ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/4 ገጽ 16
  • ኣሕምልቲ ብላዕ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣሕምልቲ ብላዕ!
  • ንቕሑ!—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መኣዛታት ዘለዎ መግቢ ብቐሊሉ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ
    ንቕሑ!—2002
ንቕሑ!—2001
g01 8/4 ገጽ 16

ኣሕምልቲ ብላዕ!

ብወኪል ንቕሑ! ካብ ብራዚል

“መሪር ኢዩ።” “ጥዑም ኣይኰነን።” “በሊዐዮ ኣይፈልጥን ኢየ።”

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ገለ ኻብቲ ብዙሓት ሰባት ኣሕምልቲ ዘይበልዕሉ ምኽንያታት ኢዩ። ንስኻኸ፧ መዓልቲ መዓልቲ ኣሕምልቲ ትበልዕዶ ኢኻ፧ ገሊኣቶም ኣሕምልቲ ኽፈትዉ ኸለዉ ገሊኣቶም ግን ዝጸልእሉ ምኽንያት ንምፍላጥ መጽሔት ንቕሑ! ቃለ-መጠይቓት ገይራ ነይራ።

እቶም ኣሕምልቲ ዝፈትዉ ሰባት ወለዶም ኣድላዪነት ናይ ኣሕምልትን ጥረምረን ፍረታትን ከም ዝማሃርዎም ኢዮም ዝገልጹ። ብኣንጻሩ ግን እቶም ኣሕምልቲ ዘይፈትዉ ሰባት ቈልዑ ኸለዉ ኣሕምልቲ ናይ ምብላዕ ልምዲ ኣይነበሮምን። ኣብ ክንድኡስ ሓሸርበሸር ኢዮም ዝፈትዉ። እንተዀነ ግን: እዚኣቶም እውን ከይተረፉ ኣሕምልቲ ንጥዕና ጽቡቕ ምዃኑ ይሰማምዕሉ ኢዮም።

ወለዲ: ንደቅኹም ኣሕምልቲ ኽበልዑ ምሃርዎም! ብኸመይ፧ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሕጻናት ዘዳልዎ ፋክትስ ኦቭ ላይፍ (እንግሊዝኛ) ዘርእስቱ ጽሑፍ: ሽዱሽተ ወርሒ ዝገበሩ ሕጻናት እንተ ወሓደ ሓንሳእ ኣብ መዓልቲ ጡብ ወይ ጡጦ ምስ ጠበዉ ተጠጢቑ: ተቐሊጡ: እተጣሕነ ኣሕምልቲ ኽበልዑ ኸም ዘለዎም ሓሳብ ሂባ ኣላ። እቲ ሕጻን እተፈላለየ ዓይነት መግቢ ብእተመገበ መጠን ዝሓሸ ጥዕና ይህልዎ። ብራዚላዊ ናይ ቈልዑ ስፐሺያሊስት ዶ/ር ቫግነር ላፓተይ: ኣብ መጀመርታ ኽልተ ዓመት ጸባ ቐንዲ መግቢ ሕጻን እኳ እንተዀነ: ካልእ መግብታት ከም ዝምገብ ምግባር “ነቲ ሕጻን እተፈላለየ መግቢ ንኸስተማቕር ይሕግዞ ኢዩ” በለ።

ካርላ ሊዮነል ኣብታ መዲሲና​—⁠ሚቶስ ዪ ቨርዳዲስ (መድሃኒት​—⁠ኣፈ-ታሪኽን ሓቅታትን) ዘርእስታ መጽሓፋ (ቋንቋ ፖርቱጋል) ንሕጻናት ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ግዜ ኣቐዲምካ ቁሩብ ጽማቝ ኣራንሺ: ጽማቝ ፍረታት (ከም ባናና: ቱፋሕ: ከምኡውን ፓፓዮ ዝኣመሰለ): ጥረምረ: ከምኡውን መረቕ ኣትክልቲ ኽወሃቦም ከም ዝኽእል ሓቢራ። ኣብዚ መዳይ እዚ ግን እተፈላለየ ኣማራጺታት ስለ ዘሎ: ንሓኪም ቈልዑ እንተ ኣማኸርኩም ጥበባዊ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ