መደብ 30 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
30 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 33ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 5 ሕ.ጽ. 9-15 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ መዝሙር 26-33 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ መዝሙር 31:9-24 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ናይ ሓቂ ትሕትና ዘርኣዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ኣብነታት (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ቍጽሮም ዘይተወሰነ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ምድራዊ ህይወት ኪረኽቡ መብጽዓ ተኣትወሎም—td 2ሐ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ምልክታታት። ንናይ ቀረባ እዋን መጽሔታት እተዳለወ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ተጠቒምካ፡ ኣብ ሰነ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ኵሎም ኣብዚ ዕዮ እዚ ኺካፈሉ ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ፦ ምርምር ብኸመይ ተካይድ፧ ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 33-38 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ኣገልግሎት ንዝቐረበሉ ሕቶ ንምምላስ፡ ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ እናተጠቕመ ምስ ነብሱ ኺዛረብ ከሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ሰነ መጽሔታት ንምዕዳል ተዳሎ። ምይይጥ። ትሕዝቶ እተን መጽሔታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ደቓይቕ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓንቀጻት መሪጽካ ነተን ዓንቀጻት ንኼፋልጡ እንታይ ሕቶታትን ጥቕስታትን ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ንሰማዕቲ ሕተቶም። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትዕደል ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 37ን ጸሎትን