መኣዛታት ዘለዎ መግቢ ብቐሊሉ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ
ብወኪል ንቕሑ ! ካብ ሜክሲኮ
ኣንሀሊካ ምስቶም ዝተረፉ ትሽዓተ ኣባላት ስድራቤታ ኣብ ግዝኣት ኦክሳካ: ሜክሲኮ: ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ቝሸት ትነብር ነበረት። ስድራቤታ ድኻታት ስለ ዝነበሩ ዕለታዊ መግቦም ብዕፉን እተሰርሐ ቶርቲላስ ዝበሃል እንጌራ: ፋጆሊ: ብበርበረ እተሰርሐ ስልሲ: ማይ እተጀልሐ ሩዝ: ሕብስቲ: ከምኡውን ሻሂ ነበረ። ኣንሀሊካ “ቍንጹባት ኴንና ኢና ተሪፍና: ደቀቕትን ዓባሩን ኢና ኔርና። ብተደጋጋሚ ከስዐና ንሓምም: ጽግዕተኛ ሓሳኹን ጉንፋዕን ከኣ ወትሩ የጥቅዑና ነበሩ” በለት።
ኣንሀሊካን ስድራቤታን ኵነታት ናብራኦም ምእንቲ ኽመሓየሽ ስራሕ ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ናብ ከተማ ሜክሲኮ ክግዕዙ ወሰኑ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ መዓልታዊ መግቦም ጸባ: እንቋቝሖ: ስጋ: ጠስሚ: እተወሰነ ኣሕምልቲ: እተፈላለየ እተዓሸገ ምግብታት ስለ ዝረኽቡ ኣመጋግብኦም ከም እተመሓየሸ ኢያ እትኣምን። ብሓቂ ግን ኣመጋግባኦም እተፈላለየ መኣዛታት ንኽረኽቡ ዘኽእሎም ድዩ፧
ጕድለት ኣመጋግባ —ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ፧
ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ 800 ሚልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ ሰባት ብሰንኪ ጕድለት ኣመጋግባ ሞት ኣንጸላልይዎም ኣሎ። ብመሰረት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዝሃቦ ናይ 1998 ጸብጻብ ጥዕና ዓለም: ካብቶም ደቂ ሓሙሽተ ዓመት ንታሕቲ ዝዀኑ ቘልዑ ዘጋጥሞም ሞት 50 ሚእታዊት ዝኸውን ምስ ጕድለት ኣመጋግባ እተተሓሓዘ ኢዩ። እቶም ካብ ሞት ዝድሕኑ እውን ጥዕና የብሎምን።
ብኣንጻሩ ኸኣ ገሊኣቶም ከም ዝብልዎ 800 ሚልዮን ኣቢሎም ዝበጽሑ ሰባት ካብ መጠን ንላዕሊ ብምብላዕ ከይሞቱ የስግእ ኣሎ። ሚዛኑ ዘይሓለወ ኣመጋግባ ኸም ክራሸ: ኣብ ሰራውር ደም ስብሒ ብምእካቡ ዝመጽእ ሕማም: ልዑል ጸቕጢ ደም: ሽኮርያ: ሲሮሲስ ዝበሃል ዓይነት ሕማም ጸላም ከብዲ: ከምኡውን እተፈላለየ ዓይነት መንሽሮ የስዕብ ኢዩ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ነዚ ጕዳይ እዚ ጽሙቕ ኣቢሉ ኸቕርቦ ኸሎ ኸምዚ በለ:- “ስለዚ ጕድለት ኣመጋግባ ክበሃል ከሎ ብሰንኪ ዋሕዲ መኣዛታት: ጕድለት እተወሰነ መኣዛታት: ብዝሒ መኣዛታት ዝመጽእ እተፈላለየ ዓይነት ሕማማት ዘጠቓልል ኢዩ፣ እዚ ሽግር እዚ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ንሰባት ይቐትል: የሰንክል: ኣእምሮ የደንዝዝ: የልምስ: የዐውር: ከምኡውን ንምዕባለ ወድሰብ የዳኽም ኢዩ።”
ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዋሕዲ መኣዛታትን ክራሸን ዘጋጥሞም ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ሓንቲ ቤት እውን ሕጻናት ጕድለት መኣዛታት ኸጋጥሞም ከሎ ዓበይቲ ኸኣ ክራሸ ኸጋጥሞም ይኽእል ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ዅነታት ሓደ ብሕጻንነቱ ዋሕዲ መኣዛታት ዘጋጠሞ ሰብ ምስ ዓበየ ይኽርሽ። ነቶም ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝግዕዙ ሰባት ከምዚ ኸጋጥሞም ይኽእል ኢዩ።
ብዙሓት ሰባት ኣብ መንጎ ጥዕናኦምን ኣመጋግባኦምን ዘሎ ርክብ ኣይርድእዎን ኢዮም። ምናልባት ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለ ሕማቕ ኣመጋግባ ኣብ ጥዕና ዘምጽኦ ጽልዋ ብኡንብኡ ስለ ዘይርአ ኢዩ። ጥዑይ ኣመጋግባ ግን ብዙሕ ሕማማት ከወግድ ይኽእል ኢዩ። አረ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና እሞ ኸኣ ኣመጋግባ ብምምሕያሽን ምውስዋስ ኣካላት ብምግባርን ክሳዕ 40 ሚእታዊት ሕማም መንሽሮ ክውገድ ከም ዝኽእል ይገልጽ ኢዩ። ኣመጋግባኻ ግን ብኸመይ ከተመሓይሾ ትኽእል፧
ኣመጋግባኻ እተመሓይሸሉ መገዲ
ገሊኣቶም ሰባት መግቢ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ጕጅለታት ከም ዝኽፈል ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ። እቲ ቐዳማይ ጕጅለ ኸም ዕፉን: ስርናይ: ሩዝ: ኣጃ: ስገም: ብልቱግ ዝኣመሰለ ዓይነት ኣእካል ከምኡውን ከም ድንሽ ዝኣመሰለ ዓይነት ዓካር ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ካርቦሃይድሬት ዝበሃል ጕጅለ መግቢ ንኣካላትና ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ብቕልጡፍ ሓይሊ ዝህብ ኢዩ። እቲ ኻልኣይ ጕጅለ ከም ፋጆሊ: ኣዳጕራ: ብርስን: ዓይኒ-ዓተር: ባልደንጓ ዝኣመሰለ ጥረታት ከምኡውን ከም ስጋ: ዓሳ: እንቋቝሖ: ጸባን ጽዕዲታቱን ዝኣመሰለ ውጽኢት እንስሳታት ዘጠቓልል ኢዩ። ካብዚ ኸኣ ፕሮቲን: ሓጺን: ዚንክ: ከምኡውን እተፈላለየ ቫይታሚናት ክርከብ ይከኣል። እቲ ሳልሳይ ጕጅለ ፍረታትን ኣሕምልትን ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣድላዪ ቫይታሚናትን ማዕድናትን ይህብ። መግቢ ንኽሓቅቕ ይሕግዝ ሓይሊውን ይህበና: ቫይታሚን ሲ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ኽርከብ ዝከኣል ከኣ ኣብዚ ጕጅለ እዚ ጥራይ ኢዩ።
ብመሰረት እቲ ዶ/ር ኤክቶር ቡርኸስ ዝበሃል ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ሜክሲኮ ዝርከብ ንመኣዛታት ዝምልከት መጽናዕቲ ዝገብር ሃገራዊ ትካል ዝበሎ: ጥዑይ ኣመጋግባ ዝበሃል ነዚ ሰለስተ ጕጅለ መግብታት ዝሓዘ: እኹል: ከምኡውን እተመጣጠነ ክኸውን ይግባእ። “ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዲ ኻብ ኵሉ ጕጅለታት መግቢ ኽንቅርብ: ብእተኻእለ መጠን ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ተጠቒሶም ዘለዉ መግብታትን ዝኽሸነሉ ኣገባብን ክንቀያይሮ” ሓሳብ ሂቡ ኢዩ።
ንኣነባብራ ማሪያ እሞ ንርአ። ምስ ስድራቤታ ኣብታ ኣብ ግዝኣት ሂዳልጎ: ሜክሲኮ: እትርከብ ኣቶፒክስኮ እትበሃል ቍሸት ኢያ እትነብር። እዛ ስድራቤት ኣዝያ ድኻ ኢያ: ቀንዲ መግባ ኸኣ ቶርቲላስ ዝበሃል እንጌራ: ፋጆሊ: ፓስታ: ሩዝ: ከምኡውን በርበረ የጠቓልል። እንተዀነ ግን: ኣመጋግባ ናይዛ ስድራቤት ከምታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ስድራቤት ኣንሀሊካ ኣይኰነን። ዱባ: ንዝኲኒ ዝመስል ዓይነት ኣሕምልቲ: ቃንጥሻ: ከምኡውን ኣብ ገጠር ዝርከብ ዓይነት ኣታኽልቲ እውን ይምገቡ ኢዮም። ኣብቲ ፍረታት ብብዝሒ ዝፈርየሉ ወቕቲ ድማ ፍረታት ንኽምገቡ ጻዕሪ ይገብሩ ኢዮም። እዚ ኸኣ ዝሓሸ ጥዕና ኸም ዝህልዎም ገበረ።
ሓላፊ ኽፍሊ ጠቓሚ መኣዛታትን ትምህርቲ መኣዛነትን ዝዀነ ዶ/ር ኣዶልፎ ቻቨስ ናይ እንስሳታት ውጽኢት ከም ቀንዲ መግቢ ዘይኰነስ ከም መሰነይታ ናይ መኣዲ ጌርና ኽንጥቀመሉ ሓሳብ ሃበ። ንኣብነት: ሒደት እንቋቝሖ ምስ ድንሽ: ኣሕምልቲ: ወይ ፋጆሊ ብምሕዋስ መግቢ ኸተዳሉ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን ሓደ ኽትወስዶ ዝግባእ ጥንቃቐ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኵሉ ሳዕ ንፍረታትን ኣሕምልትን ብፍላይ ከኣ ነቲ ኸይበሰለ እትበልዖ መግቢ ብጥንቃቐ ምሕጻብ ኢዩ።
መግቢ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ከከም ዕድመኡ: ጾታኡ: ኣነባብራኡ ዝሰማምዖ ክኸውን ኣለዎ። ገሊኣቶም ሰባት: ዓበይቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዲ ኽልተ ኢድ ፍረታት ከምኡውን/ወይ ኣሕምልቲ ኽበልዑ: ኣእካልን ጥረታትን ድማ ብብዝሒ ኽምገቡ ከም ዘለዎም ሓሳብ ይህቡ ኢዮም። ካብ ናይ እንስሳታት ውጽኢት ዝዳሎ መግብታት ብእተወሰነ ደረጃ ጥራይ እንተ ተበልዐ: ካብዚውን ዓሳ: ስጋ ደርሆ ብዘይ ቈርበቱ: ከምኡውን ስብሒ ዘይብሉ ስጋ ቀዳምነት እንተ ተዋህቦ ዝሓሸ ምዃኑ ይግለጽ ኢዩ። እንምግቦ መጠን ስብሕታትን ሽኮርን እንተ ቐነስና ኸኣ ዝሓሸ ኢዩ።
እቶም ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝነብሩን ድኻታትን እውን ከይተረፉ ሓድሓደ ግዜ ንኣመጋግባኦም ከመሓይሽዎ ይኽእሉ ኢዮም። ብኸመይ፧ መኣዛታት ዘለዎ መግቢ መሪጾም ብምምጋብን እተፈላለየ መኣዛታት ዘለዎ መግቢ ብምብላዕን ኢዮም ክገብርዎ ዝኽእሉ፣ ንኣብነት ኣእካል ምስ ጥረታት ክሕውስዎ ይኽእሉ ኢዮም። ነቲ መግቦም ዝያዳ መኣዛ ኸም ዝህልዎ ንምግባር ሒደት ስጋ ወይ እንቋቝሖ ክሕውሱሉ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ከባቢኻ ዝበቍል ኣሕምልትን ፍረታትን ብብዝሒ ኣብ ዝፈርየሉ ወቕቲ እውን ተመገቦ ኢኻ።
ፈጣሪና ንልቢ ደቅሰብ ንምሕጓስ ‘ካብ ምድሪ መግቢ ኣውጺኡ’ ኢዩ። (መዝሙር 104:14) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መክብብ 9:7 “ኪድ እንጌራኻ ባህ ኢሉካ ብላዕ” ይብል ኢዩ። እተመጣጠነን ሚዛኑ ዝሓለወን ኣገባብ ብምጥቃም እቲ ፈጣሪና ዝሃበና ጥዑምን መኣዛታት ዘለዎን መግብታት ክንምገብ ከም እንኽእል ኣየጠራጥርን ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ቀዳማይ ጕጅለ:- ኣእካልን ዓካርን
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ካልኣይ ጕጅለ:- ጥረታት: ስጋ: ዓሳ: እንቋቝሖ: ጸባን ጽዕዲታቱን
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ሳልሳይ ጕጅለ:- ፍረታትን ኣሕምልትን