‘ከንቱነት ኣርሕቕ’
1 ሎሚ ሓደ ኻብቲ ሓሳብ ንሓሳብ እትለዋወጠሉ ዘመናዊ ኣገባብ ኢ-ሜይል ኢዩ። በዚ ኣገባብ መራኸቢ ገይርካ ምስ ኣባላት ስድራቤትን ኣዕሩኽን ተመክሮታትን ሓሳባትን ክትለዋወጥ ግቡእ እኳ እንተዀነ: ብዘይ ገደብ ምስ እትጥቀመሉ ግን እንታይ ‘ከንቱ’ ነገራት ኢዩ ከስዕብ ዝኽእል፧—ምሳ. 12:11
2 ብዛዕባ ኢ-ሜይል ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ነገር:- ገሊኣቶም ነቲ ንሳቶም ሓድሽ ሓበሬታ ኢሎም ዝሓስብዎ ብኢ-ሜይል ቀልጢፎም ክረኽብዎ ኸለዉ ምስ ማሕበር የሆዋ ዝያዳ ርክብ ዝገበሩ ዀይኑ ይስምዖም። እዚ ድማ ተመክሮታት: ብዛዕባ ኣብ ቤትኤል እተፈጸመ ነገራት: ብዛዕባ ባህርያዊ ዕንወት ወይ ስደት ዝምልከት ነገራት: ወይ እውን ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እተነበበ ምስጢራዊ ሓበሬታ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገሊኣቶም ከይተቐደሙ ነዚ ሓበሬታ እዚ ንኣዕሩኽቶም ምእንቲ ኸካፍልዎም ብዙሕ ይህንጠዩ።
3 ሓድሓደ ግዜ ገሊኡ ሓበሬታታትን ተመክሮታትን ተቐያይሩ ወይ ተጋኒኑ ቀሪቡ ኢዩ። እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ከቕርቡ ዝህወኹ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ጭብጥታት ምሉእ ብምሉእ ኣይፈልጥዎን ኢዮም። (ምሳ. 29:20) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይርጡብ ወይ ዘጋጊ ሓበሬታ ምስ “ነገር ቅለት” እተተሓሓዘ ኢዩ: ናይ ሓቂ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘተባብዕ ኸኣ ኣይኰነን። (1 ጢሞ. 4:6, 7) ዘይርጡብ ሓበሬታ እንተደኣ ዘርጊሕካ: ነቲ ዘስዕቦ ጓሂ ወይ ምድንጋር ሓላፍነት ክትስከም ኢኻ። ነሕዋትና ዘጋጊ ወይ ተስፋ ዘቝርጽ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንገብር ከም ዘይንደሊ ፍሉጥ ኢዩ።
4 ብኣምላኽ እተሾመ መትረብ:- ሰማያዊ ኣቦና እተሾመ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዝበሃል ናይ መራኸቢ መትረብ ከም ዘለዎ ንዘክር። እቲ “ባርያ” ብዛዕባ እቲ ናብቶም ናይ እምነት ሰባት ክበጽሕ ዘለዎ ሓበሬታን ክበጽሓሉ ዘለዎ ግቡእ ‘ግዜን’ ክውስን ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ መንፈሳዊ መግቢ እዚ በታ ቲኦክራሲያዊት ማሕበር ኣቢሉ ኢዩ ዝበጽሕ። ርጡብ ሓበሬታ ንምርካብ ወትሩ ናብቲ ኣምላኽ ዝሸሞ መትረብ ደኣ እምበር ናብ ናይ ኢንተርነት ተጠቀምቲ ገጽና እንጥምት ክንከውን የብልናን።—ማቴ. 24:45
5 ኢንተርነት ወብ ሳይት:- www.watchtower.org ዝበሃል ወግዓዊ ናይ ኢንተርነት ወብ ሳይት ኣሎና። እዚ ናብ ህዝቢ እኹል ሓበሬታ ንምምሕልላፍ ዘኽእል ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ውልቀሰብ: ኮሚተ: ወይ ጉባኤ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዝኣመሰለ መደብ ወይ ወብ ሳይት ከዳሉ ኣድላዪ ኣይኰነን። ኣብ ርእሲ እዚ እውን መኽሰብ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝሕተም ጽሑፋት ብኤሌክትሮኒክ ምብዛሕ ነቲ ብዛዕባ መሰል ደራሲ ዝወጸ ሕጊ ምጥሓስ ማለት ኢዩ። ገሊኣቶም ነዚ ነገር እዚ ንኣሕዋት ምግልጋል ገይሮም ዝርእይዎ እኳ እንተዀኑ: ማሕበር ግን ኣይትድግፎን ኢያ: ስለዚ ኽቋረጽ ኣለዎ።
6 ኤሌክትሮኒካዊ መራኸቢ ኽንጥቀም ከሎና ምምዝዛንን ርጡብ ኣተሓሳስባን ምስ ዝህልወና ኣእምሮና ‘ብኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዅሉ ጥሪት ከም ዝመልአ’ ዘረጋግጽ ኢዩ።—ምሳ. 24:4