ተወሳኺ ምስክርነት ንኺወሃቦም ሓግዞም
1 ብስራት ክንሰብኽ ከለና ዚበዝሕ ግዜ ኣብ ዞባና ዘይነብሩ ሰባት ወይ ከኣ ናይ ምልክት ቋንቋ ዚጥቀሙ ዀነ ኻልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት የጋጥሙና እዮም። ምሳና ጽቡቕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ዝገብሩ ሰባት ከኣ ካብ ዞባና ወጺኦም ናብ ካልእ ኪግዕዙ ይኽእሉ እዮም። እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ተወሳኺ ምስክርነት ንኺወሃቦም እንታይ ምድላዋት ክንገብረሎም ንኽእል፧ ነቲ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) ዘርእስቱ ፎርም ተጠቒምና ኢና ኽንሕግዞም እንኽእል።
2 ሰባት እቲ ብስራት ብቛንቋኦም ኪቐርበሎም ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ጽን ኢሎም እዮም ዚሰምዑ። (ግብ. 22:1, 2) በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር: ካልእ ቋንቋ ዚዛረብ ሰብ ክንረክብ ከለና: ዋላ እኳ እቲ ሰብ ኣብቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት እንተ ዘየርኣየ ነቲ ፎርም ክንመልኦ ይግብኣና። ይኹን እምበር: ብቛንቋኦም ብዙሕ ሳዕ ዚምስከረሎም ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዚዛረቡ ብዝሕ ዝበሉ ሰባት እንተደኣ ኣልዮም እሞ ተገዳስነት እንተ ዘየርእዮም: ነቲ ፎርም ምምላእ ኣድላዪ ኸይከውን ይኽእል እዩ።
3 ነቲ ፎርም ምምላእ:- እቲ ሰብ ብሜላ ስሙን ኣድራሻኡን ቍጽሪ ተሌፎኑን ከም ዚህበካ ግበር። ተገዳስነቱ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ: መዓስ ከም ዚርከብ: እተበረከተሉ ወይ ዝሓተቶ ጽሑፍ: ከምኡውን ብዝበለጸ ዚርድኦ ቛንቋ እንታይ ምዃኑ ኣብቲ ፎርም መዝግቦ። ነቲ ፎርም መልኢኻ ምስ ወዳእካ ወዓል ሕደር ከይበልካ ነቲ ናይ ጉባኤ ጸሓፊ ሃቦ: ንሱ ኸኣ ንዚምልከታ ጉባኤ ወይ ጕጅለ የመሓላልፎ።
4 ነቲ ፎርም ምምሕልላፋ:- እቲ ጸሓፊ ነቲ ፎርም ነየነይቲ ጉባኤ ወይ ጕጅለ ኪልእኸላ ኸም ዘለዎ ዘይፈልጥ ወይ ከኣ ኣድራሻኣ ዘይብሉ እንተደኣ ዀይኑ: ዜድሊ ሓበሬታ ንምርካብ ናብቲ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘሎ ኽፍሊ ዞባ ስልኪ ኺድውል ይኽእል እዩ። ነቲ ፎርም ከተመሓላልፍ ከለኻ ነቲ ናይ ከተማ ተዓዛቢ ምሕባሩ ኣድላዪ ኣይኰነን።
5 ሓንቲ ጉባኤ ወይ ጕጅለ ነቲ ብግቡእ እተመልአ በጃኻ ተኸታተሎ ዘርእስቱ ፎርም ምስ ተቐበለት እቲ ሰብ ብቕልጡፍ ንኺብጻሕ ምድላዋት ክትገብር ኣለዋ። ንሕና ተጊህና ግዴና እንተደኣ ጌርና: የሆዋ ነቶም “ንናይ ዘለኣለም ህይወት ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ልቦም ከም ዚኸፍተሎም ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ግብ. 13:48 NW