ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ
1 መራኸቢ ብዙሓንን ዓለማውያን መምህራንን ንስጋዊ ሃብቲ ዝለዓለ ቦታ ኽህብዎ ኸለዉ: ቃል ኣምላኽ ግን ‘ብሰናይ ግብሪ ሃብትሙ’ ኢሉ እዩ ዝምሕጸነና። (1 ጢሞ. 6:18) እዚ ቐንዲ ኣርእስቲ ናይቲ ኻብ ግንቦት 2003 ኣትሒዙ ዝግበር መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ እዩ። ካብዚ ኣኼባ እዚ እንታይ ምትብባዕ ኢና ኽንረክብ፧
2 እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ኩኑ” ኣብ ዘርእስቱ ኽፍሊ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ኽገልጽ እዩ: ንገለ ኻብቶም መንፈሳዊ ሃብቲ ኸጥርዩ ዝጽዕሩ እውን ቃለ-መጠይቕ ክገብረሎም እዩ። እቲ በጻሒ ተዛራባይ “ኣብዚ እዋን ቀውዒ ሰናይ ምግባር” ኣብ ዘርእስቱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ዘቕርቦ ናይ መጀመርታ ዝርርቡ: ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ኽገልጽ እዩ። ነፍሲ ወከፍና ኣብቲ ሕጂ ዝዕመም ዘሎ ኣምላኽ ዝመደቦ ዕዮ ቐውዒ ኸመይ ጌርና ብዝያዳ ኽንሳተፍ ከም እንኽእል ንኽንሓስበሉ መተባብዒ ኽወሃበና እዩ።
3 ክርስትያን መንእሰያት መንፈሳዊ ሃብቲ ንኸጥርዩ ጻዕሪ ኽገብሩ ኽንርኢ ኸሎና ብሓቂ ኢና እንሕጐስ! እዚ ንየሆዋ የኽብሮ: ንመንእሰያት ከኣ ኣብ መጻኢ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ንኽረኽቡ ጽቡቕ መሰረት ንኸንብሩ ይሕግዞም። እቲ “ንየሆዋ ንምውዳስ ሰናይ ግብሪ ንዝገብሩ መንእሰያት ምንኣዶም” ዘርእስቱ ኽፍሊ ነቲ ኣብቲ ወረዳ ዝርከቡ ክርስትያን መንእሰያት ዝፈጸምዎ ሰናይ ግብሪ ዘጕልሕ እዩ።
4 ሰናይ ግብሪ ምግባር እንታይ ፍረ የምጽእ፧ እቲ በጻሒ ተዛራባይ ኣብ ዘቕርቦ “ሰናይ ግብሪ ብምግባር በረኸት የሆዋ ምዕጻድ” ዘርእስቱ ናይ መወዳእታ ዝርርቡ ነዚ ኽገልጾ እዩ። ብዙሕ በረኸት እንረኽበሉ ኣርባዕተ መዳይ ክገልጽ እዩ። እዚ ኸኣ (1) ብውልቀ-ሰብ: (2) ብስድራቤት: (3) ብጉባኤ: (4) ብዓለምለኻዊ ማሕበር እዩ።
5 እቶም ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ንኽጥመቑ ኣጋጣሚ ኽረኽቡ እዮም። ነዚ ስጕምቲ እዚ ኽትወስድ ድሉው እንተ ዄንካ: ንናይ ጉባኤኹም ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ቐልጢፍካ ንገሮ።
6 ኣብ ከባቢኹም እዚ ኣኼባ ዝግበረሉ መዓልቲ ምስ ተነግረ: ኣብቲ ኣኼባ ንኽትእከብ ቀልጢፍካ ንጹር መደባት ኣውጽእ። ኣብ መኽፈቲ መዝሙርን ጸሎትን ምእንቲ ኽትካፈል ኣቐዲምካ ኣብቲ ቦታ ንምብጻሕ ጽዓር። ኣብቲ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ምጽናሕን ጽን ኢልካ ምስማዕን: ካብታ ብኣረኣእያ የሆዋ ኣምላኽ ብሓቂ ሃብታማት እትገብረና መገዲ ንየማን ኰነ ንጸጋም ንኸይነልግስ የበራትዓና።