ንሞት ኣፍኲስካ ናይ ምርኣይ ባህርይ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧
“ኣብ መንጎ እቶም ከቢድ ስቓይ ዝወረዶም ስደተኛታት መንእሰያት ኮሶቮን ኣብቶም ንዓመጽን ካልእ ሕማቕ ተመክሮታትን እተቓልዑ ኣመሪካውያን ቈልዑን ብኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ዝቝጸር ርሕቐት እኳ እንተሎ እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ስምዒታዊ ምርሕሓቕ ግን ክሳዕ ክንድቲ ብዙሕ ከይከውን ይኽእል ኢዩ።” —ማርክ ኮፍማን: ዘ ዋሽንግተን ፖስት
ፈቲና ጸሊእና ሞት ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ይትንክፈና ኢዩ። ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ማለት ብግጭት ኣብ እተናወጸት ሃገር ወይ ተዛማዲ ምርግጋእ ኣብ ዘለዋ ሃገር ንንበር ብዘየገድስ እዚ ዘይተርፍ ኢዩ።
ሞት ኣፍኲስካ ይርአ ከም ዘሎ ካብቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ዘሎ መንፈስ ጭንቀት: ጓሂ: ወልፊ ሓሽሽ: ምንጻል ጥንሲ: ንርእስኻ ዝጐድእ ጠባይ: ርእሰ-ቕትለት: ከምኡውን ካብዚ ብብዝሒ ዝፍጸም ዘሎ ቕትለት ክንግንዘቦ ንኽእል ኢና። ኣብ ሳን ኣንቶንዮ: ቴክሳስ: ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ትሪኒቲ ናይ ክፍሊ ስነ-ማሕበርን ስነ-ሰብን ፕሮፌሰር ማይክል ካርል: ንሞት ከም መቈጻጸሪ ገይርካ ኣብ ምጥቃም ዝመጸ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ኣብ መወዳእታ መበል ዕስራ ዘመን [1999] ኴንና ኽንዕዘብ ከሎና: . . . ሞት ንናይ ማሕበራዊ ስርዓት ህይወት: ህላወ: ከምኡውን መዋቕር ዘንቀሳቕስ ሓይሊ ዀይኑ ኣሎ። ንሃይማኖታት: ፍልስፍናታት: ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባት: ስነ-ጥበብ: ከምኡውን ንናይ ሕክምና ቴክኖሎጂ ዘንቀሳቕስ ሞት ኢዩ። ጋዜጣታት ንኽሽየጥን ውዕላት መድሕን ንኽግበርን ይድርኽ: ንፕሮግራማት ቴለቪዥን መሳጢ ይገብሮ: . . . ንኢንዱስትሪታትና እውን ከይተረፈ የንቀሳቕስ ኣሎ።” ኣብዚ ግዜና ሞት ኣፍኲስካ ናይ ምርኣይ ባህሪ ብኸመይ ይንጸባረቕ ከም ዘሎ እስከ ንመርምር።
መሸጣ ኣጽዋር
ሞት ኣፍኲስካ ይርአ ምህላዉ ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝግበር መሸጣ ኣጽዋር ይንጸባረቕ ኢዩ። ኣጽዋር ውግእ ንወተሃደራት ንምቕታል ተባሂሉ ኢዩ ዝስራሕ: እንተዀነ ግን መብዛሕትኦም ግዳያት ኣንስትን ቈልዑን ዝርከብዎም ሰላማውያን ሰባት ኢዮም። ኣብ ውግእ ሓድሕድ ኰነ ኣብ ካልእ ውግኣት: ኵሉ ሳዕ ህይወት ሕሱር ኢዩ። ሓደ ቐንጻሊ ዝትኵሳ ጥይት ክንደይዶ ተውጽእ ኢያ፧
ኣብ ገሊኡ ሃገራት ኣጽዋር ብቐሊሉ ኽርከብ ብምኽኣሉ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ይኹን ብጕጅለ ቕትለት ብዘስካሕክሕ መገድን ብቐጻልን ይውስኽ ኣሎ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሊትልተን: ኮሎራዶ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ: መሸጣ ኣጽዋር ብምስፍሕፋሑን ንኣሽቱ ብቐሊሉ ክረኽብዎ ብምኽኣሎምን ተቓውሞታት ተላዒሉ ነይሩ። ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቕተሉ መንእሰያት ኣዝዩ ዘሰምብድ ኢዩ፣ ብመሰረት መጽሔት ኒውስዊክ (እንግሊዝኛ) ብገምጋም 40 ኣብ ሰሙን ይቕተሉ። ካብዚኣቶም ድማ ዳርጋ 90 ሚእታዊት ብጥይት ኢዮም ዝቕተሉ። እዚ ኣሃዝ እዚ ናብ ዓመት እንተድኣ ቀዪርናዮ ከምቲ ኣብ ሊትልተን እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት 150 ግዜ ይፍጸም ማለት ኢዩ!
መዘናግዒ
ብዛዕባ ሞት ዝምልከት ጕዳይ ኣብ ፊልምታት ይትኰረሉ ኢዩ። ንኣብነት: ቀንዲ ታሪኽ ናይ ገሊኡ ፊልምታት ንዘይስነ-ምግባራውነት: ዓመጽ: ንግዲ ሓሽሽ: ወይ ንእተወደበ ዓመጽ ኣጸባቢቑ ብምቕራብ ንዋጋ ናይ ህይወትን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን የሕስሮ። ገሊኡ ፊልምታት ድሕሪ ሞት ህይወት ብምርካብ ንህያዋን ክበጽሑ ብዛዕባ ዝመጹ ሰባት ዝትርኽ ጽውጽዋያት ብምቕራብ ሙማት ዘደንቕ ከም ዝዀነ ገይሩ ኣቕሪብዎ ኢዩ፣ እዚ ድማ ንሞት ኣፍኲስካ ከም እትርእዮ ጥራይ ኢዩ ዝገብር።
ገሊኡ ፕሮግራማት ቴለቪዥንን ሙዚቃን እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ብመሰረት ኣብ ዜና ዝቐረበ ጸብጻባት: እቶም ኣብ ሊትልተን ቅትለት ዝፈጸሙ መንእሰያት ንሓደ “ኵለንትናዊ ኣቃውምኡ ወዲ ይኹን ጓል ንምፍላይ ዘጸግም ኰይኑ ብምቕራብ: ሰይጣናዊ ምስልታት ብምግባር: ከምኡውን ብዛዕባ ዕልወትን ሞትን ዝገልጽ ትሕዝቶ” ዘለዎ ደርፍታት ብምውጻእ ዕሉል ዝዀነ ናይ ሮክ ደራፊ ኣጸቢቖም ይፈትዉዎ ነበሩ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቈልዑ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘሕድረሎም ነገር ንኸይርእዩ ተባሂሉ ኣብቲ ንፕሮግራማት ቴለቪዥን ዝወሃብ ናይ መዐቀኒ ደረጃታት ምምሕያሽ ተገብረ። ውጽኢቱ ግን ብኣንጻሩ ኢዩ ዀይኑ። ጆናታን ኦተር ኣብቲ ናብ ኒውስዊክ ዝጸሓፎ ጽሑፍ “እዚ ንቘልዑ ነቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገር ዝሓየለ ባህጊ ኸም ዘሕድሩ ክገብሮም ይኽእል ምዃኑ” ሓሳብ ሃበ። ወሲኹ ድማ እቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝርአ ዓመጽ ክቕንሱ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ምእንቲ ኽስከፉን ሓላፍነት ክስምዖምን: ፕረዚደንት ክሊንተን “ዝርዝር ኣስማት ናይ ዓበይቲ ኩባንያታት (ከምኡውን ኣካየድተን) ብግሁድ ከንብብ” ከም ዝነበሮ ገለጸ፣ እዘን ኩባንያታት እዚኣተን ብኻራ ምጅቕቓት ዘርኢ ፊልምታትን ‘ጋንግስታ ራፕ’ ዝበሃል ሙዚቃን ኣብ ምድላው ጥራይ ዘይኰነስ ንቘልዑ “ልክዕ ሰባት ዝቐትሉ ዘለዉ ከም ዝመስሎም” ዝገብር ናይ ኮምፒዩተር ጸወታታት ኣብ ምፍራይ እውን እተዋፈራ ኢየን።
ሞት—ኣብ ናይ ቪድዮ ጸወታታትን ኢንተርነትን
ሮበርት ዋሪንግ ኣብታ ዘ ደዝማች ማኒፌስቶ ዘርእስታ መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) እቲ ደዝማች ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ግጥም ቅትለት ጸወታታት ኣብ መንእሰያት ረኺብዎ ዘሎ ህቡብነት ገሊጹ ኣሎ።a ሚስተር ዋሪንግ ተሓቢኦም ነዚ ጸወታ እዚ ዝጻወትዎ ሰባት ይፈርዩ ከም ዘለዉ ይኣምን ኢዩ። እዚ ጸወታታት እዚ ጠቓሚ ትምህርቲ ኣይኰነን ዝህብ: የግዳስ ብኸመይ ከም እትቐትል ኢዩ ዝምህር። ዋሪንግ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ሃበ:- “ምስ ኣብ ዝዀነ ክፋል ዓለም ዝርከብ ህያው ተጻባኢኻ ገጢምካ ሓያል ምዃንካ ንኸተርኢ ምጽዓር ዓቢ ጽልዋ ዝገብር ኢዩ። እቲ ጸወታ ብቐሊሉ ክምስጠካ ይኽእል ኢዩ።” መንእሰያት በቲ ምቅትታል ዝረኣየሉ ህያው ዝመስል ምርኢት ተዋሒጦም ኢዮም። ገሊኦም ነዚ ጸወታታት ብኢንተርነት ክረኽብዎ ስለ ዘይክእሉ: ኣብ ቤቶም ኰይኖም ብቴለቪዥን ንኽጻወቱ ናይ ቪድዮ ጸወታታት ይዕድጉ። ካልኦት ከኣ ብተደጋጋሚ ናብ ናይ ቪድዮ መጻወቲ ዘለዎ ቦታታት ብምኻድ ገንዘብ ከፊሎም ይጻወቱ እሞ ምስ መጋጥምቶም ‘ናይ ሓቂ ዝመስል’ ቃልሲ ብምግባር ይቀታተሉ ኢዮም።
“ደዝማች ” ሰባት ከከም ዕድሚኦም ክጻወትዎ ተባሂሉ እተኸፋፈለ ጸወታ እኳ እንተዀነ: ከም ሓቂ ግን ምቍጽጻር ኣይግበረሉን ኢዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብር ወዲ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ኤዲ “ሰባት ነዚ ኽትገብር ዕድመኻ ኣየፍቅደልካን ኢዩ ዝብሉ እኳ እንተዀኑ [ነቲ ጸወታ] ካብ ምዕዳግ ግን ኣይክልክሉኻን ኢዮም” በለ። እዚ ኰተቴ እዚ ብሸጓጕጥ ምትዅዃስ ዘለዎ ጸወታ ኢዩ ዝፈቱ። ወለዱ ነዚ ዝፈልጡን ባህ ዘይብሎምን እኳ እንተዀኑ: እኹል ምቍጽጻር ግን ኣይገብርሉን ኢዮም። ሓደ ኰተቴ ኣብ ከምዚ ዝብል መደምደምታ በጽሐ:- “ሎሚ ዘሎ ወለዶ ካብ ካልኦት ወለዶታት ንላዕሊ ዓመጽ ርእዩ ስኽፍ ዘይብሎ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ቲቪ ድኣ እምበር ወለዲ ኣይኰኑን ንደቆም ዘዕብዩ ዘለዉ: ቈልዑ ኣብ ቴለቪዥን ዝርእይዎ ነገራት ድማ ዓመጽ ኢዩ።” ጆን ሊላንድ ኣብ ኒውስዊክ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብዚ እዋን እዚ 11 ሚልዮን ዝዀኑ [ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ] ኰተቴታት ኢንተርነት ክረኽቡ ስለ ዝኽእሉ: ናይ ብዙሓት መንእሰያት ህይወት ወለዲ ክቈጻጸርዎ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።”
ናብ ሞት ዘምርሕ ኣነባብራ
ካብቲ “ደዝማች ” ዝበሃል ጸወታታት ከምኡውን ዓመጽ ዝመልኦ ፊልምታት ወጻኢ ኣብ ዘሎ ዓለም ዝንጸባረቕ ባህርያትከ ኸመይ ይመስል፧ ኣብቲ ንቡር ህይወትና ምስ ፍልይ ዝበሉ ፍጥረታት ዘይንቀታተል እኳ እንተ ዀንና: ብዙሓት ሰባት ግን ንርእሶም እናጐድኡ ኢዮም ዝነብሩ። ንኣብነት: ሽጋራ ብዛዕባ ምትካኽን ሓሽሽ ብዛዕባ ምውሳድን ዝመጸ ካብ ስድራቤት ዝወርድ ጸቕጢ: ኣብ ጥዕና ዘለዎ ሳዕቤናት: ከምኡውን ሰበ-ስልጣን ዝህብዎ መጠንቀቕታት ንኽትገድፎ ዝድርኽ እኳ እንተዀነ: እዚ ወልፍታት እዚ እናገደደ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ንብዙሓት ዕምሮም ከም ዝሓጽር ገይርዎም ኢዩ። ሃብታማት ነጋዶን ነጋዶ ሓሽሽን ዘይግቡእ መኽሰብ ምእንቲ ኽረኽቡ ነቲ ሰባት ዘለዎም ጭንቀት: ተስፋ ምቝራጽ: ከምኡውን መንፈሳዊ ድኽነት ይጥቀምሉ ኢዮም።
ብድሕሪ እዚ ዅሉ ዘሎ መን ኢዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ከም ሓደ ክንዘናግዓሉ ዘሎና ኣርእስቲ ገይሩ የቕርቦዶ ኢዩ፧ ናብ ሞት ክመርሓና ዝኽእል ኣነባብራ ምንባር ምኽኑይዶ ኢዩ፧ ኣይኰነን። ከመይሲ ሓቀኛታት ክርስትያናት ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ንሞት ካብ ‘ጸላኢ’ ፈልዮም ኣይርእይዎን ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 15:26) ክርስትያናት ንሞት ከም ዝስሕብ ከምኡውን ከም መዘናግዒ ገይሮም ዘይኰነስ: ብሰንኪ ሓጢኣትን ካብ ኣምላኽ ምዕላውን ዝመጸ ዘይባህርያዊ ሳዕቤን ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። (ሮሜ 5:12፣ 6:23) ኣምላኽ ንደቅሰብ ክሞቱ ኢሉ ኣይፈጠሮምን።
ሰይጣን “ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ” ተባሂልሉ ኣሎ። “ቐታል ነፍሲ” እተባህለ ብቐጥታ ሞት ስለ ዘውርድ ጥራይ ዘይኰነስ: ብምትላል: ንሰባት ሓጢኣት ክፍጽሙ ብምሕባል: ብልሽውናን ሞትን ዘምጽእ ነገር ብምትብባዕ ከምኡውን ኣብ ኣልባብ ሰብኡት: ኣንስቲ: ቈልዑ እውን ከይተረፈ ናይ ምቅትታል ስምዒት ብምሕዳር ሞት ስለ ዘምጽእ ኢዩ። (እብራውያን 2:14, 15፣ ዮሃንስ 8:44፣ 2 ቈረንቶስ 11:3፣ ያእቆብ 4:1, 2) እንተዀነ ግን: መንእሰያት ቀንዲ ዒላምኡ ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧ ንኽንሕግዞምከ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a እዚ መጽሓፍ እዚ ኣብቲ “ደዝማች ” ዝበሃል ጸወታ “እቶም ተጻወትቲ ኣብቲ ብመስመር መራኸቢ ዝመጾም ህያው ዝመስል ጸወታታት ክቀታተሉ ይደፋፍኡ [ኢዮም]” ይብል።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
“ሎሚ ዘሎ ወለዶ ካብ ካልኦት ወለዶታት ንላዕሊ ዓመጽ ርእዩ ስኽፍ ዘይብሎ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ”