ህይወት ይሓስርዶ ኣሎ ኢዩ፧
“ህይወት ሓሲሩላ ኣብ ዘሎ ዓለም ኢና ንነብር ዘሎና። ሒደት ኣማእታት ፓውንድ [ስተርሊን] ጥራይ ከፊልካ ሰብ ከተቕትል ትኽእል ኢኻ: ነዚ ተግባር እዚ ዝፍጽሙ ሰባት ከኣ ብዝኸድካዮ ኢዮም ዝርከቡ።”—ዘ ስኮትስማን
ሚያዝያ 1999 ክልተ መንእሰያት ናብቲ ኣብ ሊትልተን: ኮሎራዶ: ሕ.መ.ኣ. ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ከሎምባይን ጥሒሶም ብምእታው ን13 ሰባትን ንገዛእ ርእሶምን ምስ ቀተሉ: እዚ ንምሉእ ዓለም ኣሰምበደ። ድሓር እተገብረ ምርመራ ከም ዝሕብሮ: ሓደ ካብቶም መጥቃዕቲ ዝፈነዉ መንእሰያት ኣብ ኢንተርኔት “ምዉታት ኣይከራኸሩን ኢዮም!” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ። ክልቲኦም እዞም መንእሰያት ኣብቲ ዘሕዝን ፍጻመ ሞይቶም ኢዮም።
ቅትለት ኣብ መላእ ዓለም የስፋሕፍሕ ኢዩ ዘሎ: ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ግዳይ ይዀኑ ኣለዉ። ብ1995 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 100,000 ተቐማጦ 75 ስለ እተቐትሉ ካብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ደረጃ ሒዛ ነበረት። ኣብታ ብ1997 ብሰንኪ ፖለቲካዊ ጕዳያት 6,000 ዝኣኽሉ ሰባት እተቐትሉላ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ህይወት ኣዝዩ ሓሲሩ ኢዩ። ገንዘብ ከፊልካ ሰብ ከም ዝቕተል ምግባር እውን ልሙድ ተግባር ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ኣብታ ሃገር ዝወጸ ሓደ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “እቲ ዘሰምብድ ከኣ ኣብ ቈልዑ ዝፍጸም ቅትለት ሰማይ ኢዩ በጺሑ ዘሎ:- ብ1996: 4,322 ቈልዑ ተቐቲሎም: እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት 40 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዝገበረ ዝሕብር ኢዩ።” እንተዀነ ግን: ቈልዑ እውን ከይተረፉ ንኻልኦት ቈልዑን ንወለዶምን ይቐትሉ ኢዮም። ብርግጽ ህይወት ሓሲሩ ኢዩ ዘሎ።
ሞት ኣፍኲስካ ዝርአ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
እዚ ጭቡጥ መረዳእታታትን ኣሃዛትን እንታይ ኢዩ ዝሕብር፧ ንህይወት ዝወሃብ ኣኽብሮት እናጐደለ ይኸይድ ከም ዘሎ ኢዩ ዘርኢ። ጽምኢ ስልጣንን ፍቕሪ ገንዘብን ዘለዎም ሰባት ንኻልኦት ንምቕታል ድሕር ኣይብሉን ኢዮም። ብንግዲ ሓሽሽ ጐይተት ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ምሉኣት ስድራቤታት ከም ዝቕተላ ይገብሩ። ንግዳያቶም ክቕተሉ ክእዝዙ ኸለዉ “ቀንጽሎ:” “ደምስሶ:” “ኣወግዶ:” ወይ “ኣጥፍኣዮ” ዝኣመሰለ ቃላት ይጥቀሙ። ጃምላዊ ቕትለትን ዓሌታዊ ምጽራይን ከኣ ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ብምዃን ንህይወት ሰብ ኣሕሲርዎ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ እተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መደበር ቲቪ ኣብ መዓልታዊ ዜና ብዛዕባ ቕትለት የቕርባ ኣለዋ።
ኣብ ርእሲ እዚ ዓመጽን ዘስካሕክሕ ተግባራትን ኣብ ቴለቪዥን ከምኡውን ኣብ ፊልምታት ይውደስ ኣሎ: ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ሕብረተሰብ ከኣ ንሞት ኣፍኲስካ ናይ ምርኣይ ባህርይ የስፋሕፍሕ ኣሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ካብ መፋርቕ መበል 20 ዘመን ንነጀው: ሞት ኵሉ ሰብ ዝዛረበሉ ኣርእስቲ ዀይኑ ኣሎ። እቲ ዘገርም ግን ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ እዋን ዓሚቝ ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር ክግበር ከሎ ሳሕቲ: ፍልስፍናዊ ምርመራታት ክግበር ከሎ ድማ ብእተወሰነ ደረጃ ጥራይ ዝዝረበሉ ጕዳይ ኢዩ ነይሩ።” ብመሰረት እቲ ኣብ ካታሎኒያ ብዛዕባ ባህሊ ደቅሰብ ዘጽንዕ ፕሮፌሰር ቾሰፕ ፈሪክግላ: “ሎሚ ሞት ኣብ ሕብረተሰብና ክለዓል ዘይብሉ ኣርእስቲ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ: ንኣተሓሳስባ ደቅሰብ ንምቍጽጻር ዘገልግል ቀንዲ መሳርሒ ዀይኑ ኣሎ” በለ።
ካብ ህይወት ወድሰብን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ንላዕሊ ስልጣን: ልዕልና: ገንዘብ: ከምኡውን ሓጐስ ኢዩ ዘገድስ: ዝብል እምነት ጐሊሑ ምንጽብራቑ ሞት ኣፍኲስካ ይርአ ከም ዘሎ ዝሕብር ኢዩ።
እዚ ባህርይ እዚ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧ ወለዲ ነዚ ከቢብዎምን ንደቆም ዝጸሉን ዘሎ ኣሉታዊ ጽልዋታት ንምቅላስ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧ እዚ ገለ ኻብቲ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ዝምለስ ሕቶታት ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ዋጋ ህይወት ክንደይ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ፧
◼ “እቶም ኣብ [ሙምባይ: ህንዲ] ዝርከቡ መንእሰያት ዓዋሉ ህርፋን ገንዘብ ስለ ዘለዎም ብ5,000 ሩፒ [115 ዶላር] እውን ከይተረፈ ሰብ ንምቕታል ይወዓዓሉ ኢዮም።”—ፋር ኢስተርን ኢኮኖሚክ ረቪው
◼ “ንሓደ ሽጋራ ምሃብ ዝኣበዮ ሓላፍ መገዲ ቐተሎ።”—ኣብ ሳንቲያጎ: ቺለ እትሕተም ላ ተረቼራ እትበሃል ጋዜጣ ዝወጸ ኣርእስቲ
◼ “[ብ1995] ሰብ ንምቕታል ዝግበር ውዕል ብገምጋም 7000 ዶላር ኣቢሉ ይኸውን። . . . ድሕሪ ውድቀት ኮምዩኒዝም ኣብ ሩስያ ናይ ዋጋታት ናህሪ ስለ ዘጋጠመ ሰብ ንምቕታል ዝግበር ውዕላት ኣዝዩ ብዙሕ ወሰኽ ገይሩ ኣሎ።”—ሮይተር ካብ ሞስኮ ኒውስ ጠቒሱ ዝጸብጸቦ
◼ “ሓደ ኣብ ብሩክሊን ዝነብር ናይ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ደላላይ . . . ንሓደ ኰተቴ ነታ ነፍሰ-ጾር ሰበይቱን ኣዲኣን ክቐትለሉ ኢሉ ካብ እተወዓዓሎ 1,500 ዶላር እተወሰነ ገንዘብ ከፊሉ ብዝብል ክሲ ተኣሲሩ።”—ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ
◼ ‘ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሰብ ንኸተቕትል ዝኽፈል ዋጋ ይወርድ ኣሎ። ካብቲ ቕድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዝነበሮ 30,000 ፓውንድ ኣጸቢቑ ብምውራድ ካብ 5,000 ክሳዕ 10,000 ፓውንድ ጥራይ ኰይኑ ኣሎ።’—ዘ ጋርድያን
◼ ‘እቶም ኣብ ባልካን ዝርከቡ ጨካናት ዓዋሉ ንማፍያ ይዕብልልዎም ኣለዉ። እዚኣቶም ሓድሽ መምርሒታትን ኣጽዋርን ዘለዎም ናይዚ እዋን እዚ ዓመጸኛታት ኢዮም። ነተጕትን ኣውቶማቲክ ጠበናጁን ኣለዎም: ንኽጥቀምሉ ኸኣ ድሕር ኣይብሉን ኢዮም።’—ዘ ጋርድያን ዊክሊ