መንእሰያት ንሞት ኣፍኲስካ ናይ ምርኣይ ባህርይ ከወግዱ ምሕጋዞም
ሎሚ ምስ ሞት ዝተሓሓዝ ጕዳይ ንመንእሰያት ዝምስጦም ስለምንታይ ኢዩ፧ ተወካሊ ናይ ግዝኣት ኢሊኖይ: ሕ.መ.ኣ. ዝዀነ ሄንሪ ሃይድ “ኣብዞም መንእሰያት እዚኣቶም በቲ ንሞት ኣፍኲስካ ናይ ምርኣይ ባህርይን ብዓመጽን እተመልአ መንፈሳዊ ባዶነት ኣሎ” በለ።
ሓደ ኣንባቢ መጽሔት ታይም (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ሎሚ ኣብ መንእሰያትና ዝርአ ዘሎ ንሞት ኣፍኲስካ ናይ ምርኣይ ባህርይ ብሰንኪ ህኩያት ወለዲ: ዓመጽ ዝመልኦ መዘናግዒታት: ከምኡውን ብሰንኪ ጕድለት ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ስልጠና ኢዩ መጺኡ።”
ጽምዋ እውን ሓደ ካብቲ ንመንእሰያት ዘጥቅዖም ዘሎ ከበድቲ ጸገማት ኢዩ። ገሊኣቶም ክልቲኦም ወለዶም ስለ ዝሰርሑ መብዛሕትኡ እዋን ምስ ወለዶም ኣይራኸቡን ኢዮም: ሓደ ወላዲ ጥራይ ዘዕብዮም እውን ኣለዉ። ብመሰረት ሓደ ምንጪ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ መንእሰያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ 3.5 ሰዓታት ንበይኖም የሕልፍዎ: ምስቶም ኣብ 60ታት ዝነበሩ መንእሰያት ምስ ወለዶም ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ግዜ ክወዳደር ከሎ ኸኣ ኣብ ሰሙን ብ11 ሰዓታት ይውሕድ። አረ ገሊኦም መንእሰያትሲ ብወለዶም ዋላ ሓንቲ ሓገዝ ወይ ስምዒታዊ ደገፍ ኣይግበረሎምን ኢዩ።
ወለዲ ኽገብርዎ ዝኽእሉ ነገራት
እቲ ንመንእሰያት ኣጋጢምዎም ዘሎ “መንፈሳዊ ባዶነት” ኣብ ግምት ብምእታው ወለዲ ኣብዚ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎም፧ ጥበበኛታት ወለዲ በቲ ሓደ ሸነኽ ደቆም ጥዑይ መዘናግዒ: በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ስሩዕ ብሕታዊ ደገፍ ከም ዘድልዮም ይርድኡ ኢዮም። ወለዲ ብፍቕራዊ ሓልዮት ተደሪኾም ንደቆም ብዛዕባ ኣብ ሙዚቃ: ፕሮግራማት ቴለቪዥን: ቪድዮታት: ልብ ወለድ: ጸወታታት ቪድዮ: ከምኡውን ኣብ ፊልምታት ዘለዎም ምርጫ ከዘራርብዎም ይኽእሉ ኢዮም። መንእሰያት ዘይገልጽዎ እኳ እንተዀኑ: መብዛሕትኦም ግን ናይ ወለዶም ፍቕርን መምርሕን ክረኽቡ ሃንቀው ይብሉ ኢዮም። ብዘደናግር ነገራት ኣብ ዝመልአት ዓለም ስለ ዝነብሩ ንጹር መልስታት ኢዮም ዝደልዩ። ወለዲ ኻብቲ መንእሰያት ዝነበሩሉ እዋን ንላዕሊ እዞም ሕጂ ዘለዉ ቈልዑ ኣብ እተሓላለኸት ዓለም ይነብሩ ምህላዎም ክርድኡ ኣለዎም።
ንደቆም ዕቝባ ክዀኑ ዝደልዩ ወለዲ ብቐጻሊ ምስ ደቆም የዕልሉ: ጽን ኢሎም ይሰምዕዎም: ከምኡውን ኣብዚ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ይርአ ኻብ ዘሎ ሓደጋታት የጠንቅቕዎም ኢዮም። ወለዲ ንደቆም ጽኑዕ ቀይድታት እንተድኣ ገይሮምሎም: ኣብቲ ቐይድታቶም እውን ዘይለማመጡን ምኽንያታውያንን እንተድኣ ዀይኖም: መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ፍረ የፍርዩ ኢዮም።—ማቴዎስ 5:37
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለዲ ምስ ደቆም ብመጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተመስረተ ጽሑፋትን ቪድዮታትንa ገይሮም ብቐጻሊ ምይይጥ ንምግባር ጻዕሪ ይገብሩ ኢዮም። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ንደቆም ንምግናሕ ዘይኰነስ ብመንፈስ ዝሃንጽ ሓሳባት ንምዝርራብ ኢዮም ዝጥቀምሉ። ኣብዚ ናይ ስድራቤት ምትእኽኻብ ንመንእሰያት ደቆም ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ኣቓልቦ ምእንቲ ኽገብሩሎም ነፍሲ ወከፍ ውላዶም ብብሕቱ ንዘጋጥሞ ጸገማት ወይ ብድሆታት ክነግሮም ከሎ ጽን ኢሎም ኢዮም ዝሰምዕዎ።
ካብ ወለዶም መንፈሳዊ መምርሒ ዘይረኽቡ መንእሰያት: ካብ መዝሙር 27:10 ብርታዐ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም፣ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ከምዚ ትብል:- “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ: እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ።” እቲ ኣቦ ምሕረት ዝዀነ የሆዋ ንመንእሰያት ብኸመይ ኢዩ ዝሕግዞም፧ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብዙሓት ሰባት ፍቕሪ ዝረኽብሉን ዝነበሮም ምጥርጣር ዘወግድሉን መጸግዒ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ነዚ ነገር እዚ እተመከሮ ጆስያስ ከምዚ በለ:- “ማሕበር የሆዋ ኣገዳሲ ግደ ኢያ እትዓምም። ህይወት ዋጋ ዘይብሉ ይመስለኒ ነይሩ። ትርጕምን ተስፋን ዘይብሉ ህይወት ኢዩ ነይሩኒ። ዝድግፈኒ ከም ዘሎኒ ምፍላጠይ ንህይወተይ ምሉእ ብምሉእ ለወጦ። እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት ኣብ ክንዲ እቶም ዝሰኣንክዎም ስድራቤተይ ኰይኖምለይ ኢዮም። እቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ሽማግለታትን ስድራቤታትን ብስምዒታዊ መዳይ ከም መልህቕ ኢዮም ኰይኖምኒ።”
ብሓቂ ኽርአ ኸሎ: ብዙሓት መንእሰያትን ዓበይቲ ሰባትን ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ኣኼባታት ብምክፋል ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕንኦም ኣመሓይሾም ኢዮም። ብዛዕባ ስነ-ሰብ እትመራመር ፓትሪሽያ ፎርቱኒ ሎስ ተስቲጎስ ደ ጀሆቫ:- ኡና ኣልተርናቲቫ ረሊጂዮሳ ፓራ ኢንፍረንታር ኢል ፊን ደል ሚሌኒዮ (ናይ የሆዋ መሰኻኽር:- ንመወዳእታ ናይዚ መዋእል ንምግጣም ዘኽእል ሃይማኖታዊ ኣማራጺ) ብዝብል ኣብ ዘቕረበቶ ቴማ ብዛዕባ እዚ ኣወንታዊ ጽልዋ እዚ ከምዚ በለት:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመዓልታዊ ህይወትና ዝኸውን ንጹርን ዘየደናግርን ስርዓታት ከምኡውን ንኣተሓሳስባን ተግባራትን ዝጠቅም ቅኑዕ መምርሒታት ኢዮም ዘቕርቡ።” እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ “ስርዓታት” ከምኡውን “መምርሒታት” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኢዩ። ስለዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከም ጐረባብቶም ተመሳሳሊ ጸገማትን ጸቕጥታትን ዝወርዶም እኳ እንተዀነ: በቲ ኣብቲ ናይ ጥንቲ መጽሓፍ ዘሎ ፍልይ ዝበለ ጥበብ ይበራትዑ ኢዮም። እወ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ንጹር ሰረተ-እምነታትን መምርሒታትን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕቝባ ይዀኖም ኢዩ።
‘ድሕሪ ደጊም ሞት ዘይኰነሉ’ ግዜ
እቲ ኣብ ኣደራሻት መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወሃብ ትምህርቲ ብተደጋጋሚ ኣብቲ ኣምላኽ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሓዳስ ዓለም ክፍጽሞ እተመባጽዖ መብጽዓ ዘተኵር ኢዩ፣ እቲ እዋን እቲ “ጽድቂ ዚነብረሉ” ከምኡውን ‘ዘፍርህ ዘይህልወሉ’ ግዜ ክኸውን ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ሚክያስ 4:4) ብተወሳኺውን ነብዪ ኢሳይያስ: ኣምላኽ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ሞት ናብ ደቅሰብ ዝኣተወ ብሰንኪ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ: ኣዳም: ዝፈጸሞ ሓጢኣት ኢዩ: ኣምላኽ ተመባጺዑልና ዘሎ ነገር ግን ድሕሪ ሓጺር እዋን ‘ሞት ከም ዘይከውን’ ኢዩ።—ኢሳይያስ 25:8፣ ራእይ 21:3, 4፣ ሮሜ 5:12
ሓገዝ እትደሊ መንእሰይ እንተድኣ ዄንካ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋን ትርጕም ህይወትን ንኽትረክብ ተዓዲምካ ኣሎኻ። ዝበለጸ ግዜ ገና ኣብቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ሓዳስ ዓለም ይጽበየና ከም ዘሎ ተስፋ ንኽህልወካ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሕግዙኻ ይኽእሉ ኢዮም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተዳለወት ያንግ ፒፕል ኣስክ—ሃው ካን ኣይ ሜክ ሪል ፍሬንድስ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣላ። ኣብዚ እዋን እዚ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ኢያ እትርከብ ንመንእሰያት ከኣ ተግባራዊ ሓገዝ ትህብ።
[ኣብ ገጽ 10 ፍረ ሓሳብ]
“ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመዓልታዊ ህይወትና ዝኸውን ንጹርን ዘየደናግርን ስርዓታት . . . ኢዮም ዘቕርቡ”
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ወለዲ ግዜ መዲቦም ንደቆም ጽን ኢሎም ክሰምዕዎምን ንዘጋጥሞም ጸገማት ክርድኡሎምን ኣለዎም