ መንበር ኮፍ ምስ በለ ይወድቕ

    ኣድላዪ መዓዛታት ዘይብሉ ኣመጋግባ፡ ሓንቲ እግሪ ኸም ዘይብሉ መንበር እዩ

  • እተመጣጠነ ኣመጋግባ፡ ቅጥዒ ዘይብሉ ኣይኰነን። ገለ ኻብዚ ቕጥዒ ዘይብሉ ኣመጋግባ ድማ እኹል ዘይምብላዕ፡ ጠሚኻ ውዒልካ ብዙሕ ምብላዕ፡ ወይ እትፈትዎ ነገር ፈጺምካ ዘይምብላዕ ኪጥቀስ ይከኣል።

    ነዚ ፈትኖ፦ ንሓደ ወርሒ ንኣመጋግባኻ ኣስተብህለሉ። ክንደይ ሳዕ ንሓደ ኻብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቕጥዒ ዘይብሉ ኣመጋግባ ትስዕብ፧ እተመጣጠነ ኣመጋግባ ምእንቲ ኺህልወካ እንታይ ምትዕርራያት ክትገብር ትኽእል፧

    “ኣብ ገሊኡ መዓልቲ ኣዝዩ ብዙሕ ካሎሪ ዘለዎ፡ ኣብ ካልእ መዓልቲ ድማ ኣመና ትሑት ካሎሪ ዘለዎ ምግብታት እበልዕ ነይረ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ካሎሪ ምቝጻር ክገድፎ ወሲነ፡ ኣብ ክንዳኡ ኻብ ዓቐን ንላዕሊ ኸይበልዕ ክጥንቀቕን ምስ ጸገብኩ ምብላዕ ደው ኬብልን ጀሚረ። ግዜ እኳ እንተ ወሰደ፡ ሎሚ እተመጣጠነ ምግቢ እየ ዝምገብ።”—ሀይሊ።

እተመጣጠነ ኣመጋግባ ብኸመይ ኪህልወኒ ይኽእል፧

  • ኣርሒቕካ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ” ይብል እዩ። (ምሳሌ 21:5) ጥዑይ ኣመጋግባ ምእንቲ ኺህልወካ፡ ኣርሒቕካ ኽትሓስብ ኣሎካ።

    “ጥዑይ ምግቢ ምእንቲ ኽትበልዕ መደብ ምውጻእ የድሊ እዩ፡ ከመይሲ መብዛሕትኡ እዋን ጥዑይ ምግቢ ኣብ ገዛ እዩ ዚኽሸን። እዚ ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነባሪ ጥቕሚ ግና ኣለዎ፣ ገንዘብ ድማ ይቝጥብ እዩ።—ቶማስ።

  • ዘይጥዑይ ምግቢ ብጥዑይ ምግቢ ተክኣዮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ንግብራዊ ጥበብ ሓልዎ’ ይብል እዩ። (ምሳሌ 3:21) ግብራዊ ጥበብ፡ ዚጠቕመካን ዚሰማምዓካን ሜላታት ኪህልወካ ይሕግዝ እዩ።

    “መዓልቲ መዓልቲ፡ ሓደ ዘይጥዑይ ምግቢ ብሓደ ጥዑይ ምግቢ ኽትክኦ ጀሚረ። ንኣብነት፡ ኣብ ክንዲ ቸኮላታ ቱፋሕ ክበልዕ ጀሚረ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ንመብዛሕትኡ ዘይጥዑይ ምግቢ ብጥዑይ ተኪአዮ!”—ኪያ።

  • ሚዛናዊ ትጽቢት ይሃሉኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምግብኻ ተሓጒስካ ብላዕ” ይብል። (መክብብ 9:7) እተመጣጠነ ኣመጋግባ ነቲ ኻብ ምብላዕ እትረኽቦ ሓጐስ ኬጥፍኦ የብሉን፣ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ኵላሶ ኸም እትጭነቕ ኪገብረካ እውን የብሉን። ክብደት ክትንኪ እንተ ኣሎካ፡ ሸቶኻ ጥዕና ንምርካብ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ብዛዕባ እቲ ኻብ ርእስኻ እትጽበዮ ነገራት ሚዛናዊ ኹን።

    “ኣብ ቀረባ እዋን ዳርጋ 14 ኪሎ ግራም ነክየ እየ፣ ከምኡ ንምግባር ግና ንርእሰይ ኣየጥመኽዋን፡ እተወሰነ ዓይነት ምግቢ ኣይገደፍኩን፡ ወይ ምቍር ነገር ምስ ዝበልዕ ንነብሰይ ኣይኰነንክዋን። ብቕልጡፍ ሜላታት ዘይኰነስ ኣብ ኣነባብራይ ለውጢ ብምግባር ክብደት ክንኪ ኸም ዝኽእል እየ ንርእሰይ ኣእሚነያ።”—መላኒ።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ደሌና

“ኣብ ደገ ኸለኹ እንተ ጠምየ፡ መብዛሕትኡ እዋን ዘይጥዑይ ምግቢ እበልዕ እየ። ስለዚ፡ ካብ ገዛ ምሳሕ ወይ ጠዓሞት እማላእ እየ። በዚ ኸምዚ ነቲ ዝበልዖ ዓይነት ምግቢ እቈጻጸሮ እየ።”—ደሌና።

ኣንድሪው

“ቃሕ ዝበሎም እናበልዑ ኽነሶም ዋላ ዘይረጕዱ ሰባት ክትርኢ ኸለኻ፡ ተስፋ ትቘርጽ ትኸውን ኢኻ። ኰይኑ ግና ንነብስኻ ምሳታቶም ኣይተወዳድራ። ዚሰማማዓካ ዓይነት ኣመጋግባ ሓሪኻ፡ ንዕኡ ስዓብ።”—ኣንድሪው።

ክለሳ፦ እተመጣጠነ ኣመጋግባ ብኸመይ ኪህልወኒ ይኽእል፧

  • ኣርሒቕካ ሕሰብ። ኣብ ደገ እትረኽቦ ዝዀነ ይኹን ምግቢ ኻብ እትበልዕ፡ ባዕልኻ ምግብኻ ኣዳሉ።

  • ዘይጥዑይ ምግቢ ብጥዑይ ምግቢ ተክኣዮ። ኣብ ክንዲ እተጠብሰ ድንሽ ምስ ልስሉስ መስተ፡ ጥዑይ ጠዓሞት ተማላእ።

  • ሚዛናዊ ትጽቢት ይሃሉኻ። ንርእስኻ ምስ ካልኦት ኣይተወዳድራ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ