ሳጹን ሕቶ
◼ ኣብ ጽሑፋትና ይኹን ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ኩፖን፡ መሊኡ ኺልእኮ ዘለዎ መን እዩ፧
መብዛሕትኡ ጽሑፋትና ተመሊኡ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪለኣኽ ዚኽእል ኩፖን ሒዙ ይወጽእ እዩ። ሓደ ሰብ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽሑፋት ኪረክብ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ምስ ዚደሊ፡ ነዚ ኩፖን እዚ ብምልኣኽ ኪሓትት ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ በቲ www.watchtower.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ኣቢሉ እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምርሓሉ ኺሓትት ይኽእል እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ ንሓያሎ ሰባት ሓቂ ንኺመሃሩ ሓጊዝዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣስፋሕቲ፡ ኣዝማዶም ወይ ካልኦት ሰባት መንፈሳዊ ሓገዝ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ነዚ ኩፖን እዚ ኣብ ክንዳኦም መሊኦም ኣብ ዚልእኩሉ ግዜ ጸገማት የጋጥም እዩ።
ገሊኣቶም ዘይሓተትዎ ጽሑፋት ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ምስ ተላእከሎም፡ ውድብና ኸም ዘሸገሮምን ከም ዝመዝገቦምን ኰይኑ ስለ እተሰምዖም ኣጕረምሪሞም እዮም። ኣስፋሕቲ ንሓደ ንኺብጻሕ ዘይሓተተ ሰብ ንኺበጽሕዎ ተነጊርዎም ምስ ከዱ፡ ሓፊሮም እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ወብ ሳይትና ይኹን ኣብ ጽሑፋትና ዘሎ ኩፖን፡ ተገደስቲ ሰባት ባዕላቶም እዮም መሊኦም ኪልእክዎ ዘለዎም። ኣስፋሕቲ ኣብ ክንዲ ኻልኦት ኰይኖም ኪልእኩ የብሎምን። ስለዚ፡ ኣስፋሕቲ ኣብ ክንዲ ኻልኦት ኰይኖም ኩፖን ከም ዝለኣኹ እንተ ተፈሊጡ፡ ምላሽ ኣይኪወሃበሉን እዩ።
ከመይ ጌርና ደኣ ኢና እሞ ንዘመድና ወይ ንእንፈልጦ ሰብ ብመንፈሳዊ መዳይ ክንሕግዞ እንኽእል፧ ጽሑፍ ክትህቦ እንተ ደሊኻ፡ ከም ህያብ ጌርካ ባዕልኻ ብቐጥታ ዘይትልእኸሉ፧ ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ እሞ ኺብጻሕ እንተ ደልዩ፡ ግናኸ ንስኻ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሽማግለታት ከመይ ጌርካ ኸም እትረኽቦም እንተ ዘይፈሊጥካ፡ ነታ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትብሃል ፎርም መሊእካ ንጸሓፊ ጉባኤኻ ሃቦ። ንሱ ኸኣ፡ ነታ ፎርም መርሚሩ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪልእካ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተሓየረ፡ ወይ ከኣ ኣብ ሓደ ትካል፡ ወይ ኣብ ሆስፒታል ተዓጽዩ ዚነብር እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ክንዳኡ ዄንካ ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣይትሕተት። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስቶም ነቲ ትካል ዚበጽሑ ኣሕዋት ኪራኸብ ወይ ባዕሉ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪጽሕፍ ከተተባብዖ ትኽእል ኢኻ።