ነታ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትበሃል ፎርም ብኸመይ ንጠቐመላ፧
እዛ ፎርም እዚኣ ኽትምላእ ዘለዋ፡ ኣብ ክልኹም ዘይነብር ወይ ቋንቋ ወጻኢ ዚዛረብ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ እንተ ረኺብካ ጥራይ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ቋንቋ ወጻኢ ዚዛረብ ሰብ ክንረክብ ከለና፡ ተገዳስነት የርኢ ወይ ኣየርኢ ብዘየገድስ ነዛ ፎርም እዚኣ ንጥቀመላ እኳ እንተ ነበርና፡ ሕጂ ግን እቲ ሰብ ተገዳስነት ኬርኢ ኸሎ ጥራይ ኢና እንጥቀመላ። እቲ ዝረኸብናዮ ሰብ ጽሙም እንተ ዀይኑ ግን፡ ተገዳስነት የርኢ ወይ ኣየርኢ ብዘየገድስ፡ ነታ S-43 እተበሃል ፎርም ክንመልኣ ኣሎና።
ነታ ፎርም እቲኣ ምስ መልእናያ እንታይ ክንገብራ ኣሎና፧ ንጸሓፊ ጉባኤ ኽንህቦ ይግባእ። እቲ ጸሓፊ ነታ ፎርም ናብ ኣየነይቲ ጉባኤ ኺልእካ ኸም ዘለዎ እንተ ፈሊጡ፡ ናብ ሽማግለታት እታ ጉባኤ ኺልእካ ይኽእል እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ነቲ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ቈላሕታ ኸም ዚግበረሉ ይገብሩ። እቲ ጸሓፊ ናብ ኣየነይቲ ጉባኤ ኸም ዚልእካ እንተ ዘይፈሊጡ ግን፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪልእካ ይኽእል እዩ።
እቲ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ፡ ቋንቋ ወጻኢ ዚዛረብን ኣብ ክልኹም ዚነብርን እንተ ዀይኑ፡ ምስ ሓደ ኣብ ጉባኤ ቛንቋ ወጻኢ ዜገልግል ኣስፋሒ ኽሳዕ ዚራኸብ፡ ተገዳስነቱ ንኸተማዕብል ብቐጻሊ ኽተበጽሖ ትኽእል ኢኻ።—ናይ ሕዳር 2009 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 4 ርአ።