ቀልጢፍካ ተኸታተል
እቲ ተመሓይሹ እተዳለወ ወብ ሳይትና ኻብ ዚጅምር ንነጀው፡ ቍጽሪ እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅመረሎም ብኢንተርነት ኣቢሎም ዚሓትቱ ሰባት፡ ብዜደንቕ መገዲ ወሲኹ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብመገዲ ህዝባዊ ምስክርነት እተረኽቡ እሞ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሎም ፍቓደኛታት ዚዀኑ ሰባት እውን ብኢንተርነት ከም ዚመሓላለፍ ይግበር ኣሎ። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ነዚ ምስ ተቐበለ ቐልጢፉ ስጕምቲ ይወስድ እዩ። ንኣብነት፡ ብመገዲ jw.org ሕቶ እንተ ቐሪቡ፡ እቶም ኣብ ክሊ እቲ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ዚነብሩ ሽማግለታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ጥራይ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሓበሬታ ይልኣኸሎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ገለ ኻብቶም መጽናዕቲ ኺምርሓሎም ዝሓተቱ ሰባት፡ ንእተወሰነ ሰሙናት ዚበጽሖም ሰብ ከም ዘይረኸቡ ዚሕብር ጸብጻብ ይቐርብ እዩ። እቲ ሰብ ተገዳስነቱ ኸይቀሃመ ኸሎ ሓገዝ ምእንቲ ኺረክብ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧—ማር. 4:14, 15።
ሓደ ኣብ ክልኹም ዘይነብር ሰብ ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ ነታ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትብሃል ፎርም ቀልጢፍካ መሊእካ፡ ክሳዕ ዚቕጽል ኣኼባኹም ኣብ ዘሎ ግዜ ንጸሓፊ ሃቦ። ሽዑ እቲ ጸሓፊ በቲ እታ ጉባኤ እትጥቀመሉ ኣብ jw.org ዘሎ መገዲ ኣቢሉ፡ ነቲ ሓበሬታ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ንዚምልከታ ጉባኤ ይህባ ወይ ከኣ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይሰድዶ። ሽማግለታት ነቲ ወብ ሳይት ኣዘውቲሮም ኪርእይዎ ኣለዎም። ንሓደ ሰብ ንኺበጽሕዎ ዚሕብር ሓበሬታ እንተ ተቐቢሎም፡ ቀልጢፎም ኪከታተልዎ ኣለዎም። ሓደ ኣስፋሒ ነቲ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ንኺበጽሖ እንተ ተሓቲቱ ድማ ቀዳምነት ኪህቦ ይግባእ። እቲ ሰብ ኣብ ቤቱ እንተ ዘይተረኺቡ፡ ኣድራሻኻ ጽሒፍካ፡ ንእሽቶ ወረቐት ክትገድፈሉ ትኽእል ኢኻ።