ሕቶ ሳጹን
◼ ነቲ እንዕድሎ ጽሑፋት ናይ ኢ-መይል ኣድራሻና ኽንጽሕፈሉ ግቡእ ድዩ፧
ገሊኦም ኣስፋሕቲ ነቲ ዚዕድልዎ መጽሔታት ወይ ትራክትታት ብመልክዕ ማሕተም ወይ ጽሕፈት ገይሮም ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኦም ጽሒፎሙሉ እዮም። ድሕሪኡ: እቶም ጽሑፋት ዚቕበሉ ሰባት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደልዮም: ነቲ ኣስፋሒ በቲ ኣድራሻ ገይሮም ኪረኽብዎ ይኽእሉ። ንተገደስቲ ሰባት ንምሕጋዝ ዚግበር ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ካብ ቅንዕና እተበገሰ እዩ። ይኹን እምበር: ወግዓዊ ዌብ ሳይትና ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል መጽሔታትናን ትራክትታትናን ተሓቢሩ ኣሎ። ስለዚ: ኣብ ጽሑፋትና ናይ ብሕትና ናይ ኢ-መይል ኣድራሻ እንተ ዘይጸሓፍና ይሓይሽ።
ሓደ ኣስፋሒ ኣብቲ ኽሊ ንዚርከቡ ሰባት: ብፍላይ ተመላሊሱ ኺበጽሖም ከሎ: ኣድራሻኡ ኣብ ካልእ ንእሽቶ ወረቐት ጽሒፉ ኺህቦም ወይ ከይህቦም: ናይ ብሕቱ ምርጫ እዩ። ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት: ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደልዮም ኪረኽቡና ኣብ ክንዲ እንጽበ: ባዕልና ኽንበጽሖም ተበግሶ ኽንወስድ ኣሎና። ናይ ሓቂ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣብቲ ብኣካል ተራኺብካ እትገብሮ ምምይያጥ እዩ ዝያዳ ዚርአ።