ሳጹን ሕቶ
◼ ኣስፋሕቲ ኣብ ካልእ ሃገር ንዚነብሩ ዘይፈልጥዎም ሰባት ብኢንተርነት እናተጠቕሙ ኺምስክሩሎም ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑሎም ግቡእ ድዩ፧
ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ኢንተርነት ተጠቒሞም ዕዮና ኣብ እተኣገደሉ ወይ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ ዘይብሉ ሃገራት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑ ጽዒሮም እዮም። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ እዚ ጽቡቕ ውጽኢት ኣምጺኡ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣስፋሕቲ ምስ ዘይፈልጥዎም ሰባት ብኢ-መይል ምስ ዚጸሓሓፉ ወይ ብኢንተርነት ምስ ዚመያየጡ ሓደጋ ኼስዕብ ይኽእል እዩ። (ኣብ ናይ ሓምለ 2007 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 3 ርአ።) ሓደ ኣስፋሒ በዚ መገዲ እዚ ዚጥቀመሉ ምኽንያት ንቕኑዓት ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኼብጽሓሎም እዩ፣ ይኹን እምበር፡ እዚ ምስ ከሓድትን ምስ ካልኦት ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባትን ከም ዚራኸብ ስለ ዚገብሮ፡ ሕማቕ ዕርክነት ናብ ምምስራት ኪመርሖ ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 1:19-25፣ ቈሎ. 2:8) ብዘይካዚ፡ ዕዮና ኣብ እተኣገደሉ ሃገራት ዘለዉ ሰበ ስልጣን ነቲ ብኢንተርነት ዚግበር ርክብ ኪከታተልዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ርክብ፡ ኣብታ ሃገር ንዘለዎ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ሓደጋ ኼእትዎም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኣስፋሕቲ ኣብ ካልእ ሃገር ንዚነብሩ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺነግርዎም ኢሎም ብኢንተርነት ኪረኽብዎም ግቡእ ኣይኰነን።
ኣብ ሃገርና ዘሎ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር መምርሒ እንተ ዘይሂቡና፡ ካብ ካልእ ሃገር ኪበጽሕ ንዝመጸ ዘይንፈልጦ ሰብ ብዘይ ወግዓዊ መገዲ እንተ መስኪርናሉ፡ ናብ ሃገሩ ምስ ተመለስ፡ ተገዳስነቱ ኸነለዓዕል ክንፍትን የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ንኺረክብ ነቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ብኸመይ ኪጥቀመሉ ኸም ዚኽእል ከነርእዮ ወይ ምስቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብኸመይ ኪራኸብ ከም ዚኽእል ሓበሬታ ኽንህቦ ንኽእል ኢና። ኣብ ጥቓ ቤቱ ናብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸይድ እውን ከነተባብዖ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘየለ እውን ክንግንዘብ ኣሎና። ኣብቲ ዚነብረሉ ኸባቢ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሕዎ ዚደሊ እንተ ዀይኑ፡ ነታ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) ዘርእስታ ፎርም መሊእና ንጸሓፊ ጉባኤና ኽንህቦ ይግባእ። እቲ ጸሓፊ ኸኣ jw.org ተጠቒሙ ናብቲ እቲ ተገዳሲ ሰብ ኣብ ዚነብረሉ ሃገር ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኬመሓላልፎ እዩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፍሉይ ኵነታት ስለ ዚርድኦ፡ ብዝሓሸ መገዲ ዜድሊ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪህብ ይኽእል እዩ።—ኣብ ናይ ሰነ 2014 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 7፣ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ሕዳር 2011 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 2 ርአ።
እቲ ኣብዚ እዋን እዚ እንበጽሖ ዘሎና ሰብ ናብ ካልእ ሃገር እንተ ግዒዙ፡ ወይ ከኣ ንሓደ ብኢንተርነት ጥራይ እንፈልጦ ኣብ ካልእ ሃገር ዚነብር ሰብ ኣብዚ እዋን እዚ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሓሉ እንተ ኣሊና፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተዋህበ መምርሒ ኽንስዕብ ይግባእ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ኽሳዕ ዚረኽብዎ፡ ተገዳስነቱ ኸነማዕብል ንኽእል ኢና። ኣብቲ ዕዮና እተኣገደሉ ቦታ ዚነብር እንተ ዀይኑ ግና፡ ብደብዳበ፡ ብተሌፎን፡ ወይ ብኢንተርነት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከነመያይጦ ኸለና ኣዚና ኽንጥንቀቕ ይግባእ።—ማቴ. 10:16።