ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/4 ገጽ 11-15
  • ምስ ሕማም ኤንዶሜትርዮሲስ ዝገበርክዎ ቃልሲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ሕማም ኤንዶሜትርዮሲስ ዝገበርክዎ ቃልሲ
  • ንቕሑ!—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ሕማም
  • ንምሸቱ ግቡእ መርመራ ገበርኩ
  • ጠንቂ መለዓሊኡን ኣማራጺታት ሕክምናን
  • መጥባሕትን ምድጋስን
ንቕሑ!—2001
g01 8/4 ገጽ 11-15

ምስ ሕማም ኤንዶሜትርዮሲስ ዝገበርክዎ ቃልሲ

ዲቦራ ኣንድርዮፑሎስ ዘዘንተወቶ

ካብ ቀደመይ ብዛዕባ ጥዕናይ ኣመና ዝጭነቕ ዓይነት ሰብ ኣይነበርኩን። በቲ ሓሓሊፉ ዘጋጥም ንኣሽቱ ሕማማት እውን ብዙሕ ኣይሻቐልን ኢየ ነይረ። ንኽውንነት ህይወት ክቕበሎ ኢየ ዝጽዕር ነይረ። እትጥዕየሉ እዋናት ኣሎ እትሓመሉ ግዝያት እውን ኣሎ።

ይኹን እምበር: ኣብ እዋን ጕርዝናይ ብርቱዕ ቃንዛ ክስምዓኒ ጀመረ። ኣብቲ ኣዝየ ዝሽገረሉ ናይ ጽግያት ወቕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማህደረ-እንቋቝሖይ ዝምንጭት ናይ ቃንዛ ስምዒት: ካልእ እውን ከም ሕማም ርእሲ: ውጽኣት: ብድኻም ምውላእ: ናይ ተምላስ ስምዒት: ከምኡውን ኣብ ሕቖይ ቃንዛ ይስምዓኒ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ እሞ እዚ ምልክታት ሕማም እዚ ብሓንሳብ ተደራሪቡ የሳቕየኒ ነበረ። ምውስዋስ ኣካላት ምግባርን ምዕራፍን ሓጋዚ ምዃኑ ኣስተብሂለሉ እኳ እንተ ነበርኩ: ግዜ ንምርካብ ግን ኣጸጋሚ ኢዩ ነይሩ።

ቃንዛ እቲ ዝሳቐ ዘሎ ሰብ ጥራይ ዝርድኦ ስምዒት ኢዩ። ክልክዖ ዝኽእል ሰብ የለን: ብዘእምን መገዲ ገይርካ ንኻልኦት ከተረድኦም እውን ኣይከኣልን ኢዩ። ሓድሓደ ሳዕ ብሰንኪ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ምልክት ሕማም ምሉእ መዓልቲ ደቂሰ እውዕል ነበርኩ: ወይ ከኣ ፈውሲ ቓንዛ ብምውሓጥ ኣብ ጻዕቂ ዘለዎ ንጥፈታት ንኽጽመድ ገዛእ ርእሰይ አገድድ ነበርኩ። እቲ ዕዮ ንኽዓይን ንቡር ህይወት ንኽመርሕን ዝነበረኒ ዓቕሚ ኣዝዩ ተዳኸመ። ኣዝየ ኸኣ ተስፋ ቘረጽኩ። ኣብ ከቢድ ጸገም ኣትየ ኸም ዘለኹ ይርድኣኒ ነበረ። ተኸታታሊ ናይ ሕክምና መርመራታት ድሕሪ ምግባር ሓኻይም ገለ ኸም ዘይብለይ ምስ ኣረጋገጹለይ ግን ነዚ ሓሳብ እዚ ኻብ ኣእምሮይ ኣውጻእኩዎ።

ዕድመይ ልዕሊ 30 ዓመት ምስ ኰነ እቲ ዝስምዓኒ ዝነበረ ምልክታት እናገደደ ኸደ። በዚ ምኽንያት እዚ ተላዒሉኒ ዘይብሎ ቃንዛ ድማ ከም ሓዊ ይእጐደኒ ነበረ። ብሰንኪ ብርቱዕ ቓንዛ ኣብ ከውታ ለይቲ እበራበር ነበርኩ። አረ ሓድሓደ ግዝያትሲ ኣብ ሰሙን ሒደት ሰዓታት ጥራይ ዝድቅሰሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ድማ ንሓያለይ መዓልትታት ዝጸንሕ መጠነኛ ረስኒ ይስምዓኒ ነበረ። ጸኒሐ እሞ ፈውሲ እተፈላለየ ቃንዛታት: ነቲ ናይ ኣምዑተይ ምጭባጥን ኣብ ከስዐይ ዝስምዓኒ ዝነበረ ቃንዛን ዝኸውን ከኒና: ከምኡውን ነቲ ኣብ ዝባነይ ዝስምዓኒ ዝነበረ ቃንዛ ዝኸውን ዝልከን ዝወሓጥን መድሃኒታት ክወስድ ጀመርኩ።

እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ሕማም

እቲ ዝስምዓኒ ዝነበረ እተፈላለየ ዘሳቒ ስምዒታት ናይ ኣዝዩ ፍሉጥ ሕማማት ምልክታት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ዅነታተይ ናይ መርዘን: ናይ ጎሎ ምጥባቕ: ኣብ ግዜ ጽግያት ዝፍጠር ቅርጥማት: ነድሪ ኣምዑት: ነድሪ ዳንዱር: ከምኡውን ነድሪ ኸርሲ ዝመስል ኢዩ ነይሩ። እቲ ዝስምዓኒ ዝነበረ ስቓይ ብሰንኪ እቲ ዲስመነሪያ ዝበሃል ኣቐንዛዊ ጽግያት ዝመጸ ዀይኑ እኳ ይስምዓኒ እንተ ነበረ: ጻዕቂ ናይቲ ብሰንኪ እዚ ዅነታት እዚ ዝመጽእ ቃንዛ ግን ካብቲ ዝስምዓኒ ዝነበረ ቓንዛ ኣዝዩ እተፈልየ ምዃኑ ግን ሽዑ ኣይፈልጥን ኢየ ነይረ።

ኣሸጋሪ ናይ ጽግያት ወቕትን ናይ ቃንዛ ስምዒትን ልሙድ ተርእዮ ምዃኑ: መበገሲኡ ኸኣ ውርሻ: ምውስዋስ ኣካላት ዘይምግባር: ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ሰደቓ ምዕያይ: ናይ ሆርሞን ጸገማት: ድኻም: ውጥረት ከምኡውን ከይወለድካ ዕድመኻ ልዕሊ 30 ዓመት ምብጻሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ይንገረኒ ነይሩ ኢዩ። አረ ሓደ ሓኪምሲ ኵሉ እቲ ዝስምዓኒ ዝነበረ ምልክታት ሕማም ናይ ጥዕና ምዃኑ ኢዩ ነጊሩኒ!

እቲ ኻልእ ዘሸግረኒ ዝነበረ ምልክታትከ ብሰንኪ ምንታይ ዝመጸ ኢዩ ነይሩ፧ እቲ ዝምስዓኒ ዝነበረ ድኻም ብሰንኪ ከቢድ ስራሕን ውጥረትን ዝመጸ ኢዩ ተባሂሉ። እቲ ዝስምዓኒ ዝነበረ ረስኒ ድማ ብሰንኪ ድኻም ዝመጸ ኢዩ ተባሂሉ። እቲ ቓንዛ ጎሎን ሕማም ከስዐን ከኣ ብሰንኪ ውጥረትን ሕማቕ ኣመጋግባን ዝመጸ ኢዩ ተባሂሉ። ኣብ ሕቖይ ዝነበረ ጸገምን እቲ ዝነበረኒ ሕማቕ መዛርዕን ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሕቖይ ዝስምዓኒ ዝነበረ ቃንዛ ኢዩ ተባሂሉ። በዚ ኸምዚ ድማ ኵሉ ነገር ነናቱ ጠንቂ ተዋህቦ። እንተዀነ ግን ኵነታተይ እናገደደ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ።

ንምሸቱ ግቡእ መርመራ ገበርኩ

ኣብ ሚያዝያ 1998 ናይ ኣልትራሳውንድ ምርመራ እኳ እንተ ገበርኩ: ማህደረ-እንቋቝሖይ ግን ጥዑይ ኢዩ ነይሩ። ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ግን ጥዕና እናሰኣንኩ ኸድኩ። ሓኪም ክርአ ወሰንኩ። ሓኪም ድማ ናይ ኣልትራሳውንድ ምርመራ እንደገና ኽገብር ኣዘዘለይ እሞ ካብ ማህጸነይ ወጻኢ ሓደ ገዚፍ ነገር ተራእየ። ድሕርዚ ናብ ሓኪም ማህጸን ኣሕለፈኒ። እቲ ሓኪም ማህጸን ድማ ሓደ ፈሳሲ ዝሓዘ ዓቢ ከረጺት ወይ ድማ እኩብ ከረጺታት ኣብ ጥቓ ማህጸነይ ምህላዉ ኣረጋገጸ: መጠኑ ኸኣ 10 ብ12 ሰንቲ ሜተር ነበረ: እዚ ድማ ክንዲ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ጥንሲ ዝኸውን ኢዩ! ድሕርዚ ጠንቂ ዅሉ ሽግራተይ እቲ ኤንዶሜትርዮሲስ ዝበሃል ናይ ማህጸን ጽቂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝብል ግምት ኣሕደረ።

ኣብ ፈለማ ተደናጊረ ነበርኩ። ብዛዕባ ኤንዶሜትርዮሲስ ዝፈልጦ ነገር እውን ኣይነበረንን። ኣዝዩ ብዙሕ ሕቶታት ድማ ነበረኒ። ብኸመይ ኢዩ ዝለዓል፧ ንህይወተይከ ብኸመይ ይትንክፎ፧ ድሕርዚ ግን ዕረፍቲ ኽስምዓኒ ጀመረ። ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ዓዘቕቲ ቓንዛ ተዋሒጠ ዝነበርኩ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ ነይሩ። ተደጋጋሚ ናይ ሕክምና መርመራታት ድሕሪ ምግባረይ ነቲ ዝነበረኒ ቓንዛ ዘዐግስ ሓገዝ ወይ ብዛዕባ እቲ ሕማም ዘዕግብ መግለጺ ኽረክብ ስለ ዘይከኣልኩ ተስፋ ቘሪጸን ብጭንቀት ተዋሒጠን ነበርኩ። ነቲ ልሙድን መዓልታውን ዝዀነ ጸገማት የዕብየ ስለ ዝረኣኽዎ ጥራይ ኢየ ከምዚ ዀይነ ብምባል ድማ ንገዛእ ርእሰይ ክወቅስ ጀሚረ ነበርኩ። ባዕለይ ኣብ ኣእምሮይ ዝፈጠርክዎ ቃንዛ ጥራይ ኢዩ እብል ነበርኩ። ሕጂ ግን ንዅሉ እቲ ምርድኡ ስኢነዮ ዝነበርኩ ምልክታት ሕማም መብርሂ ረኺበሉ ኢየ።

ጠንቂ መለዓሊኡን ኣማራጺታት ሕክምናን

እቲ ኸረጺት ወይ ከረጺታት ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ክትኰስ ዝኽእል ብምንባሩ: እቲ ሓኪም ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት መጥባሕቲ ኽገብር ሓሳብ ኣቕረበለይ። በቲ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ቀቅድሚ ምስምመዐይ ግን ብእተኻእለና መጠን ብዛዕባቲ ኤንዶሜትርዮሲስ ተባሂሉ ዘሎ ሕማም ዝያዳ ፍልጠት ከነጥሪ ኣነን በዓል ቤተይን ወሰንና።

ካብ ገለ ምንጭታት ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ መሰረት ብግምት 30 ሚእታዊት ዝዀና ኣብ ናይ ምውላድ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኤንዶሜትርዮሲስ እተባህለ ሕማም ከም ዘለወን ፈለጥና! መበገሲ ናይዚ ሕማም እዚ ኣይፍለጥን ኢዩ። ኣብ እዋን ጽግያት ገለ ኻብቶም ኣብቲ ዝፈስስ ደም ዝርከቡ ዋህዮታት ብሻምብቆ ማህጸን ኣቢሎም ንድሕሪት ከም ዝምለሱ እሞ ምስ ከብዲ ተጣቢቖም ከም ዝዓብዩ ዝገልጽ ሓደ ክልሰ-ሓሳባት ኣሎ። ካልእ ክልሰ-ሓሳባት ድማ ናይቲ ውሽጣዊ ቐጸላ ማህጸን ዋህዮታት ምስቲ ሊምፍ ዝበሃል ፈሳሲ ወይ ድማ ብመትንታት ደም ኣቢሎም ካብ ማህጸን ናብ ካልእ ክፍልታት ኣካል ከም ዝኸዱ ይገልጽ። ሓደ ስነ-ጅናዊ ክልሰ-ሓሳብ ከኣ ኣብ ገሊአን እቲ ሕማም ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ብጅን ዝመሓላለፍ ክኸውን ከም ዝኽእል ወይ ድማ ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ሕማም እዚ ዘቃልዕ ረቛሒታት ከማዕብላ ኸም ዝኽእላ ይገልጽ። ብሰንኪ እዚ ኣብዚ ብኩል ከባቢና ዘሎ መርዝታት ዝመጽእ ምዃኑ ዝገልጹ ኣካላት እውን ኣለዉ።

ኵሉ ሕማም ኤንዶሜትርዮሲስ ሓደ ዓይነት ከም ዘይኰነ ተነግረና። እቶም ዋህዮታት ከይዶም ዝጠብቅሉ ክፍሊ ኣካል: ክሳዕ ክንደይ ንውሽጢ ሱር ከም ዝሰዱ: ከምኡውን ግዝፈቶም ኣብ ዓይነት ናይቲ ሕማም ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። እታ ዝነኣሰት ሱር እትሰድድ ዋህዮ እውን እንተዀነት ነቲ ኣብ ጥቓኣ ዘሎ ናይ ነርቭ መትኒ እንተድኣ ኣነዲራቶ: ንምጻሩ ዘጸግም ቃንዛ ከተምጽእ ከም እትኽእል ፈለጥና።

ናይዚ ሕማም እዚ ዘተኣማምንን ኣማራጺ ዘይብሉን ፈውሲ ንማህጸንን ማህደረ-እንቋቝሖን ብመጥባሕቲ ምውጽኡ ምዃኑ ዝኣምኑ ሓኻይም ኣለዉ። ክሳዕ ሽዑ ግን ንዝደለኻዮ ግዜ ጽፍዮ ደው ከም ዝብል ክገብር ዝኽእል ሆርሞናት ክውሰድ ይከኣል ኢዩ። እዚ ድማ እቲ ሕማም ኣብ እዋን ሕክምና ይኹን ሓድሓደ ግዜ ድማ ድሕሪኡ ንኣዋርሕ ወይ ንዓመታት ሃዲኡ ኸም ዝጸንሕ ዝገብረሉ ግዝያት ኣሎ። ኣብ ገለ ዅነታት ከኣ እቲ ዋህዮታት ንምዕቃብ ዝግበር ኮንዘርቫቲቭ ሰርጀሪ ዝበሃል መጥባሕቲ ወይ ድማ ዕቤት ናይቲ ኤንዶሜትርዮሲስ ዘምጽእ ዋህዮታት ዝገትእ ወይ ዘጥፍእ ብላፓሮስኮፕ ዝግበር ናይ ጨረር ሕክምና ይእዘዘለን ኢዩ: እዚ ኸኣ ነቲ ዝስምዓካ ቃንዛ የዐግሶ ኢዩ።

መጥባሕትን ምድጋስን

ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ክገብር እቲ ዝሓሸ ዀይኑ ተሰማዓና። እቲ ከረጺታት ብመጥባሕቲ ምስ ተኣልየ: ኵሉ ናይ ጥዕና ጸገማተይ በቲ ዝገበርክዎ መጥባሕቲ ኽመሓየሽ ከም ዘይክእል እቲ ሓኪም ክነግረኒ ኸሎ ተገሪመ ኢየ። ኣብ መጻኢ ንዘጋጥም መኻልፍ ብምስጋር ብእተኻእለኒ መጠን ንዅነታተይ ተቐቢለ ብተስፋ ክቕጽል ነገረኒ። ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንኽሕግዘኒ ድልዊ ምዃኑ ድማ ኣረጋገጸለይ።

ማህደረ-እንቋቝሖይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ናይ ኦልትራሳውንድ ምርመራ ኽገብር ከም ዘሎኒ እሞ ከከም ኵነታቱ ድማ ሓሓሊፉ መድሃኒት ንምውሳድ ክዳሎ ነገረኒ። ጎናዶትሮፒን-ረሊዝን ሆርሞን እተባህለ ናይ ኒውሮ​ሆርሞን ሕክምና ብቕልጡፍ ክገብር ድማ ኣዘዘለይ። እዚ ሕክምና እዚ ነቶም ንማህደረ-እንቋቝሖ ኸም ዝዓዪ ዝገብርዎ ሆርሞናት ደው ስለ ዘብሎም ኣብ ሰብ ኣምጽኦ ብትከተ-ጽግያት ኣተኹ። እዚ መድሃኒት እዚ ዓጻጽምቲ ስለ ዘፍኵስ ወይ ድማ ምስ ጽንፈ-ጽግያት እተተሓሓዘ ካልእ ለውጥታት ስለ ዘስዕብ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ኢዩ ክውሰድ ዝከኣል።

ሕክምና ካብ ዝውድእ ሓደ ወርሕን ፈረቓን ምስ ሓለፈ: ከም እሾኽ ዝሽቕሽቕ ቃንዛ ክስምዓኒ ጀመረ። እቲ ሕማም ክደግስ ከም ዝኽእል ኣንቢበ ስለ ዝነበርኩ ገዛእ ርእሰይ ከዳሉ ጻዕሪ ገይረ ኢየ። ቀልጢፉ ዝደግሰኒ ዀይኑ ግን ኣይተሰማዓንን ነይሩ። ናይ ኦልትራሳውንድ ምርመራ ምስ ገበርኩ ኣብ ጸጋማይ ማህደረ-እንቋቝሖይ ሓደ ዓቢ ከረጺት ከም እተኣከበ ተረጋገጸ። ብኡንብኡ ግን እተኣዘዘለይ መድሃኒት ንሓደ ሰሙን ወሰድኩ እሞ እቲ ቓንዛ ሃድኣለይ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ እዛ ሓዳስ ከረጺት እዚኣ ጠፍአት። ንዓመትኡ ግን ካልእ ከረጺት ተፈጥረት። ኣብዚ ተሪፉኒ ዘሎ ዕምሪ ጥንቃቐ ክገብርን ሓገዝ ሓኪም ከናድን ከድልየኒ ኢዩ።

ኤንዶሜትርዮሲስ ንሆርሞናትን ዓቕሚ ምክልኻልን ዘጥቅዕ ሕማም ስለ ዝዀነ: ኣብ ርእሲ መድሃኒት ንኣካላተይ ሚዛኑ ኸም ዝሕሉ ዝገብሮ ካልእ ነገራት እውን ኣሎ። ዘይቀነየ ኣሕምልቲ ይኹን ፍሩታታት ከምኡውን ቪታሚናት ብምውሳድን ካፈይን ብምንካይን ኣመጋግባይ ከተዓራሪ ይግብኣኒ ኢዩ። ዝያዳ ምውስዋስ ኣካላት እገብርን ንዕረፍቲ እኹል ግዜ እምድብን ኢየ። ኵሉ እዚ ነቲ መድሃኒት ዘለዎ ጐድናዊ ሳዕቤናት ክቕንስን ኣካላተይ ክድልድልን ኣኽኢሉኒ ኢዩ።

እዚ ዅሉ መከራ ከጓንፈኒ ኸሎ ነቲ በዓል ቤተይ ዝገበረለይ ድንጋጽ ዝመልኦ ደገፍን ዘርኣዮ ፍቕራዊ ምርዳእን ኣቕሊለ ኣይርእዮን ኢየ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ኵሎም እቶም ኣብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ግሪኽ ዝዓዩ ወለንተኛታት መሳርሕተይ ዝገበሩለይ ደገፍ ንልበይ ዘረስርስ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስቲ ‘ኣብ መደቀሲ ድናሰይ ከሎኹ ዝደገፈኒ’ የሆዋ ዘሎኒ ብሕታዊ ርክብ ደልዲሉለይ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 41:⁠3

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኢሂን ምሂን ተበሃሃሉ!

ሕማምን ቃንዛን ኣብ ዝዀነ ይኹን ርክብ ናይ ውጥረት ሃዋህው ከም ዝሰፍን ዝገብር ኢዩ። እንተዀነ ግን ናይ ምድንጋጽን ምርዳእን ክእለት ዝያዳ ንምምዕባል ኣጋጣሚ ዝኸፍት እውን ኢዩ። እቲ ሕማም ዘይሓዊ እንተድኣ መሲሉ ባህርያት እታ ሕምምቲ እናረኣኻዮ ክቕየር ይኽእል ኢዩ። እዚ ዅነታት እዚ ኸኣ ንኣባላት ስድራቤት ብፍላይ ድማ ንናይ መርዓ ብጾት ብድሆ ክዀኖም ይኽእል ኢዩ። ሰብኣይን ሰበይትን በዚ ተስፋ ኣብ ክንዲ ዝቘርጹ: ንምውቃስ ደንጐይቲ በደል ንምሕዳግ ከኣ ቅልጡፋት ብምዃን ነቲ ኢሂን ምሂን ናይ ምባል ክእለቶም ንምምዕባል ክጽዕቱ ይግብኦም።

ኤንዶሜትርዮሲስ ዘሳቕያ ጓል ኣንስተይቲ ንወርሓዊ ጽግያታ ወዲ ተባዕታይ ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ ከም ዘይክእል ብምግንዛብ በዓል ቤታ ዅነታታ ክደናግሮ ከም ዝኽእል ክትርስዕ የብላን። ይኹን እምበር: በዓል ቤታ ብዛዕባ እቲ ግድል ግንዛበ እንተድኣ ረኺቡ ብዝበለጸ ርዱእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ቀጺሉ ገለ ነታ ሕምምቲ ኽሕግዛ ዝኽእል ሓሳባት ቀሪቡ ኣሎ።

◼ በዓል ቤትኪ ውሽጥኺ ብምፍላጥ ኵነታትኪ ክርዳእ ስለ ዘይክእል: ብኸመይን ኣበይን ከም ዘሕመኪ ግለጽሉ

◼ ንዓኽን ንበዓል ቤትክን ብዛዕባ ኤ,ንዶሜትርዮሲስ ዝምህረኩም: ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ድማ ተወሳኺ ግዜ ብምውሳድ ሓገዙ ዘወፊ ሓኪም ምረጺ

◼ ብዛዕባ እቲ ዝስምዓኪ ለውጥታት​—⁠ይሕሸኪ እንተድኣ ኣልዩ ዀይኑውን​—⁠ንበዓል ቤትኪ ንገርዮ!

◼ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ከንብብ ሕተትዮ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኤንዶሜትርዮሲስ እንታይ ኢዩ፧

ኤንዶሜትርዮሲስ ካብቲ ኤንዶሜትሪዩም ዝብል ነቲ ብዋህዮታት እተነጽፈ ውሽጣዊ ቐጸላ ማህጸን ዘመልክት ናይ እንግሊዝኛ ቓል ዝወጸ ኢዩ። ኤንዶሜትርዮሲስ ምስቲ ነቲ ውሽጣዊ ቐጸላ ማህጸን ዘቕውም ዋህዮታት ዝመሳሰል ዋህዮታት ካብ ማህጸን ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ኣካላት ክወጽእ ኸሎ ዝኽሰት ኵነታት ኢዩ። እዚ ሕማም እዚ ኣብ ከም ማህደረ-እንቋቝሖ: ፍሕኛ: ከምኡውን መዓናጡ ዝኣመሰለ ኣብ ጥቓ ማህጸን ዝርከብ ክፍሊ ኣካላት ክወጽእ ኸሎ ኣብ ገሊአን ሕሙማት ከኣ ኣብ ከባቢ ጎሎ ኸጋጥም ይኽእል ኢዩ።

ኤንዶሜትርዮሲስ ዘይንቡር ዕብየት ዋህዮታት ከም ዝህሉ ዝገብር እኳ እንተዀነ: መንሽሮ ዘስዕብ ግን ኣይኰነን። ኤንዶሜትርዮሲስ ሕማም ዝኸውን ዘሎ ዘይንቡር ዋህዮታት ስለ እተፈጥሩ ዘይኰነስ ኻብ ማህጸን ወጻኢ ስለ ዝዀነ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ማህጸን ግን እዚ ዋህዮታት እዚ ንዕብየት እቲ ተጠኒሱ ዘሎ ዕሸል ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ ጥንሲ ዘይሓዛ ደቂ ኣንስትዮ እዚ ዋህዮታት እዚ ኣብ እዋን ጽግያት ንግዳም ይወጽእ።

እቲ ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝርከብ ናይ ውሽጣዊ ቐጸላ ማህጸን ዋህዮታት ግን ካብ ኣካላት እታ ጓል ኣንስተይቲ ክወጽኣሉ ዝኽእል መገዲ የልቦን። ከም ውጽኢት እዚ ኸኣ ውሽጣዊ መድመይቲ: ናይ ደም ምብልሻውን ናይቲ ካብ ማህጸን ወጻኢ ሱር ዝሰድድ ናይ ውሽጣዊ ቐጸላ ዋህዮታት ምቅንጣብን: ምንዳር ናይቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ክፍልታት: ከምኡውን በሰላ ውሽጣዊ ዋህዮታት ዘስዕብ ኢዩ። ከከም እቲ ዋህዮታት ዝዓብየሉ ዘሎ ቦታታት ድማ ከም ናይ ኣካሊታት ምጥባቕ: ናይ መዓንጣ መድመይቲ ወይ ምቝጻር: ፍሕኛ ብግቡእ ንኸይትዓዪ ምትዕንቓፍ: ምዝንባል ድቂ ዝኣመሰለ ጸገማት ገለ ኻብቲ ዘስዕቦ ሕልኽላኻት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንገሊአን ሕሙማት ሓንሳእ እናገደፈ መሊሱ ዝደግሰን እኳ እንተዀነ: እቲ ዝስምዐን ምልክታት ሕማም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ክኸይድ ይኽእል ኢዩ።

[ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሻምብቆታት ማህጸን

ማህጸን

ማህደረ-እንቋቝሖ

ኤንዶሜትሪዩም (ኣብ መናድቕ ማህጸን ዘለዉ ዋህዮታት)

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝርከቡ ቀጸላታት ውሽጢ ማህጸን ይሰባበሩ እሞ ይደምዩ: ንግዳም ዝወጽሉ መገዲ ግን የብሎምን

ኣብ ማህደረ-እንቋቝሖ ዝፍጠር ምጥባቕ

 ካብ ማህጸን ወጻኢ ዘሎ ውሽጣዊ ቀጸላ ማህጸን

ካብ ማህጸን ወጻኢ ዘሎ ውሽጣዊ ቀጸላ ማህጸን

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

“ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝርአ ጊንጢ ሕማም” ድዩ፧

ብዛዕባ እቲ ኤንዶሜትርዮሲስ ዘምጽኦ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ሳዕቤናት ዝያዳ ንምፍላጥ መጽሔት ንቕሑ! ንፕረዚደንት እቲ ኣብ ዊስኮንሲ ከተማ ሚልዎኪ ዝመደበሩ ማሕበር ኤንዶሜትርዮሲስ ሜሪ ሉ ቦልዌግ ኣዘራሪቡዋ ነይሩ። ቍንጽለ ትሕዝቶ እቲ ቃለ-መጠይቕ እንሆ:-

ሕቶ:- “ኤንዶሜትርዮሲስ” ኣብ ስምዒት ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ዝበለ ጽልዋ ኣለዎ፧

መልሲ:- እዚ ብዓቢኡ ኣብቲ እቲ ሕማም ዘስዕቦ ነገራት እተመርኰሰ ኢዩ። ነተን ኣብ ዕድመ ጕርዝነት ዝርከባ ኣዝዩ ብስምዒት ክደቝሰን ይኽእል ኢዩ። ኵነታተን ብቐሊሉ ስለ ዘይፍለጥ እንታይ ከም ዘጓነፈን ብርግጽ ክግንዘብኦ ኣይክእላን ኢየን። ብኸምዚ ዝበለ ጕዳያት ከኣ ኣዝየን ተኣፈፍቲ ኢየን። ብዛዕባ ኸምዚ ዝበለ ጕዳያት ንወለደን ይኹን ንኻልኦት ክዛረባ ኣይደልያን ኢየን። ስለዚ እዘን መንእሰያት እዚኣተን ንገዛእ ርእሰን ምስ ካልኦት ብምውድዳር ዘይረብሓን ጕድለት ዘለወንን ኰይኑ ኢዩ ዝስምዐን። መብዛሕትአን ኣብቲ ናይ ትምህርቲ ንጥፈታተን ይዳኸማ: ካብ ማሕበራዊ ናብራ ድማ ይግለላ። ትምህርተን ዘቋረጻ ብዙሓት ኣዋልድ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እንተወሓደ ሓንቲ ጓል ብሰንኪ እቲ ኤንዶሜትርዮሲስ ዘስዕቦ ከቢድ ናይ ጥዕና ግድል አብ ትምህርታ ኽትዕወት ከም ዘይከኣለት ጸብጻብ ይበጽሓና ኢዩ።

ሕቶ:- ብዛዕባ ምርዑዋትን ዓበይትን ደቂ ኣንስትዮኸ እንታይ ምበልኪ፧

መልሲ:- ቃንዛ ኣብ ሓዳር ህድኣት ከም ዘይህሉ ኢዩ ዝገብር: እዚ ኸኣ ብፍላይ ኵነታት ናይታ ሰበይቲ ብልክዕ እንተድኣ ዘይተፈሊጡ ዝገደደ ኢዩ። እቲ ምኽንያት እንተድኣ ተፈሊጡ ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ክብድህዎ ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚ ብምግባር ኢዮም ነዚ ሕማም እዚ ዘምጽኦ ሳዕቤናት ክዋጽእሉ ዝኽእሉ። ኵነታት እታ ሰበይቲ ብልክዕ እንተድኣ ዘይተፈሊጡ ግን ውጽኢቱ ብሓቂ ዝኸፍአ ኢዩ። ንሓንቲ መሳርሕትና ኵሉ እቲ ዝስምዓ ዝነበረ ሕማማት ባዕላ ኣብ ኣተሓሳስብኣ ዘሕደረቶ እምበር ናይ ሓቂ ኸም ዘይኰነ ሓኪማ ኣብ ቅድሚ በዓል ቤታ ነገራ። በዓል ቤታ ኸኣ ነቲ ሓኪም ኣመኖ: ሕጂ እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ተፋቲሖም ይርከቡ። እዚ ኸምዚ ዝበለ ዘይምርዳእ ዓቢ ሽግር ኢዩ። ምትራር ኣካሊት ዘስዕብ መትንታት ነርቭ ዝትንክፍ ማልቲፕል ስሎረሲስ ዝበሃል ሕማም ይኹን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሕማማት ከም ዘሎካ ንስድራቤትካ ምስ እትነግሮም: ናይ ድንጋጽን ደገፍን መልሰ-ግብሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሕማምካ ኤ,ንዶሜትርዮሲስ ምዃኑ ምስ እትገልጸሎም ግን እዚ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝርአ ጊንጢ ሕማም ኰይኑ ኢዩ ዝርኣዮም። ብዛዕብኡ ክዛረብ ዝደሊ ሰብ ፍጹም የልቦን። ዝዀነ ይኹን ደገፍ ክትረኽበሉ ዘይከኣል ኢዩ።

ሕቶ:- “ኤንዶሜትርዮሲስ” ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ሰብኡተን: ደቀን: ከምኡውን ወለደን እንታይ ደገፍ ክረኽባ ይግብአን ትብሊ፧

መልሲ:- ቅድም ቀዳድም ንዓኣን ነቲ ኣጓኒፉ ዘሎ ኵነታትን ኣሚኖም ክቕበልዎ ዝግባእ ኰይኑ ይስምዓኒ። ልክዕ ከምቲ ኻልእ ዓይነት ሕማም ምስ ዘጋጥም ክገብርዎ ዝኽእሉ ደገፍ ከበርክቱ ኣለዎም። ዝዓበየ ክፋል ናይዚ ደገፍ እዚ ብዛዕባ እቲ ሕማም ብእተኻእሎም መጠን ዝያዳ ኽፈልጡ ምጽዓት ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ሕማም ኣጸቢቕካ ምስ እትፈልጥ: ነቲ ሕማም ይኹን ገለ ኻብቲ ዝውሰድ መድሃኒታት ዘለዎ ሳዕቤናት ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዘሎ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ሰብነት ጓል ኣንስተይቲ ምዝራብ ከም ዘይንቡር ገይሩ ኢዩ ዝወስዶ። እዚ ብሓቂ ዘሕዝን ኢዩ። ስለዚ ኣብ መላእ ዓለም ዘጓንፈና ዝዓበየ ግድል ነቲ ሰባት ጓል ኣንስተይቲ ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ዘለዎም ኣረኣእያ ምቕያር ኢዩ።

[ስእሊ]

ሜሪ ሉ ቦልዌግ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ