ቀልጢፍካ ብጽሓዮም
ንመን ኢኻ ቐልጢፍካ ኽትበጽሖም ዘሎካ፧ ነቶም ጽሑፍ ዝደልዩ: መጽሔት ብቐጻሊ ኽመጾም ዝሓተቱ: ወይ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ቤቶም ክበጽሖም ዝደልዩ ሰባት ኢና ቐልጢፍና ኽንበጽሖም ዘሎና። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ካብ መን እዩ ኽመጽእ ዝኽእል፧ ካብቶም ብደብዳበ: ብተሌፎን: ወይ በቲ ኣብ ኢንተርነት ዘሎና ሕጋዊ ዌብ ሳይት ኣቢሎም ምብጻሕ ክግበረሎም ከም ዝደልዩ ዝገልጹ ሰባት እዩ ዝመጽእ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ምስ ዝርከብ: እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነቲ “በጃኻትኩም ሓደ ብቕዓት ዘለዎ ኣስፋሒ ነዚ ሰብ እዚ ኸም ዝበጽሖ ግበሩ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ S-70 ዝበሃል ወረቐት መሊኡ ናብ ሓንቲ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤ ይልእኾ። ሽማግለታት ነቲ S-70 ምስ ተቐበሉ: ብኡንብኡ ንሓደ ተጊሁ ነዚ ተገዳስነት ዝከታተል ኣስፋሒ ይህብዎ። እቲ ኣስፋሒ: ነቲ ውልቀ-ሰብ ኣብ ቤቱ ኽረኽቦ እንተ ዘይክኢሉ: ብተሌፎን ክረኽቦ ወይ ብጥበብ ንእሽቶ ወረቐት ክገድፈሉ ይኽእል እዩ። ነዚ ዕዮ እዚ ኽትገብር እንተ ተመዲብካ: ነቲ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ብቕልጡፍ ምብጻሕ ንኽትገብረሉ ዝከኣለካ ዅሉ ግበር።