መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግንቦት 2002
“ከቢድ ሕማም ወይ ስንክልና ዘለዎ ሰብ ትፈልጥዶ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም ምትብባዕ ዘድልዮም ምዃኑ ከም እትሰማምዓሉ ፍሉጥ ኢዩ። ብኸመይ ኢና ግን ከነተባብዖም እንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህበና ኢዩ። [ኢሳይያስ 35:5, 6 ኣንብብ።] እዚ ትንቢት እዚ ከም ዝፍጸም ርግጸኛታት እንዀነሉ ምኽንያት እዛ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታም እዚኣ ትሕብረና ኢያ።”
ንቕሑ! ሚያዝያ-ሰነ 2002
“መጽሓፍ ቅዱስ: ርጡብ ትምህርቲ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ የጕልሓልና ኢዩ። [ምሳሌ 2:10, 11 ኣንብብ።] ቈልዑ ብቑዓት መምህራን ከም ዘድልዮም መብዛሕትና እንሰማምዓሉ ነገር ኢዩ። እዛ መጽሔት ንቕሑ! እዚኣ መምህራን ከመይ ዝበለ ወሳኒ ግደ ኸም ዘለዎም: ንዝኸፍልዎ መስዋእትታት ብኸመይ ከነማስወሉ ኸም ዘሎና: ከምኡውን ወለዲ ኣብቲ ኸቢድ ዕዮኦም ንኽሕግዝዎም እንታይ ክገብሩ ኸም ዘለዎም ተጕልሕ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ግንቦት 2002
“ንኣምላኽ ክንፈልጦ ዝከኣልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብ ሓደ ዘይንፈልጦ ኣካል ክንኣምን ኣሸጋሪ ምዃኑ ኸም እትሰማምዓሉ ፍሉጥ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ክንደልዮ የተባብዓና። [ግብሪ ሃዋርያት 17:27 ኣንብብ።] እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ብዝያዳ ኽንፈልጦ ኸም እንኽእል ይሕብራና ኢየን።”